እንክንጽሊ በይንና ኣይኮናን! ኢየሱስ ወትሩ ምሳናን ስለናን ይጽሊ! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብዛዕባ ጸሎት ዝጀመርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል ካብ ብሉይ ኪዳን ናብ ሓዲስ ኪዳን ጸሎት ኢየሱስ ብምስጋር ኢየሱስ ብጸሎቱ ንሰማያት ከፊቱ እቶም ኣይግብኣናን ዝብሉ ከይተረፈ ኣብ ዝኾነ ኩነት ሕይወት ይሃልው ክስዕብዎ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊጹልና እንክብሉ ኣስተምሂሮም። ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ዕለቱ መደብ ብጸሎት ምስ ከፈቱ ካብ ወንጌል ሉቃስ 3.21-22 ‘ኰነ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ዅሉ ምስ ተጠምቀ፡ ኢየሱስውን ተጠሚቑ ኺጽሊ ኸሎ፡ ሰማይ ተኸፍተ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብኣርኣያ ስጋ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፡ ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ’ ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ምስ ተነበ ነዚ ዚስዕብ ትምህርቲ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ናይ ሎሚ ኣስተምህሮና ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርናዮ ኣነ ርሕቅ ኢለ ኣብዚ ክኸውን እየ። ናባኹም ውርድ ኢለ ኣብ መንጎኹም ተዘዋዊረ ንነፍሲወከፍኩም ሰላም ክብለኩም ምደለኹ እንተኾነ ኣብ መንጎ ዘሎ ርሕቀት ክሕሎ ኣለዎ ከምቲ ብቀዳማይ ዝበልኩኹም ሰላም ክብለኩም ኣብ መንጎኹም እንክርከብ ሰላም ክትብሉኒ ዕጒጒ ስለእትብሉ እዚ ከኣ ተጻይ ሓለዋ ጥዕና ናይ ግዜና እታ ወይዘሮ ኮቪድ እንብላ መሊኻትና ዘላ ሕማም ብጣዕሚ ኸኣ ዝጐድኣና እዩ። ስለዚኸስ ወሪደ ሰላም ዘይምባለይ ይቅሬታ ግበሩለይ። ካብዚ ዘሎኹዎ ሰላም እብለኩም ንኩሉኹም ኣብ ልበይ ፍሉይ ቦታ ኣሎኹም ንኩሉኹም! ንስኹም እውን ኣብ ልብኹም ሓዙኒ ስለይ ከኣ ጸልዩ። ተራሓሒቅካ እውን እቲ ሓደ ስለ ሓደ ክጽሊ ይኽእል። ስለዝተረዳእኩምኒ ኣመስግነኩም።

ናብ ትምህርትና ምልስ ምስ እንብል ሒዝናዮ ኣብ ዘሎና ብዛዕባ ጸሎት እነካይዶ ኣስተንትኖ ናይ ብሉይ ኪዳን ደምዲምና ሎሚ ናብ ኢየሱስ ክንምልከት ኢና። ኢየሱስ ይጽሊ ነበረ። ተልእኮ ስብከተ ወንጌሉ ዝጀመረሉ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብምጥማቅ ነበረ። ኣብዚ ፍጻሜ እዝን ኣብ ተልእኮ ኣድላይነቱን ኩሎም ወንጌላውያን ይሰማምዑ። ቅድሚ ጥምቀት ኢየሱስ ኩሎም ብከመይ ዝበለ ይጽልዩን ይንስሑን ከምዝነበሩ ይገልጹ (ማር 1,5. ማቴ 3.8)። እዚ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝግበር ዝነበረ ጉባኤ ናይ ንስሓ ባህርይ ከምዝበሮ ይገልጹ። እቲ ሕዝቢ ናብ ዮሓንስ መጥምቅ ንሕድገት ሓጢኣቶም ክጥመቁ ይኸዱ ነበሩ ይብሉ። ኣብዚ ናይ ጣዕሳን ንስሓን ለውጥን ኣገባብ ይረኤ።

ቀዳማይ ተግባር ኢየሱስ ከስ ኣብቲ ማህሌታዊ ጸሎት ሕዝቢ ምስታፍ ነበረ፡ እዚ ከኣ መላእ ሕዝቢ ብስብከት ዮሓንስ መጥምቅ ሰሚዖም ንክጥመቁ ይኸዱ ነበሩ። እዚ ጥምቀት እዚ ከኣ ናይ ንስሓ ጸሎት ኰይኑ ኩሎም ሓጢኣቶም እናተኣመኑ ይጥምቁ ነበሩ። ኢየሱስ እውን ምስ እዚኦም ተሰሪዑ ምስ መጸ ዮሓንስ መጥምቅ ክእእቢ ይደሊ ‘ኣነ ደኣ እየ ብኣኻ ክጥምቅ ዘሎኒ እምበር ንስኻስ ክትጥመቅ ናባይ ትመጽእ?’ (ማቴ 3,14)። ዮሓንስ መጥምቅ ኢየሱስ ምዃኑ ድሮ ተረዲእዎ እዩ። ኢየሱስ ግን ግደፍ ደኣ ኩሉ ሕጊ ክንፍጽም ቢሉ ንፍቃድ ኣቦኡ ክእዘዝ ከምዘለዎ ይገልጸሉ። እዚ ከኣ ምስ ኩነት ሰብኣውነትና ንምድንጋጽን ንምትሕብባርን ዝገብሮ እዩ። ኢየሱስ ምስ ሓጢኣተኛ ሕዝበ እግዚአብሔር ሓቢሩ ይጽሊ። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ንሓዞ። ኢየሱስ ጻድቅ እዩ ሓጢኣት ዝበሃል ኣብ ጥቃኡ የለን። እንተኾነ ክሳብ ናባና ናብ ሓጢኣተኛታት ክወርድ ደለየ በዚ ከኣ ንሕና ናብኡ ጸሎትና ክነዕርግ ምስ ጀመርና ንሱ ምሳና ይጽሊ። ሎሚ እውን ኢየሱስ ምሳና እዩ ዘሎ ከመይ ኣብ ሰማይ ስለና ይጽሊ ኣሎ። ኢየሱስ ወትሩ ምስ ሕዝቡ ይጽሊ ወትሩ ምሳና ይጽሊ! ወትሩ! እንክንጽሊ ብምንም ተኣምር በይንና ኣይኮናን ወትሩ ምስ ኢየሱስ ንጽሊ። ኣብ ገማግም ርባ ዮርዳስ ኢየሱስ ንሱ ፍሉይ ምዃኑን ካብቲ ዘይእዘዝ ሕዝቢ ናይ ንስሓ ጥምቀት ዝገብር ዝነበረ ሕዝቢ ርሕቀቱ ክገልጽ ‘ኣነ ጻድቅ እዩ ንስኹም ሓጢኣተኛታት ተጠመቁ’ ኢሉ ጸግዑ ሒዙ ሱቊ ኣይበለን። እኳ ደኣ ኣእጋሩ ኣብቲ ንስሓ ዝደሊ ዘበለ ዘጥልቀን ማያት የጥልቅ። ከም ሓደ ሓጢኣተኛ ይቀርብ። ዕብየት ናይቲ ንሓደ ወዱ ናባና ዝለኣኾ እግዚአብሔር እንከመልክት ንሱ ከኣ ንገዛእ ርእሱ ኢምንት ገሩ ከም ሓደ ሓጢኣተኛ ናባና መጸ።

ኢየሱስ ካባና ርሑቅ ዝኾነ ኣምላኽ ኣይኮነን ክኾኖ እውን ኣይክእልን። ነቲ ብኣተሓሳስባ ሰባት ዘይከኣል ከምዝተፈጸመ ምሥጢረ ሥጋኢው ገሊጹልና። በዚ ከምዚኸስ ኢየሱስ ተልእኮኡ ንክጅምር ኣብ መስሪዕ ሓጢኣተኛታት መራሒ ኰይኑ ኣብ ኣሰሮም ንሕና ኲልና ብትብዓት ክንሰግሮ ዘሎና ጐዳና ንኩሉ ድኻምነትና ተሸኪሙ ከፈተልና። እንተኾነ እዛ ጐዳና እዚኣ እዚ ጉዕዞ እዚ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። እንተንሱ ነቲ ጐዳና ከፊቱ ነቲ ጒዕዞ ጀሚሩልና እዩ። ሓዲስ ትምህርቲ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ. 2599 ‘እግዚአብሔር ኣቦ ካብ ደቁ ዝጽበዮ ውሉዳዊ ጸሎት ካብ እንኮ ወዱ ሰብኣውነት ለቢሱ ምስ ደቂ ሰባትን ስለደቂሰባትን እትዓርግ ጸሎት እዚኣ እያ’ እንክብል ይገልጾ። ኢየሱስ ወትሩ ምእንታና ይጽሊ። ነዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ነንብሮ፡ ኢየሱስ ምሳና ይጽሊ።

ኣብ ዕለተ ጥምቀት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገማግም ሩባ ዮርዳንስ ዘመደ ኣዳም ምስቲ ክግለጽ ዘይከኣል ምሥጢረ ጸሎት ይጋባእ። ቅድሚ ዝኣገረ ሓጢኣተኛታት እግዚአብሔር ከፍቅረና ኣይክእልን ዝብል ስምዒት ዝነበሮም ክንዮ ኣፋፈት ቤተመቅደስ ክሰግሩ ዘይክእሉ ዘይግብኦም ኰይኑ ስለዝምዖም እውን ፈጺሞም ዘይጽልዩ ነበሩ። ኢየሱስ ስለኩሉ እዩ መጺኡ። ነዚኦም እውን ስለዝመጸ ምሳኦም ሓቢሩ መራሕ መስርዕ ይኸውን።

ልዕሊ ኩሉ ሉቃስ ወንጌላዊ ኣብ ጥምቀት ኢየሱስ ዝነበረ ሃዋሁ ጸሎት ብዝርዝር ይገልጽ ‘ኺጽሊ ኸሎ፡ ሰማይ ተኸፍተ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብኣርኣያ ስጋ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ’ (ሉቃ 3.22)። ኢየሱስ ብምጽላይ ዓናቅጽ ሰማይ ይኸፍት በታ ጸሎት እቲኣ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ይወርድ። ካብ ሰማይ ከኣ ነታ እተድንቅ ሓቂ ዝገልጽ ‘ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ’ ዚብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ ይብለና። እዛ ገርሀይና ሓረግ እዚኣ ኣብ ውሽጣ ዓቢ መዝገብ ዝሓዘት ኰይና ብዛዕባ ምሥጢረ ኢየሱስ ክበርሃልና ይጅምር ከምኡ እውን ልቡ ወትሩ ናብ ኣቡኡ ዘቅነዔ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብቲ ክስዕብ ዝነበሮ ሕልኽላኻት ሕይወትን ኣብቲ ክዂንኖ ዝመጽእ ዓለምን ነቲ ዝሓሰመ ከቢድን ዘሕዝንን ተመኲሮታት ክጻወሮ ከምዝለዎ ነዚ ከኣ ርእሱ ዘጸጋዓላ እምኒ እኳ እንተዘይረኸበ (ማቴ 8,20) ዋላውን ኣብ ዙርያኡ ጽልእን ስደትን እንተከብቦ ኢየሱስ በይኑ ኰይኑ ኣይፈልጥን ጸግዒ ስኢኑ ኣይፈልጥን ንዘለዓለም ኣብ ሰማያዊ ኣቦኡ ከምዝነብር የረጋግጸልና።

እነሆ እንበኣር ዕብየት ናይታ ፍልይቲ ጸሎት ኢየሱስ። መንፈስ ቅዱስ ንኩለንትናኡ ይቆጻጸሮ እግዚአብሔር ኣቦ ከኣ ብድምጹ ንሱ ፍቁር ወዱ ምዃኑ የረጋግጽ እግዚአብሔር ኣቦ ብምልኣት ዝግለጸሉ ወዱ ምዃኑ እውን ይገልጽ።  እዛ ኣብ ገማምግም ሩባ ዮርዳኖስ ናይ ግሊ ጸሎት ኢየሱስ ዝኾነት ጸሎትከስ እቲ ዝተረፈ ምድራዊ ሕይወት ኢየሱስ እውን ከምኡ ከምዝኸውን የተንብሃልና። ኣብ ዕለተ ጴንጠቆስጤ ከኣ ናይ ኩሎም ብክርስቶስ ዝተጠምቁ ዘበሉ ጸሎት ኰይኑ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ይወርድ። ነዚ ውህበት እዚ ነዚ ጸጋ እዚ ምስ ተቀበልና ከምቲ ንሱ ዝጽልዮ ክንጽሊ ይዕድመና።

ስለዚኸስ ምናልባት ሓደ ምሸት ጸሎት ምግባር እንተሰልቸውናን ባዶሽ ኰና ትርጉም እንተሰኣናሉ ከምኡ እውን ሕይወት ምንም ጥቅሚ ዘይብላ ኰይኑ እንተተሰማዓና ኣብታ ሁመት እቲኣ ጸሎት ኢየሱስ ጸሎትና ምእንቲ ክኸውን ንኢየሱስ ምምህላል የድሊ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘ኣባቴ ኣነ ክጽሊ ኣይክእልን እየ እንታይ ከምዝገብር እውን ኣይፈልጥን። ምንም ኣይስመዓናን ብኩሉ ኩሉ ተስፋ ቈሪጸ ኣሎኹ ስለምንታይ ኢለ እውን እቊጣዕ ክብለኒ ይኽእል። ኣነ ኸኣ ኣብታ ሁመት እቲኣ ንኢየሱስ ኦ ጐይታ ጸሎትካ ጸሎተይ ትኹን ኢልካ ጸሊ እብሎ። ንሱ ስለና ክጽሊ ብኣኡ ምትእምማን የድሊ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኢየሱስ ምእንታና እናጸለየ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦኡ እዩ ዘሎ። ስለና የማልድ! ኣቦየ እነሆ ኣነ ስለ እዞም ሰባት እዚኦም ዝኸፈልክዎ ኢልዎ ቅንዋቱ የርእዮ። በዚ ንተኣማመን እዚ ዓቢ ነገር እዩ። በዚ ብሓቂ ተኣማሚና እንተጸሊና ሽዑ ድምጺ ካብ ሰማይ ክንሰምዕ ኢና። እዚ ድምጺ እዚ ካብቲ ላሕታት ዝኾነ ትሑት ድምጺ ብዝተዓጻጸፈ መንገዲ ሓያል ድምጺ ኰኑ ብርሕራሔ ዝተመልኤ ዘጸናንዕ ድምጺ ኰይኑ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ‘ንስኻ ብእግዚአብሔር ዝተፈቀርካ ወደይ ኢኻ ንስኻ ደስታ ሰማያዊ ኣቦ ኢኻ` ዝብል ድምጺ ይስማዕ። ዋላውን ብኩሎም ዝተነጸግና ካብ ኩሎም ዝሓሰምና ሓጢኣተኛታት እውን እንተኾና ንዓና ንነፍስወፍናኸስ እዘን ቃላት ሰማያዊ ኣቦና ይጋዋሓ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማያት ዮርዳኖስ ክጥመቅ ዝወረደ ንገዛእ ርእሱ ኢሉ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ንዓና ንኩልና ኢሉ እዩ። ሙሉእ ሕዝበ እግዚአብሔር ምሕረት ሓጢኣት ንክረክብ ንክጽልን ናይ ንስሓ ጥምቀት ንክቅበሉን ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ይወርዱ ነበሩ። ከምቲ ሓደ ምሁር ትምህርተ ንባበ መለኮት ዝብሎ ‘ናብ ሩባ ዮርዳኖስ እንክውርደ ጥራሕ እግርኻን ጥራሕ ነፍስኻን እዩ’ ይብል ከምኡ እውን ማሕሌት ዮሓንስ መጥምቅ። ትሕትና ዝበሃልከት እዚ እዩ። ንክንጽሊ ትሕትና የድልየና። ከምቲ ሙሴ ንማያት ቀይሕ ባሕሪ ዝኸፈተ ኢየሱስ እውን ንሰማይ ከፈተልና ኩልና ንኣኡ ስዒብና ክንሳገር ከኣ ይዕድመና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ምስ ኣቦኡ ዝነበራ ዘተ ፍቅሪ ማለት ዝጽልያ ዝነበረ ጸሎት ለገሰልና። ኣብ ልብና ክሓድር ከምዘለዎ ዘርኢ ቅድስት ሥላሴ ገሩ ዓደለና። ንቀበሎ። ነዚ ትዕድልቲ እዚ ነዚ ጸጋ እዚ ነዚ ውህበት እዚ ንቀበሎ። ወትሩ ምሳኡ እንተዀና ፈጺምና ኣይክንጋገን ኢና። እግዚአብሔር ይሃበለይ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
28 October 2020, 22:55