ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ካመሩን ዝተቐትሉ ሕጻናት ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ካመሩን ዝተቐትሉ ሕጻናት ይጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ካመሩን ዝተቐትሉ ሕጻናት ይጽልዩ

“ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ተግባር ዳግም ከይፍጠር እግዚኣብሔር ልቢ ኵሉ የብህር፡ እቲ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ካመሩን ዳግም ሰላም ክረክብ - ቢሎም - ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን ናይ ኩሉ ደሕንነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ትምህርቲ ናይ ምርካብን ናይ መጻኢ መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውን”

ኣብ ካመሩን ናይ ሰበኻ ኩምባ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣጋፒቱስ አኑየህንዮህ ንፎን ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 24 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝተቐትሉ ሕጻናት ንናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብን ንመላእ ሃገርን ዝፈጠሮ ሓዘንን ስቓይን ቅርበቶም ጸሎቶም ንዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣመስጊኖም፡ መጸናንዒ ቃል ቅዱስነትም ብሓቂ ዘጸናንዕን ቅርበት መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘረጋግጽን እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ነዚ ዘጉህን ዘቖጥዕን መቕተልቲ ሕጻናት ዘኪሮም፥ “ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን ሕንጸትን ናይ መንእሰያትን መጻእን ውሑስ ክኸውን” ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሃገረ ካመሩን ኣብ ከተማ ኩምባ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 24 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ብኣረመናዊ ተግባር ዝተቐትሉ ሕጻናት ተመሃሮ ኣብ ዝፈጠሮ ሓዘንን ጓህን ስቓይን እሓብር፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቕዑ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ሕጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ መደብ ሕንጸት እናተኸታተሉ እንከለዉ  ኣብቲ ከባቢ በጽዋር ውግእ ብዝተሰነየ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ምኽንያት ሕይወቶም ብጭካኔ ዝተመንዝዑ ንጹሓን ዝፈጠሮ ሓዘን መሪርን ዘቖጥዕ ከምዝኾነን፡ ሸሞንተ ንጹሓን ሕጻናት ንሞት ሓደጋ ካልኦት 12 ከኣ ንማህሰይቲ ሓደጋ ዝተቓልዑ ናይ ዓለም ሓቆፍ ክሌኣዊ ቋንቋ ቤት ትምህርቲ ተመሃሮ ከምዝነበሩን፡ ነቲ ግብረ መቕተልቲ ዝፈጸመ እቲ ካመሩን ደቡባዊ ምዕራብ ናይ እንግሊዘይኛ ቋንቋ ተጠቃሚ ዞባ ካብ መላእ ሃገር ካመሩን ክሕርር ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ እዩ ዝብል ካብ ካመሩን ዝፈነዉ ዜናታት ከምዝሓበሩን፡  ቅዱስነቶም፥ “ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ተግባር ዳግም ከይፍጠር እግዚኣብሔር ልቢ ኵሉ የብህር፡ እቲ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ካመሩን ዳግም ሰላም ክረክብ - ቢሎም - ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን ናይ ኩሉ ደሕንነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ትምህርቲ ናይ ምርካብን ናይ መጻኢ መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውን” ከምእተላበዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ብጹዕ ኣቡነ ኩምባ ቃል ምስጋና

“ነቲ ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ግብረ ቅትለት ቅዱስ ኣቦና ውጉዝ ቢሎም ዝተሰምዖን ሓዘንን ቅርበትን ገሊጾም ስለ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ከመስግን እደልይ” ነዚ ዝበሉ ናይታ ሰበኻ ኩምባ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣጋፒቱስ ኤኑየህንዮህ ንፎን ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ምስ ተሰምዐ ልቢ ኩሉ ከምዝደመየን መላእ ማሕበረሰብ ኣብ ሓዘን እዩ፡ ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት፡ ሕዝቢ ደቃቱ ንኣባይቲ ትምህርቲ ክሰድድ ይፈርሕ” ቢሎም ብዛዕባ ህልው ኵነታት ሃገሮም በቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ኣብ ሓሳርን መሪር ድኽነትን ዝነብሩ ዘለዉ ተመዛበልቲ ምኽንያት እውን ናይ ካመሩን ብጹዓን ጳጳሳት ነቲ ዘሎ ግጭት መዕለቢ ክርከብ ሓቛፊ ዘተ ክህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት እውን ዘኪሮም፡ “ብዘይ ፍትሕን ምርግጋእን እቲ ውግእ ክሳብ ዘሎ ሰላም ክርከብ ዘይከኣል እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህልቂትን ምዝብልናን ዜጋታት

ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፥ ካብ ሰለስተ ዓመት ንነጀው ኣብ መንጐ ተነጻሊ ዕጡቓት ሓይልን ናይ መንግስቲ ወተሃደራትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሰለስተ ሺሕ ዜጋታት ከምእተቐትሉን ብውሕዱ ኣስታት 70 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ኣብ ምዕራብ ከባቢ ከምእተመዛበሉን ገሊጾም፡ ኵሎም እቶም ናይቲ ግጭት ተዋሰእቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታት ዝፍጸምዎ መጥቓዕቲ ደው ከብሉን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከኽብሩን ንሕዝቢ ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝካየድ ስርሒት ውሑስ ክኸውን” ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቶም ዝተቐትሉ ሕጻናት ካብ 9 ክሳብ 12 ዓመት ዕድመ ከምዝነበሮም ይንገር

ናይ ሃገረ ካመሩን ርእሰ ብሔር ፓውል ቢያ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለትን መጥቓዕትን ኣውጊዞም፥ “ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ሕጻናት ዝተፈጸመ ውርደተይና ኣረመናዊ ተግባር ጸረ ሰብኣዊ ገበን” እንክብሉ ገሊጾም፡ እቶም ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ንፍርዲ ንምቕራብ ዘድሊ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ዞባ ከንቀሳቐሱ ምዃኖም ከምዘፍለጡ ይንገር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንክሎ፡ እቶም ዝተቐትሉ ሕጻናት ካብ 9 ክሳብ 12 ዓመት ከምዝነበሩን፡ እቶም ማህሰይቲ ዝወረዶም ናብ ኣባይቲ ሕክምና ከምእተወሰዱን፡ ካብኣቶም ገሊኣቶም ኣካለ ስንኩላን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ካብ ካመሩን ዝፍነዉ ዜናታት የረጋግጹ።

ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ መግለጺ

ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓቍፍ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ዞባ ኩምባ ዝርከብ ቤት ትምህርትን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ መቕተልትን ማህሰይትን ከምዘደንጸዎ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ፡ “ምስ ኵለን ኣብ ካመሩንን ኣብ ዓለምን ምስ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ምዅናን ሓቢሩ፡ ቅርበት ንኣባይቲ ስድራ ዝተቐትሉ ሕጻናትን ኣብ ሓዘን ንዝርከብ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብን ቅርበትን ጸሎትን ነረጋግጽ” ቢሉ “ነቶም ማህሰይቲ ዝወረዶም ቅልጡፍ ምፍዋስ ንምነይ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

 

28 October 2020, 22:42