ቃል ር.ሊ.ጳ. ንናይ ኤውሮጳ ናይ ገንዘብ ሃብቲ ተቖጻጻሪ ሽማግለ ኣባላት

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቁጠባ ድኻታትን ስኡናትን ዝዕፍን ክይኸውን ምስ ሃብቲ ገንዘብ ዘሎና ርክብ ዳግም ክንሓስበሉ ይግባእ፥ ምኽንያቱ ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዓምራሪ ክኸውን ቅቡል ዝኾነ ስለ ዝመስል

ዕለት 8 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንመደበይና ምብጻሕ ንዝኣተወ ኣብ ኤውሮጳ ሃብቲ ገንዘብ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዘይምዃኑን ካብ ምወላ ግብረ ሽበራን ናጻ ምዃኑ ዝቆጻጻር ናይ ኤውሮጳ ኣባላት ሽማግለ ሙያተይናታት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፥ ካብ ዝኾነ ይኹን ዘይሕጋውነት ናጻ ዝኾነ ንሰብኣዊ ፍጥረት ብፍላይ ንድኻታትን ነቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡን ዘገልግል ንጹሕ ሃብቲ ገንዘብ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኤውሮጳ ሃብቲ ገንዘብ ዘይሕጋውነቱን ንግብረ ሽበራ ዝውዕልን ሃብቲ ገንዘብ ንምኽዋል ዝግበር ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብ ናይ ምሕጻብን መመወሊ ንግብረ ሽበራን ምዃኑ ንዘይምዃኑን ዝቆጻጻር ናይ ኤውሮጳ ኣባላት ሽማግለ ሙያተይናታት ብስሩዕ መደባት ከምቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዘካይዶ መደብ ምብጻሕ መሰረት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 30 መስከረም 2019 ዓ.ም. ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፡ ቅድስቲ መንበር እቲ ሽማግለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሱሩዕ ናይ ምብጻሕ መደብ ንኸካይድ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሔትን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ኣብ ሃገረ ቫቲካን፥ ኣብ ቁጠባን ሃብቲ ገንዘብን ኣጠቓቕማን ግልጽነት ክህሉ ዝእዝዝ ሕጊ ደንጊጐምን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ሃገረ ቫቲካንን ናይ ሃገረ ቫቲካን ዝኾና ውድባት ወለንተይናታትን ሕጋዊ ኣካላትን ነቲ ቅዱስነቶም ዝደንገግዎ ሕጊ ከኽብሩን ነቲ ተቖጻጻሪ ኣካል ናይ ቁጠባ ሓበሬታ ከቕርቡን ከምዝኣዘዘ ይዝከር።

እቲ ኣብ ኤውሮጳ ሃብቲ ገንዘብ ካብ ዝኾነ ይኹን ግብረ ሕጽበትን መወላ ግብረ ሽበራን ናጻ ምዃኑ ዝቆጻጻር ናይ ኤውሮጳ ኣባላት ሽማግለ ሙያተይናታት ዕለት 19 ነሓሰ 2019 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዱ ከምዝነበረ እውን ይዝከርን።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቁጠባ ድኻታትን ስኡናትን ዝዕፍን ክይኸውን ምስ ሃብቲ ገንዘብ ዘሎና ርክብ ዳግም ክንሓስበሉ ይግባእ፥ ምኽንያቱ ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዓምራሪ ክኸውን ቅቡል ዝኾነ ስለ ዝመስል፥

ኣብ ገለ ገለ እዋን፥ ካበይ ይምጻእ ካብ ግብረ ምዝመዛ ይኹን ብዘየገድስ፡ ሃብቲ ገንዘብ ንምኽዕባት ዝብል ድላይ ክዕብልል ይረአይ፡ እዚ ኸኣ ኣእዳውናን ሃብቲ ገንዘብን ብደም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝጨቀወን፡ ወይ ውን ናይ ሓያላት ዕብለላ ክህሉን ግብረ ሽበራ ንምዝራእን ንዝብል ዕላማ ዝውዕል ክኸውን ይኽእል፡ ብዘይ ዒብታ ናይ ውልቅኻ ስልጣን ንምርግጋጽ ናይ ኣሕዋት ሕይወት ክሳብ ምስዋዕ ዝኸይድ ሃብቲ ገንዘብ ጥራሕ ዝብል ምርጫ ይረአይ።

ቢሎምን ኣሰር ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ተኸቲሎም፡ እቲ ነጽዋር ውግእን ንውግእን ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ዓለም ንድኻታትን ንስኡናትን ብጥምየት ንዝሳቐዩን ዝድግፍ ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ማሕበር ምቛም ኣገዳሲ ምዃኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣተሓሒዞም እውን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ጠቒሶም፥ “ሓድሽ-ናጻውነት ሃምነናዊ ኪደት ጉጉይነቱን፡ ስርዓት ኤኮኖምን ግብረ ገባዊ ስርዓት ክልተ ተነጻጸግቲ ኣካል ገይሩ ዘቕርብ እቲ ቀዳማይ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ናይቲ ካላኣይ ጽግዕተይና ከምዘይኮነ ዘቕርብን እዚ ነቲ ጥንታዊ ኣምልኾ ብወርቂ ንዝተለበጠ ምራኽ የዘኻኽረና፡ ኣምልኾ ሃብቲ ገንዘብን መላኺ ኤኮኖምን ብዘይ ሰብኣዊ ወጅህን ብዘይ ሰብኣዊ ሸቶን፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ብዙሕ ህልቂት ዘስዕብ ንዘሎ ብቐሊሉ መኽሰብ ዝብል ምጽንጻን ቁጠባን መዓጹ ጋህ የብል፡ እቲ ብኢየሱስ ዝተመልከተ ፍኖት ንጹር እዩ፥

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሐደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሐደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሐደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሐደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ (ማቴ። 6,24)፡ ኤኮኖሚ ሰብኣዊ ወጅሂ ከጥፍእ እንከሎ ገንዘብ መገልገሊ ዘይኮነ መገልገሊ ገንዘብ ይኸውን፡ ገንዘብ መገልገልን ገዛኢ ንዘይገብር ናብቲ ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምብጻሕ ዝድግፍ ዘሰናኽል ክትቃወሞ እናተገበአ ገንዘብ ተመላኺ ይገብር፡

ቢሎም ዝለገስዎቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

09 October 2020, 21:15