ጸሎተ መዝሙረ ዳዊት ወዲሰብ ኣብ ግዜ ስቃይ እግዚአብሔር ንከድሕኖ ዘቅርቦ ገዓር እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 14 ጥቅምቲ ብዛዕባ ጸሎት ዝጀምርዎ ኣስተምህሮ ብምቅጻል ክንጽሊ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣብ እንቀርበሉ ግዜ ከምዘሎናዮ ክንቀርብ እንበር ዘይንስና ክንመስል ኣይጽዓር። እግዚአብሔር ኣብ ስቃይ ሕይወት እንከሎና ኣይሓድገናን እዩ ወትሩ ምስ ሰምዓና እዩ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

‘ኦ እግዚኣብሔር፣ ክሳዕ መአዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፧ ክሳዕ መአዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፧ ክሳዕ መአዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፣ ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፧ ጸላእየይከ ኽሳዕ መአዝ እዩ ዚዕብልለኒ፧ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን። ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል ኣሎኹ፣ ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ ኣሎ። እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ።’ (መዝ 13.1-6)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ንቅዱስ መጽሓፍ ገንጺልና ኣብ ነንብበሉ ግዜ ብቀጻሊ ዝተፈላለየ ጸሎታት የጋጥሙና። እንተኾነ ምሉእ ብምሉኡ ንጸሎት ዝተወፈየ መጽሓፍ እውን ኣሎ። እዚ መጽሓፍ ጸሎት እዚ ሃገር ኰይኑ መኣከብን ቤትጸሎትን ብዙሓት ጸለይቲ ኮነ። እዚ መጽሓፍ እዚ መዝሙረ ዳዊት ይበሃል። ንክንጽልየን ብጠቅላላ 150 መዛሙር ዝኾና መዛሙር ኣለዋና።

እዚ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ካብቶም ናይ ጥበብ መጽሓፍቲ ዝበሃሉ ሓደ እዩ ከመይ ምስ እግዚአብሔር ብምውሳእ ዝረኸቦ ተመኲሮ ተመሪሑ ጥበብ ጸሎት ስለዘመሓላልፍ እዩ። ኣብ መዝሙራት ዳዊት ኩሉ ስምዒታት ደቂሰባት ማለት ታሕጓስ ቃንዛ ምጥርጣር ተስፋ ጭንቀት ወዘተ ንሕይወት ደቂሰባት ዝትንክፉ ነገራት ንረክብ። ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቊ.2588 እንታይነት ነፍሲወከፍ መዝሙር እንክገልጽ ‘ኣብ መጽሓፈ መዝሙራት ዚርከብ በብዓይነቱ መልክዕ-ጸሎት፤ ኣብ’ዚ ዘለዎ ደረጃ ዝበጽሐ፤ በብቝሩብ ኣብ ናይ ቤተመቕደስ ግብረ-ኣምልኾን፣ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍ ሰብን ብዝረኸቦ መድረኽ ሓሊፉ እዩ። ዝማሬ ይኹን፤ ጸሎተ ሰቆቃው(ሓዘን) ወይ ከኣ ጸሎተ-ኣኰቴት(ምስጋና)፤ ውልቃዊ ይኹን ማኅበራዊ፤ ንጉሣዊ መዝሙር ይኹን፤ መዝሙር ንግደት ወይ መዛሙር ጥበብ (ኣስተንትኖ)፤ ወትሩ ግዜ እዚ መዛሙር’ዚ ኣብ ታሪኽ-ሕዝቢ፣ ናይ ኣምላኽ መስተንክራዊ ተግባራት ዜርI መስትያት፤ ከምኡ’ውን ናይ’ቲ ዘማራይ ሰብ ናይ ተመክሮኡን መነባብሮኡን ነጸብራቕ ኮይኑ ይርከብ። ሓደ መዝሙር ንዝተወሰነ ናይ ታሪኽ ክውነት ዜንጸባርቕ’ኳ እንተኾነ፣ ወትሩ ገርሀይናን ቀጥተይናን መልክዕ ዝሓዘ ስለዝኾነ፤ ኣብ ኩሉ እዋናትን ኵነታትን ብዚርከቡ ሰባት፤ ብሓቅነት ኪዝመርን ኪጽለን ዚከኣል ጸሎት እዩ’ እንክብል ብሰፊሑ ይገልጾ። ነዚ መዛሙር እዚ ደጊምና ደጋጊምና ብምንባብ ቋንቋ ጸሎት ንመሃር። ከም ሓቁ ኸኣ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ወይውን ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ ንእግዚአብሔር ከመይ ገቢሮም ክውድሱን ከመስግኑን ክምህለሉን ክምሕጸኑን ከምኡ እውን ኣብ ግዜ ታሕጓስስ ይኹን ኣብ ግዜ ሓዘን ከመይ ቢሎም ክምህለልዎ ንዘደንቁ ጉዳያት ተግባራቱን ሕጉን ከመይ ገቢሮም ከዘንትው ከምዘለዎም ንምምሃር እግዚአብሔር አብ ብመንፈሱ ገቢሩ እዩ ኣብ ልቢ ዳዊት ንጉሥን ካልኦት ጸልየትን ዘስተንፈሶ።  ብሓጺሩ መዝሙራት ዳዊት ንሕና ደቂሰባት ምስ እግዚአብሔር ንምዝራብ እንጥቀመሉ ቃል ኣምላኽ እዩ።

ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እንረኽቦም ሰባት ናይ ፈጠራ ሰባት ወይውን ኣብዚ ምድሪ እዚ ዘይርከቡ ሰባት ኣይኮነን ወይውን ንጸሎት ምስ ሰቂለ ሕልና ወይውን ምስ ካልኦት ፍጡራት ምስ ምርኻብ ዘደናግሩ ኣይኮኑን። ፈጺምካ ከምኡ ኣይኮነን! መዝሙራት ዳዊት ኣብ ሰደቃ ኰፍ ኢልካ ሓሲብካ መርሚርካ ዝተደርሱውን ኣይኮኑን!  ብዙሕ ግዜ ኣብ ግዜ ጭንቀን መከራን ካብ ናብራ ሕይወት ዝውሕዙ ምህለላታት እዮም።  ንክንጽልየሎም እንተዀይኑ ከምዘሎና ናብ እግዚአብሔር ክንቀርብ ኣሎና። ነዚ ኣይትረስዎ ጽቡቅ ንክትጽሊ ከምዘሎኻዮ ምቅራብ የድሊ ምጽብባቅ ኣየድልን እዩ። እንክትጽሊ ‘ጐይታየ ኣነ እኮ ከምዚ እየ’ እናበልካ ንነፍስኻ ክተጸባብቅ ኣይትጽዓር። ከምታ ዘሎኻያ ንቅድሚት ገስግስ። ነዚ እንክትገብር ምስቲ ዘሎካ ሠናይ ነገር እንክኾን ምስቲ ብዘይካኻ ካልእ ማንም ዘይፈልጦ እንተ ንሕና ኣብ ውሽጢ ልብና ኣጸቢቅና እንፈልጦ ሕሰም እውን ክኸውን ኣለዎ! ኣብዘን መዝሙራት ንድምጺ ናይቶም ጸለይቲ ዓጽመ ሥጋ ለቢሶም ብኣካል ንሰምዖም፣ ሕይወቶም ከም ሕይወት ኩሎም ደቂ ሰባት ብግድልን ጸገምን ድኻምን ምጥርጣርን ዝመልአ እዩ። ደራሲ መዝሙረ ዳዊት ንስቃይ ሱርነቀል ብዝኾነ መንገዲ ኣይቃወሞን ከመይ ክፍሊ መንባብሮ ምዃኑ ይግንዘብ ነሩ። እንተኾነ ኣብ መዝሙረ ዳዊት እዚ ስቃይ እዚ ናብ ልመና ይቅየር። ካብ ምስቃይ ናብ ልመና ወይውን ምህለላ ይሰጋገር።

ኣብ መንጎ እዚብዙሕ ልመናታት ወይውን ምህለላታት ወትሩ ተጠንጢላ እትተርፍ ዘይተቋርጽ ገዓር ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ንረክብ፣ እዚኣ ከኣ እታ ንሕናውን ብዙሕ ግዜ ንደጋግማ ‘ክሳብ መኣስ እሞ ጐይታይ! ክሳብ መዓስ’ እትብል ሕቶ እያ። ዝኾነ ስቃይ እፎይታ ይጽውዕ፣ ዝኾነት ነጥቢ ንብዓት ምጽጽንናዕ ትምህለል፣ ዝኾነ ቊስሊ ምሕዋይ ይጽበ፣ ዝኾነ ጸለመ ፍታሕ ይምነ። ኦ ጐይታይ ክሳብ መዓስ እየ ከምዚ ኢለ ክሳቀ! ኦ ጐይታ ስምዓኒ! እናበልና ክንደይ ግዜ ዘይጸለና። እወ እዛ ክሳብ መዓስ እትብል ኦ ጐይታ ይኣክል በልኒ ክሳብ መዓስ እየ ከምዚ ኢለ ክሳቀ እናበልና ንምህለል።

መዝሙረ ዳዊትከስ ከምዚ ዓይነት ልመናታት ብቀጻሊ እናኣቅረበ ብስቃይ ከይንሽነፍ ከይነለማምደዶ ብምምሃር ሕይወት እንተዘይተፈዊሳ ከምዘይትድሕን የዘኻኽረና። ሕይወት ወዲሰብ ከም እስትንፋስ ኰይኑ ናብራኡ በናኒ እዩ፣ እንተኾነ እቲ ዝጽሊ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ክቡር ፍጥረት ምዃኑ ይፈልጥ ስለዚ ናብኡ ምእዋይ ትርጉም ከምዘለዎ ይርዳእ። እዚ ኣድላዪ እዩ። ክንጽሊ እንኸደሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ክቡራት ስለዝኾና እዩ። ኣብ ቅድሚ ቀሪብና ጐይታየ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ እወ ጸገመይ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኰይኑ ዘሳቅየኒ ጉዳይ ትፈልጦ ኢኻ! ኢልካ ምጽላይ። እዚ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ ናብዛ ጥበብ እዚኣ ገጽካ ክትጐዓዝ ይደፋፍኣካ። እዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ክቡር ስለዝኾንካ ክትጽሊ ናብኡ ከም እትግስግስ ዝገብር ጥበብ እዩ።

ጸሎት መዝሙረ ዳዊትከስ ናይዚ ኣውያት እዚ ምስክር እዩ። እዚ ገዓር እዚ ወይውን ኣውያት እዚ ብዙሕ መልክዕ ኣለዎ ከመይ ስቃይ ኣብ ሕይወትና ኣሽሓት መልክዕ ኣልይዎ ዝተፈላለየ ኣሽማት ይወሃቦ፣ ሕማም  ጽልኢ ውግእ ስደት ክሕደት ወዘተ ተባሂሉ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ዕንቅፋት ማለት ሞት ይበጽሕ። ኣብ መዝሙራት ዳዊት ሞት እቲ ዝለዓለ ዘይምኽንያታዊ ጸላኢ ወዲሰብ ኰይኑ ይቀርብ። ከምዘይነበርካ ኢምንት ዝገብርን ንኩሉ ዘኽትምን ከምዚ ዓይነት መቅጻዕቲ ዝግብኦ በደልሲ እንታይ ኮን ይኸውን! ኢሉ ከኣ ይሓትት። በዚ ከኣ ብመዝሙረ ዳዊት ገቢሩ ዝጽሊ ሰብ ኣብቲ ኩሉ ጻዕሪ ወዲሰብ ምንም ፍታሕ ከምጸኣሉ ኣብ ዘይክእል ሁመት እግዚአብሔር ጣልቃ ንኪኣቱ ይልምን። እነሆ እምበር ጸሎት ባዕላ መንገዲ ድሕነትን ተበግሶ ድሕነትን ምዃና ንግንዘብ።

ብእግዚአብሔር ዚኣምንስ ይኹን ነዚ ዝኽሕድ ኣብዚ ዓለም ኩሎም ደቂሰባት ይሳቀዩ። እንተኾነ ስቃይ ኣብ መዝሙረ ዳዊት መራኸቢ ምስ እግዚአብሔር ርክብ መፍጠሪ ይኸውን። ገዓሩ ሰሚዑ ዝምልሰሉ ሰማዒ እዝኒ ዝጽበ ኣውያት ይኸውን። እዚ ልመና እዚ ብዘይ ትርጉምን ብዘይ ዕላማን ክተርፍ ዘይከኣል እዩ። እቶም ዕለት ዕለት ዘጓንፉና ስቃያት እውን እንተኾነ ብኣጋጣሚ ሓፈሻዊ ሕጊ ተኸቲሎም ዝፍጸሙ ኣይኮኑን እንታይ ደኣ ናተይ ናይ ብሕተይ ዝኾነ ቅድመይ ማንም ካልእ ዘይፍሰሶ ናይ ወትሩ ንብዓተይ እዩ። ነዚኣ እሞ ኣስተንትንዋ! ንብዓት ሓፈሻዊ ንኩሉ ዝምልከት ናይ ኩሉ ሓደ ኣይኮነን! ናተይ ናይ ብሕተይ ንብዓት እዩ። ነፍስወከፍና ናቱ ናይ ብሕቱ ንብዓት ኣለዎ። ንብዓተይን ስቃየይን ብጸሎት ንቅድሚት ንክግስግስ ይደፋፍኡኒ። ነዚ ንብዓት እዚ ቅድመይ ማንም ኣየፍሰሶን ናተይ ናይ ብሕተይ ንብዓት እዩ። ርግጽ እዩ ብዙሓት ነቢዖም እዮም እንተኽዕነ ከምዚ ናተይ ንብዓትን ከምዚ ናተይ ስቃይን ዘጓነፎ የለን ናተይ ናብ ብሕተይ ቃንዛ ናተይ እዩ። ናተይ ናይ ብሕተይ ስቃይ ናተይ እዩ።

ቅድሚ ናብዚ ኣዳራሽ እዚ ምእታወይ ወለዲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ኣገልግሎት ሓገዝ ወፊሩ እንከሎ ዝተቀትለ ካህን ወለዲ ረኺበ ኣዘራሪበ። ናይዞም ወለዲ እዚኦም ንብዓት ናይ ብሕቶም ናቶም ንብዓት እዩ ነዚ ከኣ ነፍሲወከፎም እዚ ንኣገልግሎት ድኻታት ሕይወቱ ዘወፈየ ወዶም ክመውት ከሎ ምርኣይ ክሳብ ክንደይ ከምተሳቀየ ይፈልጡ እዮም። ንዝሓዘነ ሰብ ክነጸናንዕ ክንከይድ እንከሎና እንብሎ ይጠፍኣና! ስለምንታይ ይመስለኩም! ምኽንያቱ ጥልቀት ሓዘኑ ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ጥልቀት ስቃዩ ክንግምቶ ኣይንኽእል! ስቃዩ ናይ ብሕቱ እዩ እተን ንብዓቱ ናይ ብሕቱ እየን። ንሕና እውን ልክዕ ብከምዚ ስቃየይ ንብዓተይ እንክንብል ከምዚ እዩ። በዚ ስቃይ እዚ እየ እምበኣር ጸሎተይ ናብ እግዚአብሔር ዘዕርግ።

ኣብ መዝሙር 56 እቲ ዘማሪ ‘ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን!’ እናበለ ይጽሊ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዘይንፍለጥ ማንም ቊጽሪ ኣይኮናን። ነፍሲወከፍና ወጅህታትን ልብታትን ኣልዩና ሓደ ብሓደ ብሽምና እንፍለጥ ሰባት ኢና።

ኣብ መዝሙራት ዳዊት ኣማና ዘበለ ኩሉ መልሲ ይረክብ። ኣማኒ ዘበለ መዓጹ ደቂሰባት ተረጊጦም እኳ እንተ ተዓጽው ማዕጾ እግዚአብሔር ወትሩ ክፉት ምዃኑ ይፈልጥ። ዋላ ዓለም ምሉእ ተጻዩ ሓደ ኩነኔ እንተኣወጀ ኣብ እግዚአብሔር ግን ድሕነት ኣሎ።

‘ጐይታ ጽን ኢሉ ይሰምዕ’፡ ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ ጸሎት ነዚኣ ጥራይ ምፍላጥ እኹል እዩ። ጸገማትና ወትሩ ግዜ ፍታሕ ይረኽቡ ማለት ኣይኮነን። ዝጽሊ ኣይከሰረን፡ ከመይ ኣብዚ ምድራዊ ሕይወትና ብዙሓት ሕቶታት መፍትሒ ከምዘይረኽቡ መዋጽኦ ዘይብሎም  ስቃይ ካብና ዘይተርፍ ወትሩ ዘሰንየና ነቲ ሓደ ውግእ ምስ ወዳአ ካልእ ውግእ ከምዝጽበዮ ይርዳእ። እንተኾነ ጸሎትና እንተተሰሚዑ ኩሉ ክትጻወሮ ዝከኣል ይኸውን።

ክጓነፍ ዝኽእል ዝሓሰመ ጉዳይ ኣብ ስቃይ ከሎኻ ኩሉ ጠንጢኑካ ማንም ከይዘከረካ ንብሕትኻ ምዃን እዩ። ካብዚ ጸገም እዚ ዘድሕነና ጸሎት እዩ። ከመይ ንመደብ እግዚአብሔር ክንርድኦ ከጸግመና ይኽእል እዚ ከኣ ብዙሕ ግዜ የጋጥም። እንተኾነ ብጸሎት እንገብሮ ኣውያት ኣብዚ ምድሪ እዚ ተዓንቂጹ ኣይተርፍን ክሳብ ኣብኡ ይዓርግ። ንሱ ከኣ ልቢ ወላዲ ዘለዎ ኰይኑ ንሱ ባዕሉ ስለ ዝሳቀን ዝመውትን ወዱ ወይ ጓሉ ዘልቅስ እዩ።  ኣነ ሓንቲ ነገር ክነግረኩም እየ። ንዓይ ሕሱም ግዝያት እንከጋጥመኒ ነቲ ንኢየሩሳሌም እናራየ ዝነብዔ ኣብ ቅድሚ መቃብር ኣልኣዛር ዝነብዔ ኢየሱስ እናነባዕኩ አስተንትን እሞ ፍኹስ ይብለኒ። እግዚአብሔር ስለይ በኺዩ እግዚአብሔር ስለና ይበኪ እዩ ስለስቃይና ይበኪ። ከምቲ ሓደ ጸሓፊ እግዚአብሔር ስለምታይ ሰብ ክኸውን ደልየ ንዝብል እንክገልጽ ‘በኽዩ ንክኽእል’ ዝበሎ እዩ። ኢየሱስ ኣብ ስቃየይ ምሳይ ከምዝበኪ ምስትንታን ዓቢ ምጽንናዕ እዩ። ንቅድሚት ንክንግስግስ ይሕግዘና። ምስኡ ኣብ ዘሎና ርክብ ጠቢቅና እንተነቢርና ሕይወትና ስቃይ ኣይተርፋን እዩ እንተኾነ ናብ ሓደ ዝዓበየ መኣዝን ሠናይ ነገር ይኽፈት ንፍጻሜኡን ምልኣቱን ከኣ ጒዕዞ ይጅመር። ኣጆኹም ትብዓት ልበሱ ብጸሎት ንቅድሚት ገስግሱ። ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ጐድንና እዩ። እግዚአብሔር ይሀበለይ።

14 October 2020, 12:35