ድለ

ሓቀኛ ሥልጣን ንካልኦት ምግልጋል እምበር ንካልኦት ምምዝማዝ ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓም በዓለ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣዚሲ እውን ይዝከር ብምንባሩ ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌልን እታ ኣብ ድሮኡ ኣብ መንበረ ታቦት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ዝኸተምዋ ኩላትና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም እውን ብምዝካር ንስፍሓት ስብከተ ወንጌል ኩልና ክንሰርሕ ብምዕዳም ‘ኣብ ቤተክርስትያን ገሊኦም ንሥልጣን ንጥቅሚ ገዛእ ርእሶም ከውዕሉ ክደናደኑ ክትርኢ ክንደይ ይሓስም’ እንክብሉ ሥልጣን ንኣገልግሎት ኣሕዋትን ኣሓትን እምበር ንምምዝማዞም ኣይኮነን ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዕለቱ ዘቅረበቶ ወንጌል ማቴ 21.23 ኰይኑ ምሳሌ ሕሱማት ሠራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይኒ ዘዘንቱ ኰይኑ እቲ በዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ዘድሊ ኩሉ ኣቅሪቡ ንሠራሕተኛታ ሓደራ ገዲፉ ኣብ ግዜ ፍረ ሰባት እንተለኣኸ ንገሊኦም ገሪፎም ንገሊኦም ቀቲሎም ካልኣይ ግዜ እውን ከምኡ ኣብ መወዳእታ ንወደይሲ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ ኢሉ ወዱ ምስ ሰደዱ እቶም ሕሱማት ሠራሕተኛታ ብማዕዶ ምስ ረኣይዎ ንሱ ወራሲ ስለዝኾነ ንዑ ንኣኡ ንቀትሎ ነቲ ግራትከኣ ክንወርሶ ተባሃሂሎም ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣውጺኦም ቀተልዎ ዝብል ምሳሌ ነበረ።

ቅዱስነቶም እዞም ሠራሕተኛታ ኣታኽልቲ ወይኒ ንሕና ከምዝኾና ኣምላኽ ኣብ ግራቱ ክንሠርሕ ሓደራ ከምዝሃበና ስለዚ ሎሚ እውን እንተኾነ ካባና ካብ ኩልና ዘድሊ ፍረ ይጽበ ኣሎ እሞ ሓደራ ንሥራሕ ንስፍሓት ስብከተ ወንጌል ንተዓጠቅ እንተዘየሎ ነዞም ሕሱማት ሠራሕተኛታ ዘጋጠመት ንዓና እውን ክተጋጥመና እያ ኢሎም።

እታ ግራት ናይ ጐይታ እምበር ናትና ኣይኮነትን!

እቲ ምሳሌ ብጣዕሚ ልቢ ዝትንክፍ እዩ። ኣብ ኦሪት እውን እግዚአብሔር ብነቢይ ኢሳይያስ ኣቢሉ ኣብ ምዕራፍ ሓሙሽተ እስኪ ፍረዱ እንክብል ዳርጋ ተመሳሳሊ ምሳሌ ኣቅሪቡ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ ሕዝበ እስራኤል ብምምስሳል ጐይታ ነቲ ኣታኽልቲ ዘድሊ ምስንዳእ ኩሉ ገሩ ሓጹር ሓጺሩ ዝቅምቀም ቀምቀሚ ፍረ ክወስድ ምስ መጸ ግን ክንዲ ጥዑይ ዘለላ ወይኒ ዝፈሪ መጺጽ ፈርዩ። እስኪ ፍረዱ ይብል እሞ ንኩሉ ከሕድጎም ምዃኑ ይገልጽ። እዛ ናይ ወንጌል ንዓዓ ትመሳሰል ኰይኑ እቶም በብታራ ዝለኣኹ ሠራሕተኛታት ነቢያትን ኣበውን ኰይኖም እቲ ኣብ መወዳእታ ዝለኣኽ ውሉድ ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ እታ ኣታኽልቲ ወይኒ ከኣ መንግሥቲ እግዚኣአብሔር ምዃና ይገልጽ።  ኢየሱስ ከኣ ብልቡ ክቀትልዎ ይደልዩ ከምዘለው ፈሊጡ ከም ሕቶ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ እቲ ዋና ምስ መጸ እንታይ ክገብሮም ይመስለኩም ይብሎም እሞ ከይፈተው ንዓታቶም ኣጥፊኡ ንካልኦት ፍረ በብግዜ ክህቡ ዝኽእሉ ይህቦ ኢሎም ይምልሱሉ። በዚ ከኣ ብቀጥታ ይነግሮም። ንዓና እውን ሎሚ ሓንቲ ቃል ከይገደፈ ይደግመልና ኣሎ።

“ኣብ ዝኾነ ዘመን ሥልጣን ዝለበሱ ኩሎም ዝኾነ ሥልጣን ማለተይ እዩ ዋላ ኣብ ቤተክርስትያን ከይተረፈ ንሕዝቢ እግዚአብሔር ክጓስዩ ሥልጣን ዝለበሱ ክንዲ ነቲ እግዚአብሔር ዝለኣኾም ዝፍጽሙ ጥቅሚ ገዛእ ርእሶም ንከኻዕብቱ ፈተና ከጋጥሞም ይኽእል። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ሥልጣን እንክትቅበል ንኣገልግሎት እዩ። ንካልኦት እንከተገልግል ክተግልግሎም እምበር ክትምዝምዞም ኣይኮነን ሥልትእን ዝወሃበካ። እታ ግራት ናይ ጐይታ እያ ናትና ኣይኮነትን። ሥልጣን ከኣ ኣገልግሎት እዩ። ንሠናይ ነገር ናይ ኩሎምን ንስፍሓት ወንጌል ክተገልግለሉ የድሊ። ኣብ ቤተክርስትያን ገሊኦም ሰበሥልጥእን ጥቅሚ ገዛእ ርእሶም ክእልሹ ክትርኢ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ኢሎም።”

ካብዚ ብምቅጻል ቅዱስነቶም ኣሕጽር ኣቢሎም ትርጉም ናይታ ምሳሌ እቶም ባዕሉ እግዚአብሔር ዝመረጾም ሕዝበ እግዚአብሔርን እንኽኾኑ እቶም በብግዜኡ ዝተላእኩ ኣገልገልቲ ከኣ ነቢያት እቲ ኣብ መወዳእታ ዝተላእከ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ካብ ከተማ ኣውጺኦም ኣብ መስቀል ሰቂሎም ክቀትልዎ ዝለዎም ይነግሮም። ንነቢያት ጥራይ ዘይኮነ ንዓኡውን ከምዝነጽግዎን ከምዝቀትልዎን ይሕብር ኢሎም።

ወትሩ ቅዱሳን እትፈሪ ዝሃብተመት ቤተክርስትያን ምዃን የድሊ!

 ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ንባብ ፊል 4.2 ምልስ ይብሉ እሞ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ፍሊጵስዩስ ሓደራ ዝብሎም ማለት ንኩሉ ነቲ ጐይታ ዝበሎም ክገብሩ እሞ ብበረኸት ኣምላኽ ክምልኡ ምዃኖም ዝሕብሮ ንሕና እውን ሠናይ ነገር እናገበርና ነቲ ቅኑዕን ቅቡልን ንኡድን ዝኾነ ነገራት እንተፈጺምና ብሓቂ ብመንፈሳውያን ሓይላት ክንክበብ እሞ መንገዲ ቅድስና ሒዝና ፍረና ቅድስና ኰይኑ ንቤተክርስትያን ቅዱሳን ብምፍራይ ክነህብትማ ንኽእል ኢሎም። ነዚ ንምግባር ከኣ ኣብ ዕለቱ ኣብ ፖምፐይ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጥቀ ቅዱስ ሮዛርዮም ዝግበር ዝነበረ ጸሎተ ወፈያ ብመንፈስ ክንሓብር እሞ ቅዱሳን እትፈሪ ቤተክርስትያን ንምዃን ማርያም ክትድግፈና ናብና ንማሕጸን ብማለት ምስ ተማሕጸኑ ወርሒ ጥቅምቲ ወርሒ መቊጸርያ ምዃኑ ብምዝኽኻር ከኣ ወትሩ ጸሎተ መቊጸርያን ክነዕርግ ብምምሕጻን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

04 October 2020, 19:54