ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ወለዲ ነፍሰ ሄር ኣባ ሮበርቶ ማልጀዚኒ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ወለዲ ነፍሰ ሄር ኣባ ሮበርቶ ማልጀዚኒ 

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ወለዲ ነፍሰ ሄር ኣባ ሮበርቶ ማልጀዚኒ

ኣባ ሮበርቶ ብሕይወት (ኣብዛ ምድሪ) እንከለዉ ብጽሞና እዮም ዝዓዩ ዝነበሩ ድሕሪ መስዋዕትነቶም ግና እቲ ብጽሞና ዝዓይዎ ዝነበሩ ኣገልግሎትን ግብረ ሰናይን ምፍቓር ብጻይን ብዓውታ ይዛረብን እምነት ይምስክርን ብኹሉ ዝስማዕን ዝጭበጥን ኮይኑ ኣሎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ብናይ ኮሞ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኦስካር ካንቶኒ ምስ ዝተሰነዩ ዝሓለፈ ዕለት 15 መስከረም ኣብ ከተማ ኮሞ ናይ ዝተቐትሉ ናይ ኣባ ሮበርቶ ማልጀዚኒ ወለዲ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ብጹዕ ኣቡነ ካንቶኒ ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣባ ሮበርቶ፥ “ንዝራኸብዎ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብሕያውነት ዝትንክፍ” ካህን እብክብሉ ከምዝገለጽዎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ወለዲ እቶም ዕለት 15 መስከረም ዝተቐትሉ ኣባ ሮበርቶ ማልጀዚኒ ዘካየድዎ ርክብ ባዕሎም ትምህርቲ ክርስቶስ እንከቕርቡ ከምዝገለጽዎን፥ ንነፍሰ ሄር ኣባ ሮበርቶ ማልጀዚኒ ነቶም ዝተነጸሉን ከም ውዳቕ ንዝሕሰቡን ኣሓትን ኣሕዋትን ዘፍቅሩን ዘገልግሉን ናይ ጐደና ካህን እንክብሉ ገሊጾም፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኮሞ ብጭካኔ ዝተቐትሉን መስዋዕትነቶም እቲ ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ዝፍጽምዎን ብጽሞና ዝዓይዎን ዝነበረ ኵሉ ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ምፍቃር ንዝብል ምንባር ክርስትና ዝመስከረ ምዃኑ ጉሊሑ ክስማዕን ብኹሉ ክፍለጥን ከምዝገበረን ንዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ኣገልግሎቶም ዝስዋዕ እምበር ተዛማዲ መልሲ ኮነ ክፍለጠለይ ዘይብል ፍቕሪ ዝነበሩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ካፐሊ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ይብሉ፥ “ኣባ ሮበርቶ እናገልገሉ እንከለዉ ዝተቐትሉን ንብዓት ወለዶም ዝሕብሮ ሓቂ እዩ”፥

ናይ ወለዶም ንብዓት - ንብዓቶም ንድኽታት ኣብ ምግልጋል እንከለዉ ዝተቐትሉ ውላዶም ዘሕደረሎም ስቓይ ዝምስክር እዩ፥ ከነጸናንዕ ክንፍትን እንከሎና ምስቲ ዘጓነፈ መሪር ሓዘን ዝመዓራረይ ቃላት ምርካብ የጸግመና፡ ስለምንታይ እዩ ከምዚ ዝኸውን፡ ምኽንያቱ ኣብቲ ናይቲ ስቓይ ዘጓነፎ ስቓይ ንኽበጽሕ ስለ ዘይከኣለናን እቲ ስቓይ ናቱ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ንብዓት ናቱ እዩ፡ ስቓየይ ናተይ እዩ፡ ንብዓተይ ናተይ እዩ! ናተይ ስቓይን ንዓተይን ናብ እግዚኣብሔር አቕርብ!

ከምዝበሉ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ብጹዕ ኣቡነ ካንቶኒ፥ ኣባ ሮበርቶ ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ መስካሪ

“መስዋዕትነት ኣባ ሮበርቶ እምነት ዘሐይውት” እንክብሉ ዝገለጹ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ሰበኻ ኮሞ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኦስካር ካንቶኒ ክዀኑ እንከለዉ፥ ቅዱስ ኣቦና ንወለዲ ናይቶም ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዕለት 15 ብጭካኔ ናይ ዝተቐትሉ ናይ ኣባ ሮብርቶ ስድራ ቤት ተቐቢሎም ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ጥራሕ ዘይኮነ መስዋዕትነቶም ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር እምነት ዘሐይዉት እዩ ቢሎም፡ እዞም ሰማዕት እዚኦም ድሮ ኣብ መንግስተ ሰማያት እዮም፡ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ጉዕዞ የሰንዩን ብፍላይ ኣብ ጽንኩር ጉዕዞ ንዝርከቡን ነቶም ኣብ ጉዕዞ ኣስፍሆተ ወንጌል ንዝርከቡን ዘሰንይ እዩ እንክብሉ ቅዱስነቶም ብዝለገስዎ ቃል ሰበኻ ኮሞን ወለዲ ኣባ ማልጀዚኒን ከምእተጸናንዑን በዘን ቃላት ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ይበጽሓና ኢሎም።

ወለዲ ነፍሰ ሄር ኣባ  ሮበርቶ በተን ቃላት ቅዱስ ኣቦና ቃላት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መስዋዕትነት ውላዶም ናይ ቤተ ክርስትያን ጭቡጥ ናይ ሓልዮትን ፍቕርን ትእምርቲ ምዃኑ ከምዘረጋገጹ ብጹዕ ኣቡነ ካንቶኒ ገሊጾም፥ ኣባ ሮበርቶ ምስ ተቐትሉ ቅዱስ ኣቦና ከይወዓሉን ከይሓደሩን ቅርበቶም ጸሎቶምን ንኸረጋግጹ ናይ ሓዋርያዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ናብ ሰበኻ ኮሞ ንኽበጽሑ ገይሮምን ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ እውን ምስ ወለዲ ነፍሰ ሄር ኣባ ሮበርቶ ተራኺቦምን ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ነፍሰ ሄር ኣባ ሮበርቶ ስሪዖምን ንወለዲ ኣባ ሮበርቶ ደኒኖም ኣእዳዎም ክስዕሙን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅርበት ከረጋግጹ ምርኣይ ብሓቂ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ኣበይን መዓስን ኣብ ዝርከበሉ ኵሉ ሓቢራ እትጓዓዝ ምዃና ዝምስክር እዩ ኢሎም።

ብዙሓት ሕጂ እውን ድሕሪ መስዋዕእቲ ኣባ ሮበርቶ ብሕይወት እንከለዉ ዝህብዎ ብዝነበሩ ጭቡጥ ናይ እምነት ምስክርነት ዝስነዩን በቲ ናይ ምስክርነት ብርሃን ኣብ እምነት ጸኒዖም ከምዝጓዓዙ ይምስክሩ፡ ኣባ ሮበርቶ ብሕይወት (ኣብዛ ምድሪ) እንከለዉ ብጽሞና እዮም ዝዓዩ ዝነበሩ ድሕሪ መስዋዕትነቶም ግና እቲ ብጽሞና ዝዓይዎ ዝነበሩ ኣገልግሎትን ግብረ ሰናይን ምፍቓር ብጻይን ብዓውታ ይዛረብን እምነት ይምስክርን ብኹሉ ዝስማዕን ዝጭበጥን ኮይኑ ኣሎ ዝበሉ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ እዚ ድምጺ እዚ ኣብ ኢጣሊያ ጥራሕ ዘይኮነ ክንየው ኢጣሊያ ይስማዕ፡ ቋንቋ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እዩ ኢሎም።

ኣባ ሮበርቶ ትኩርን ፍልዩ ቆልሕታ ኣብ ስቓይን መከራን ንዝርከቡን ብፍላይ ነቶም ኣብ ሓሳርን ድኽነትን ዝርከቡን ጉደና ሓደርን ስደተይናታትን ተመዛበልትን እቲ ዓቢይ መለለይኦም ከኣ “ንዝራኸብዎ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብሕያውነት ዘትንክፉ” ዝብል እዚ ኸኣ ዘይንጽልን ዘይፈልይን ንኹሉን ናብ ኩሉ ብዘይ ኣድልዎ ዝግለጽ ፍቕሪ የቃልሕ እንክብሉ ናይ ሰበኻ ኮሞ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ካንቶኒ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

16 October 2020, 14:33