ኣብ ቤተክርስትያና ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቦታ ሓላፍነት ክህልዋና ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ወርሒ መጸ ንሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ዝዝርግሕ ብዓለም ለኸ ደረጃ ዝሰርሕ ቤት ጽሕፈት ቅዱነቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓም ኣብ ቦታ ሓላፍነት ቤተክርስትያን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ምእንቲ ክህልዋ ንጸሊ ብዝብል ሓሳብ ንቦታት ሥልጣን ቤተክርስትያን ክነስፍሕን ንደቂ ኣንስትዮ ቦታ ክንህብን ብምውሳን ስለዚ ሓሳብ እዚ ኣብዚ ወርሒ ጥቅምቲ ምሳኦም ሓቢርና ክንጽሊ ዓዲሞም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ሥልጣን ካብ ዝሕዙ ጀሚሮም ኣብ ቤተክርስትያን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክድንፍዕ ምናዳ ኣብ ቦታታት ሓላፍነት ብዙሓት ዓለማውያን ድቂ ኣንስትዮ ክህልዋ ምንዮቶም ብብዙሕ መንገዲ እኳ እንተገለጹን እንተመሃሩን ኣብዚ ወርሒ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካቶሊካውያን በዚ ሓሳብ እዚ ነቲ ለምኑ ክወሃበኩም ድለዩ ክትረኽቡ ኳሕኩሑ ክኽፈተልኩም ዝበለ ጐይታ ክንልምን ተማሕጺኖም። እዚ ሓሳብ እዚ ምናልባት ንገሊኦም በዚ ናይ ዘመንና ንፋስ ዝተጸልወ ክመስሎም ይኽእል። እንተኾነ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ትምሥረት ጀሚራ ነቲ ሓዋርያት ዝመሃርዎ ብምሥጢረ ጥምቀት ኩልና ክርስትያን እንለብሶ ሓላፍነት ዓለማውያንስ ይኹን ውሉደ ክህነት ምናዳ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ስብከተ ወንጌልን ክነጥፋ ሓላፍነትን ክስክማ ዘዘኻኽር እዩ። ቅዱስነቶም ነቲ ናብ ውሉደ ክህነት ጥራይ ዝጸጋጋዕ ሥነ ሓሳብ ንምስትኽኻል ‘ማንም ካባና ካህን ኰይኑ ወይውን ኣቡን ኰይኑ ኣይተጠመቀን ኩልና ከም ምእመናን ኢና ዝተጠመቅና። ምእመናን ደቂ ተባዕትዮን ምእመናን ደቂ ኣንስትዮን ኰና ኣብ ሕንጸት ቤተክርስትያን ክንሳተፍ ተጠሚቅና` ኢሎም። ስለዚ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝጠልቦ ኣብ ቤተክርስትያን ንምእመናን ምናዳ ኸኣ ንደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ሓላፍነት ክወሃብ ከምዘለዎ እውን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ቤተክርስትያን ንምእመናን ምናዳ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ሓላፍነት ይወሃብ!

ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ምልስ ኢልና እንተተዓዘብና ንምእመናን ቁሩብ ቦታ ሓላፍነት ይወሃብ ንደቂ ኣንስትዮ እሞ ኸኣ ዝገደደ እዩ ዳርጋ ኣይነበረን ክንብል ንኽእል። ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ርእየት መልእኽቲ ወይውን መልእኽቲ ቪድዮ ‘ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ቤተክርስትያን ብዕቱብነት ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፋሉ ቦታ ሓላፍነት ክነስፍሕ ኣሎና። ብመሠረቱ እዚ ህላዌ ምእመናን ኣብ ምምሕዳር ቤተክርስትያን እንከመልክት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንደቂ ኣንስትዮ ዘበለኒ ደቂ ኣንስትዮ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ተጉስየን እየን ነረን’ እንክብሉ ነቲ ጸገም ምስ ገለጹ ነዚ ግን ንማለቱ ሓፈሻዊ ኣዘራርባ ዘይኮነ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ተግባራዊ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገለጹ። ‘ኣገደስቲ ውሳኔታት ክገብራሉ ኣብ ዝኽእላ ንደቂ ኣንስትዮ ክነተኣታቱ ኣሎና። ነዚ ንደንፍዕ’ ኢሎም።

ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ጥቅምቲ 2020!

ቅዱስነቶም ጽልኢ ቤተክህነት ሃልይዎም ዘይኮነ ኣብ ግጉይ ኣተሓሳስባ ዝተመሥረተ ንኩሉ ንቤተክርስትያን ዝምልከት ንውሉደ ክህነት ጥራይ ዘመልክት ንምእመናን ካብ ቤተክርስትያን ዘርሕቅ ኣተሓሳስባ ገጽታ ቤተክርስትያን ከምዝድውን ብምርዳእ እዮም። በዚ ኸኣ ንወርሒ ጥቅምቲ 2020 ሓሳብ ጸሎቶም ‘ምእመናን ኩሎም ኣብቲ ንጸዋዕታ ምእመናን ዘህስስ ቤተክህነታዊ ኣተሓሳስባ ከይወደቁ ብጸጋ ምሥጢረ ጥምቀት ዓለማውያን ምእመናን ምናዳ ኸኣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ተቅዋማት ምምሕዳር ቤተክርስትያን ብብዝሒ ምእንቲ ክሳተፉ ንጸሊ’ ይብል።

ሽመት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮን በዓለ ቅድስት ማርያም መግደላዊትን!

 ኣብ መባእታ ከምዝገልጽናዮ ቅዱስነቶም ኣብ መንበረ ሥልጣን ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝተቀነጡሉ ዕለት ጀሚሮም ነቲ ብውልደ ክህነት ጥራይ ተባሒቱ ዝነበረ ካብቶም ዝነበሩ ቁሩብ ቁራቦ ምእመናን ከኣ መብዛሕቶም ደቂ ተባዕትዮ ብምንባሮም ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምእመናን ብጸጋ ምሥጢረ ጥምቀት ኣብ ሕንጸት ቤተክርስትያኖምን ምምሕዳራን ብንጥፈት ክሳተፉ ንዝዕድም ጻውዒት ንምትግባር ምናዳ እተን ኣደታት ኩልና ዝኾና ደቂኣንስትዮ ንምብርታዕ ነታ ሓዋርያ ሓዋርያት ተባሂላ እትስየም ቅድስት ማርያም መግደላዊት በዓላ ዓቢ በዓል ክኸውን ብ2016 ዓምተምሕረት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓሳብ ጸሎቶም ገሊጾም ነበሩ። ነዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት እዛ ካብ ምውታን ንዝተንሠኤ ክርስቶም ቅድሚ ኩሎም ዝረኣየት ጓል ኣንስተይቲ እዚኣ ካብ ምውታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ እውን ብስማ ዝጽውዓ ቀዳመይቲ ሰብ ብምዃና ልዕሊ ኩሉ ከኣ ከይዳ ንኣሕዋቱ ትንሣኤ ክተበሥር ዝተላእከት ቀዳመይቲ ብምዃኑ እዚ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቤተክርስትያን ጐዲሉ ስለዘሎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ቤተክርስትያን ምናዳ ኣብ ሓላፍነትን ምምሕዳርን ክሳተፉ ብምጽዓር ድሕሪ እውን ብዙሓት ዓለማውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ከምዝሾሙ ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ገሊጽና ነቢርና።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 October 2020, 22:33