ቅኑዕ ክርስትያናዊ ዜጋ ሃገር ምዃን ብዘይተጒላባ ኣበርክቶኻ ብምውፋይ ንወንጌል ምስክርነት ምሃብ እዩ!

ሰንበት ዕለት 18 ጥቅምቲ 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ክርስትያን ዘቦኡ ኣብ ዝነብሮ ማሕበረሰብ ሕያው ምስክርን ኣስተፍሶ ወንጌልን ንምዃን ግቡኡን ሓላፍነቱን ብሕልና እንክፍጽም እዩ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!

ናይ’ዛ ሰንበት እዚኣ ወንጌል (ማቴ 22,15-21) ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግብዝና ተጻረርቱ ከመይ ቢሉ ከምዝመለሰ ንምልከት። ንሳቶም ኣብ መጀመርያ ብዙሕ ናእዳ ይገብርሩ፡ ቀሊሎም ግን ኣብ መፈንጠራ ኣእትዮም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ንከሕፍርዎ ሓንቲ መርዛም ዝኾነት ሕቶ የቅርብሉ። ድሕሪ እቲ ብዙሕ ናእዳ ከኣ ‘ንቄሳር ግብሪ ምኽፋልሲ ግቡእዶ ይመስለካ’ ይብልዎ። ማለት ቀረጽ ንቄሳር ምኽፋል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ፍልስጤም ግዝኣት ሮማውያን ብጣዕሚ ከቢድ ነበረ ንቀረጽ ጥራይ ዘይኮነ ንእምነቶም እውን ኣጸጋሚ ነበረ። ስለዚ ቀረጽ ይኸፍሉ ከምዘይነበሩ ርዱእ ነበረ። እንተ ነቲ ሕዝቢ ምስሊ ገዛኢ ሮማ ቄሳር ኣብ ገንዘብ ምግባር ተጻይ ኣምላኽ እስራኤል ኰይኑ እውን ይስምዖም ነበረ። እቶም ሕቶ ዘቅርቡኸስ መጻወድያኦም ጽቡቅ ከምዝተጻወደትን እንትርፎ እወ ወይውን ኣይፋል ካልእ ኣማራጺ ከምዝብሉ ኣጨኒቅናሉ ኣሎና ኢሎም ሓንቲኣ ክተፍልጥ ይጽበዩ ነበሩ። በዚ ከኣ ንኢየሱስ ስዒርናዮ ክብሉ ነበረ ሓሳቦም። እንተ ንሱ ግን እስኪ እቲ ገንዘብ እቲ ንቀረጽ ንግብሪ ቄሳር ዝኽፈል ገንዘብ ኣርእዩኒ ይብሎም። ምስ ሃብዎ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብዚ ገንዘብ ተሳኢሉ ዘሎ ናይ መን ምስሊ እዩ ይብሎም። ንሳቶም ክኣ ብሓባር ናይ ቄሳር ማለት ናይቲ ገዛኢ ይብልዎ። ንሱ ከኣ ትቅብል ኣቢሉ ‘ናይ ቄሳር ንቄሳር ናይ እግዚአብሔር ንእግዚአብሔር ሃቡ’ ይብሎም።

በዛ መልሲ እዚኣ ገቢሩ ኢየሱስ ልዕሊ እቲ ክርክር ምዃኑ የረጋግጽ ከመይ ኢየሱስ ወትሩ ልዕሊ ኩሉ እዩ። ብሓደ ወገን ግብሪ ንቄሳር ክኽፈል ከምዘለዎ የመልክት እዚ ንዓና እውን ይምልከት እዩ ቀረጽ ክኽፈል ኣለዎ። ነዚ እታ ኣብ ባጤራ ዝነበረ ምስሊ ቄሳር ብምእዃኑ እንክኾን ልዕሊ ኩሉ ግን ነፍስወከፍ ኣብ ውሽጡ ሓደ ምስሊ ሒዙ ከምዝጐዓዝ ነዚ ምስሊ እዚ ከኣ ኣብ ልብና ኣብ ነፍስና ሒዝና ከምእንጐዓዝ እዚ ምስሊ እዚ ከኣ ናይቲ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ዝፈጠረና እግዚኣብሔር ምስሊ ዝሓዝና ሰለዝኾና ንኣኡ ጥራይ ከምእንግባእ ህላዌና ካብኡ ስለዝኾነ ሕይወትና ካብኡ ስለዝኾነ ሰብዕዳኡ ምዃና ክንዝንግዕ ከምዘይብልና ይምህረና።

ኣብዚ መግለጺ ኢየሱስ ኣብ ማእከል ፖሎቲካን እምነትን ንዘሎ ጸገማት ጥራይ ኣይኮነን ፍታሕ ዝህብ እንታይ ደኣ ንናይ ኩሉ ዘመን ኣመንቲ ዝኸውን ተልእኮ ኣንፈት ከምዝህልዎ የመልክት ሎሚ ንዓና እውን ተልእኮና ከመይ ክንፍጽም ከምዝግበኣና የመልክት። ቅድሚ ዝኣገረ ቀረጽ ምኽፋል ግድነት ሓደ ዜጋ እንክኾን ንቅኑዕ ሕጊ መንግሥቲ ምእዛዝ እውን ከምኡ። ማዕረ ማዕረ እዚ ከኣ ኣብ ሕይወት ደቂሰባትን ኣብ ታሪኽን ንእግዚኣአብሔር ነቲ ዝግብኦ ክብሪ ብምቅራብ ቀዳማይ ቦታ ክሕዝ ከምዘለዎ የመልክት።

ተልእኮ ቤተክርስትያንን ምእመናናን ካብዚ ይምንጩ እዚ ከኣ ንናይ ዘመኖም ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብዛዕባ እግዚአብሔር ምዝራብን ብዛዕባኡ ምምስካርን እዩ። ነፍሲወከፍና ብዝተቀበልናዮ ምሥጢረ ጥምቀት ብቃለ እግዚአብሔርን ብምንጪ ሕይወት ዝኾነ መንፈስቅዱስን እናኰስኰስና ሕያው ህልውና ኣብ ማሕበረሰብና ክንከውን ጽውዓት ኢና። ነዚ ንምግባር ከኣ ብትሕትና ክኸውን ኣለዎ ከምኡ እውን ትብዓት ተዓጢቅና ፍትሕን ሕውነትን ዝመልከሉ ምዕብልና ፍቅሪ ንምህናጽ አእጃምና ክነበርክት ትሑዛት ኢና።

ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዝኾነ ግብዝነት ንክንሃድምን ንጹሓትን ሃነጽትን ዜጋታት ንክከውን ትሓግዘና። ንዓና ንተኸተልቲ ክርስቶስ ወዳ ዝኾና ከኣ እግዚአብሔር ማእከል ኩሉን ትርጉም ሕይወትን ከምዝኾነ ንምምስካር ትደግፈና።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 October 2020, 10:52