ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ

ንሰብኣዊ ፍጥረት ጥምየት መዓት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብቲ ናይ’ዚ ምድሪ ጸጋታት ብማዕረ ዘይምብጻሕን ነዚ ስዒቡ እውን ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ብቑዕ ሃብቲ ገንዘብ ዘይምምዳብን ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ምዝባዕን ኣብ ዓለም ውጥረትን ግጭትን ክብ ካብ ምባሉን ዝነቕልን ዝብእስን እውን ብምዃኑ ብሓቂ ዓቢይ ሕፍረት እዩ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ውድብ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ መግብን ሕርሻን ኣብዚ መበል 75 ዓመት ቅዋሜኡ ኣብ ዝበዓለሉ ዘሎ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ “እቲ ነጽዋር ውግእን ንናይ ሓይሊ ምክልኻል ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብ ‘ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ማሕበር’ ብምቛም ካብ ዓለም ጥምየትን ስእነት መግብን ንምጥፋእ” ኣብ ዝብል መርሓ ግብሪ ንኸውዕሎ ኣበርቲዑ ክዓዪ ጻውዒት ዘቕረብሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ማእለያ ዘይብሉ ተጋራጫዊ ሃዋሁ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ዓለም ብጭቡጥ ተግባር ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ብድሆ ጥምየትን ስእነት መግብን ብቑዕ መልሲ ምሃብ የድሊ፡ ምኽንያቱ ብዙሓት ብስእነት መግቢ ክሃልቁ ንመላእ ዘርእሲ ሰብ ዓቢይ ሕፍረት ስለ ዝኾነ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ሓሳብ እዚ ብዘይ ሕብእብእ ኣብቲ ናብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ብቋንቋ ስፓኒሽ ብይብጻሕ ናብቲ ናይቲ ውድብ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ኵ ዶንጉይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ገሊጾም፡ ዕለት 16 ጥቅምቲ ዝኽሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግባውነት ክምዝኾነን ዕለት 16 ጥቅምቲ ክኸውን ዝተሓረየሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ውድብ ኣብ 1945 ዓ.ም. ዝቖመሉ ዕለት ብምዃኑ ክሕበር እንከሎ፥

ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዝኽሪ ቅዋሜ

ዕለት 16 ጥቅምቲ ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ቅዋሜ እቲ ውድብን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግባውነትን ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፥ ብምኽንያታ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 እቶም ኣብቲ ውድብ ልኡካነ መንግስታት ኮይኖም ዘገልግሉ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብቲ ናይቲ ውድብ ኣባይቲ ጽሕፈቶም ብማሕበራዊ መረብት ብምስታፍ ከምዘብዓልዎን ናብቲ ውድብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላን ናይ ሕቡራት መንግስታት ውድብ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቃል ቅዱስ ኣቦና

“ናይቲ ውድብ ዕላማ ሰናይን ኣገዳስን እዩ፡ ምኽንያቱ ካብ መላእ ዓለም ጥምየትን ስእነት መግብን ንምውጋድን ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽን ዝብል ምዃኑ” ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም እቲ ናይ ለምዘበብ ዕለት 16 ጥቅምቲ ዝተባዕለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግባውነት መርሕ ቃል፥ “ብሓባር ምልማዕን ምዕንጋልን ምዕቃብን” ዝብል ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፥

ኣብ ዝሓለፉ 75 ዓመታት እቲ ውድብ ካብ ዝቐውም፡ ንመግባውነት ዘገልግል ምምራት ጥራሕ ዘይኮነ ናይ መግባውነት ሜላ ዘላቒ ምዃኑ ምርግጋጽን ንኹሉን ብኹሉን ተበጻሒ ዝኾነ ጥዕናንዊ መግቢ ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኸስተውዕል በቒዑ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ንናይ ኩሉ ማሕበረሰብን ንእንነብረሉ መሬትን ደሕንነትን ንመግባውነት ዘገልግል እነምረተሉን ንኽንምገቦን እንጥቀመሉ ኣገባብ ክንቅይር ከምዝግብኣናን እዚ ኸኣ ንሕውየትን ብቕዓት ዘለዎ ናይ ነዊሕን ዘላቅን ዝኾኑ ሓደስቲ መፍትሒ ምሕያል ዝብል እዩ፡

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓለም ዝርአይ ስእነት መግብን ጥምየት ኵላትና ሓላፍነት ኣሎና

ኣብዚ ብለብዒ ምልኵት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ካብቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ኪደት ሕርሻ ዝተፈለየን ንናይ ድኻታት ሃገራት ገጠራት ምዕባለ ንምድጋፍ ናይ መግብን ሕርሻን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብርን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ ምዕባለ መዋሊ ውድብ ተበግሶታት ምድጋፍ የድሊ፡ . . . ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ዝተፈጸሙ ጻዕርታት ከምዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም ብጥምየትን ስእነት መግብን ናይ ዝሳቐዩ ብዝሒ ሕዝቢ ክብ ከብል እዩ ዝርአየ ዘሎ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኸኣ ነዚ ኵነት እዚ ከምዘብእሶ እዩ ምእንቲ’ዚ፥

ንሰብኣዊ ፍጥረት ጥምየት መዓት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብቲ ናይ’ዚ ምድሪ ጸጋታት ብማዕረ ዘይምብጻሕን ነዚ ስዒቡ እውን ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ብቑዕ ሃብቲ ገንዘብ ዘይምምዳብን ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ምዝባዕን ኣብ ዓለም ውጥረትን ግጭትን ክብ ካብ ምባሉን ዝነቕልን ዝብእስን እውን ብምዃኑ ብሓቂ ዓቢይ ሕፍረት እዩ፡ በቲ ሓደ መዳይ ማእለያ ዘይብሉ መግቢ ክጓሓን ይረአይ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ጭቡጥ ኩነት’ዚ ዘይስምዖምን ልሙሳትን ኮይንና ምትራፍ ዘይከኣል እዩ፡ ኵላትና ሓላፍነት ኣሎና!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓሳብ፥ ኣይፋል ንውግእ ኣጽዋር ሕራይ ንልምዓት

ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቲ እዋናዊ ብድሆ ዝበረኸ ፖለቲካን ተግባርን ከነቓቕሕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ክትዕን ዘተን ኣብ ህልዩኣዊ ክትዓት ኩድጭ ምባል ዘይግብኣ እዩ፡ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብስእነት መግብን ጥምየትን ከሞቱ ይረአይ ስለ ዘሎ፡ ምስ በሉ ምልስ ቢሎም ነታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ተወኪሶም፥

እቲ ንውግእን ነጽዋር ውግእን ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ናይ ዓለም መዋሊ ማሕበር ብምቛም በቲ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ዓለም ጥምየትን ስእነት መግብን ካብ ሱሩ ንምጥፋእ ክከኣል መታን ንናይ ድኻታት ሃገራት ልምዓት ክፈስስ ዝብል ውሳኔ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ቆራጽ ድላይን ሓላፍነትን ኣገዳሲ እዩ! በዚ ኣገባብ’ዚ በቲ ሓደ ወገን ውግእ ብኻልእ መዳይ ብውግእን ዓመጽን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ሃገሮምን ኣባይትኦምን ዛሕዚሖም ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ መነባብሮ ንኸናድዩ ዝስደዱን ዝመዛበሉን ኣሕዋትናን ኣባይቲ ስድራን ኣይክህልዉን እያቶም፡

ዝበሉ ቅዱስነቶም፥

መግቢ ብኹሉ ተበጻሒ ክኸውን

ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ንናይ ሕርሻን መግብን ሓልዮ ውድብን ነቶም ኣብዚ ውድብ ዝዓዩን፡ ዕዮታቶም ብስእነት መግብን ጥምየትን ዝሳቐዩ ንምዕንጋልን ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻንን ዝብል ኣድራሻ ዘለዎ ስሉጥን ፍርያምን ክኸውን ሰናይ ምንዮተይን ብራኬ ር.ሊ.ጳጳሳትን ነቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ አቕርብ እንክብሉ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ
17 October 2020, 15:20