ፍራንቸስኮ፥ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ሊቢያን ናጻ ምልቓቕ ኣባ ማካሊን ዘሕደረሎም ሓጐስን

ኣብ ሊቢያ ሰላም ንምርግጋጽ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ናይ ሰላም ዘተ ንናይ ሊቢያ መጻኢ ዝብጅው ክኸውን እጽልይ፡ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝኾነ ይኹንተጻብኦነት ብምውጋድ ናብ ሰላምን ምርግጋእን ናብ ሓድነት ሃገርን ዘብጽሕ ዘተ ሓላፈ እንብለሉ እዋኑ በጺሑ እዩ

ዕለት 18 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ ምእመናን ሓቢሮምን መሪሖምን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቆዑ፥ ሰላም ምእንቲ ሊቢያ ተማሕጺኖምን ዕለቱ እውን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ “ሕውነታውነት ጸጋ” ኮይኑ ክርከብ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፡ እቶም ዕለት 17 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ኒጀር ብጃሃዳውያን ተጨውዮም ዝነበሩ ኢጣሊዊ ልኡካነ ወንጌል ኣባ ፒየርልዊጂ ማካሊ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ምስቶም ምስኦም ተጨውዮም ዝነበሩ ሰለስተ ዜጋታት ናጻ ተለቒቖም ናብ ኢጣሊያ ዝተመልሱን ዘኪሮም፥

እቲ ሃረር እንብሎ ዝነበርና ናጻ ምልቓቕ ኣባ ፒየርልዊጂ ማካሊ ስለ ምፍጻሙ ንእግዚኣብሔር ምስጋና አቕርብ፡ ኵላትና ብሓባር ንኣባ ማካሊ ኣብ ኒጀር ንኽልተ ዓመት ተጨውዮም ዝነበሩ፡ ብጣቒዒት ሰላም ንበሎም፥ ምስኦም ብሓባር ተጨውዮም ዝንበሩ ሰለስተ ዜጋታት እውን ናጻ ብምልቓቖም ደስ ይበለና፡ ምእንቲ ልኡካነ ወንጌልን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራንን ምእንቲ እቶም ዝስደዱን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝጭወዩን ምንጽላይ ኣይነቛርጽ፥

ጻውዒት ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ኣብ ሊቢያ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ሓሳቦም ናብታ ኣብ ቅልውላውን ኣብ መዓተይና ኵነት ናብ እትርከብ ሊቢያ ኣቕኒዖም፡ ኣብ ሊቢያ ሰላም ንኽረጋገጽ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዘተ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ መታን ክንጽልይን፡ ነቶም ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተታሒዞም ዘለዉ ኢጣሊያውያን ገፈፍቲ ዓሳ እውን ዘኪሮም ምእንታኦም እውን ብጽሞና ክንጽልይ እንክላበዉ፥

ነቶም ኣብ ሊቢያ ካብ ዝተሓዙ ወርሒ ዝኾኖም ኢጣሊያውያን ገፈፍቲ ዓሳን ንኣባይቲ ስድራኦምን አበራትዕን ድጋፈይ እገልጽ፡ ብቕልጡፍ ንኣባይቲ ስድራኦም ዳግም ክሓቕፉ ዘኽእሎም ህያው ተስፋ ክዕቅቡ ንማርያም ኮኾብ ማያት ባሕሪ ነወክፎም፡ ከምኡ እውን ኣብ ሊቢያ ሰላም ንምርግጋጽ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ናይ ሰላም ዘተ ንናይ ሊቢያ መጻኢ ዝብጅው ክኸውን እጽልይ፡ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝኾነ ይኹን ተጻብኦነት ብምውጋድ ናብ ሰላምን ምርግጋእን ናብ ሓድነት ሃገርን ዘብጽሕ ዘተ ሓላፈ እንብለሉ እዋኑ በጺሑ እዩ፡ ብጽሞና ምእንቲ እቶም ገፈፍቲ ዓሳን ምእንቲ ሊቢያን ንጸልይ!

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል

ቅድም ክብል ቅዱስነቶም ዕለት 18 ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ብዓለማውያን ምእመናንን ብውፉያትንን ዝሳለጥ እጹብ ዕዮ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሎሚ (ዕለት 18 ጥቅምቲ) ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ “እነኹ፥ ንኣይ ለኣኸኒ” ብዝብል መርሕ ቃል ነብዕሎ ኣሎና፥ “ኣለምቲ ሕውነት”፥ እዛ ኣለምቲ ትብል ቃል ጽብቕቲ ቃል እዩ፥ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ናይ ሕውነት ኣላማይ ንኽኸውን ዝተጸውዐ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ልኡካነ ወንጌል - ካህናትን ዓለማውያን ምእመናን ውፉያንን - ኣብቲ ዓቢይ ግራት ዓለም ወንጌል ዝዘርኡ! ምእንታኦም ንጸልይ ጭቡጥ ድጋፍና ከኣ ነቕርበሎም!

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

 

18 October 2020, 23:27