ፍራንቸስኮ ንመራሔ መንግስቲ ሳንቸስ፥ ፖለቲካ ዝለዓለ ልግሲ መግለጺ እዩ ፍራንቸስኮ ንመራሔ መንግስቲ ሳንቸስ፥ ፖለቲካ ዝለዓለ ልግሲ መግለጺ እዩ 

ፍራንቸስኮ ንመራሔ መንግስቲ ሳንቸስ፥ ፖለቲካ ዝለዓለ ልግሲ መግለጺ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ፖለቲካ፥ “ጥበብ ጥራሕ ዘይኮነ ንኽርስቲያን ግብረ ልግሲ እዩ፡ ክቡርን ሕይወትካ ክሳብ ምስዋዕ ዝሓትት ኣገልግሎት እዩ” ቢሎም “ብርግጽ ናይ ፖለቲካ ኣካል ኣብ ኢዱ ከቢድ ተልእኾ ዝተረከበ እዩ፡ ሃገር ምምዕባልን ምጽናዕን ምዕባይን ዝብል

ር.ሊ.ጳ. ፋንቸስኮ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃግረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ስፐይን መራሔ መንግስቲ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስነቶም ናይ ፖለቲካ ኣካል ተልእኾ “ሃገር ምምዕባልን ምጽናዕን ምዕባይን” ዝብል እዩ ከምዝበሉን፡ ዛዕባ ህጹጽ ኵነት ክንክን ጥዕናን ናይ ኤውሮጳ ኵለንተናዊ ውህደትን ስደተይናታትን ኣብ ዝምልቱ ኣርእስተ ጉዳያት እውን ከምእተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ  ሕንጻ ንናይ ስፐይን መርሔ መንግስቲ ፐድሮ ሳንቸስ ፐረዝ ካስተኾን ተቀብሎም ከምዘዘራረቡን፡ ብዛዕባ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ስፐይንን ዘተ ኣብ መንጐ ኣብ ስፐይን እትርከብ ዞባዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ምይይጥ ምክያዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምንም መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ዓለም ሓቖፍ ተንከፍ ርእሰ ግዳያትን ብፍላይ ዛዕባ “ሕጹጽ ኵነት ክንክን ጥዕናን ኪደት ኵለንተናዊ ውህደት ኤውሮጳን ስደተይናታትን” ሰፊሕ ምይይጥ ምክንያዱ ኣመልኪቱ፡ መራሔ መንግስቲ ስፐይን ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓርሊን ከምእተራኸቡ ኣፍሊጡ።

ፖለቲካ ኣገልግሎት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ፖለቲካ፥ “ጥበብ ጥራሕ ዘይኮነ ንኽርስቲያን ግብረ ልግሲ እዩ፡ ክቡርን ሕይወትካ ክሳብ ምስዋዕ ዝሓትት ኣገልግሎት እዩ” ቢሎም “ብርግጽ ናይ ፖለቲካ ኣካል ኣብ ኢዱ ከቢድ ተልእኾ ዝተረከበ እዩ፡ ሃገር ምምዕባልን ምጽናዕን ምዕባይን ዝብል፡ ሃገር ምዕባይ ዝብል ሓላፍነት ኣብ ገለ ገለ እዋን ምስ ዞባውነት ዘይምርርዳእ ከፈጥር ይኽእል፡ ሃገር ምዕባይ ዝብል ተልእኾ ምስ ውልዳውነት ርክብ ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ካብ ሃገራትና ዝተቐበልናዮን ንደቅና ምትሕልላፍን ይምልከት፡ እቲ ዘሕዝን ኣብ ልዕሊ ጽሕፍቶ ሃገር ፖለቲካዊ ህልዮ ክዕብልል እንከሎ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ - ይብሉ ቅዱስነቶም - ፖለቲካ ኣገልግሎት እዩ፡ ተልእኾኡ ከኣ ዝለዓለ ልግሲ እዩ፡ ፖለቲካ ሓደ ካብቶም ዝለዓሉ ናይ ልግሲ ኣገባብ እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

26 October 2020, 17:21