ር.ሊ.ጳ.፥ ሰብ ናብ ግኡዝነት ዝቕይር መኽሰብ ይኣይፋል ምባል ር.ሊ.ጳ.፥ ሰብ ናብ ግኡዝነት ዝቕይር መኽሰብ ይኣይፋል ምባል 

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰብ ናብ ግኡዝነት ዝቕይር መኽሰብ ይኣይፋል ምባል

ክርስቲያናዊ ፍካሬ ብመሰረቱ መኽሰብ ንዝብል ኣምር ዝጻረር ኣይኮነን፥ እቲ ዝጻረሮ ዘኽፍል ዋጋ የኽፍል መኽሰብ ጥራሕ ንዝብል ፍካሬ እዩ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝርስዕን ግሊያ ዝገብሮን ናብ ግኡዝነት ዘትሕቶን ብዝኾነ ይኹን ኣገባብን መገድን ክትቆጻጸሮን ክትቃወሞ ዘይከኣል ምስ ዝኸውን እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ካብ ዝቐውም መበል 170 ዓመት ዘብዕል ዘሎ ናይ ኢጣሊያ ናይ ኣዋፋሪ ባንክ ቤት ተቕዋም ኣባላት፡ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ተቐቢሎም፥ ብትብዓት ሰብኣዊ ፍጥረትን ሕብረተሰብን ዘኽብርን ዘነቓቕሕን ምንጋወ ኣብ ዝድርኽ ኪደት ምጉዓዝ፡ ብፍላይ ከኣ እዚ ኪደት’ዚ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዘርአየሉ ዘሎ እዋን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝላበው መደረ ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዋኒን ብግልጽነትን ብሰናይ ውጽኢትን ዝነቓቓሑ ናይ ሰላምን ፍትሕን ሓነጽቲ ንብላዕን ምግባረ ብልሽውናን እይምብርከኹን፥ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይቲ ካብ ዝቐውም መበል 170 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ናይ ኢጣሊያ ናይ ኣዋፋሪ ባንክ ቤት ተቕዋም ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቕ ትምህርቲ ንኣጠቓቕማ ጸጋታት ፍትሓዊ ርእየት ብምቕራብ ኣዋፍርቲ ሃብቲ ገንዘብ ማሕበራውን ናይ ሓባር ምዕባለን ዘነቓቕሕ ተበግሶታት ሓላፋ ክብሉ ይምዕድ።

ክርስቲያናዊ  ፍካሬ ብመሰረቱ መኽሰብ ንዝብል ኣምር ዝጻረር ኣይኮነን፥ እቲ ዝጻረሮ ዘኽፍል ዋጋ የኽፍል መኽሰብ ጥራሕ ንዝብል ፍካሬ እዩ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝርስዕን ግሊያ ዝገብሮን ናብ ግኡዝነት ዘትሕቶን ብዝኾነ ይኹን ኣገባብን መገድን ክትቆጻጸሮን ክትቃወሞ ዘይከኣል ምስ ዝኸውን እዩ!  

እቲ ለብዒ ናይ ዞባታት ፍሉይነት ንሓደጋ ዘቓልዕ እዩ

ቅዱስነቶም ናቲይ ተቕዋም ታሪኽ ውልደቱ ዘኪሮም፡ ቀንዲ ዕላማኡ “ለጋስ ጻዕሪ” ዝብል ጸዋዕታኡ እዩ፡ ናይ ሃገር ድላይ ዝምልከትን ቀጻሊ ምውፋር ሃብቲ ገንዘብን ኪደት ሃገር ዘአውንን ናይ ዞባታት ትካላትን ዝድግፍን ሙያዊ ሕንጸትን ምህርታውነት ዘተባብዕን ምዃኑ ጠቒሶም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘመላኽቶ ዘሎ ናይ ምዕባለ ኪደት ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ እንክሕብሩ፥

ገለ ገለ ናይ ምህርቲ ዓይነት ከንቆልቁል ክንርእይ እንኮለና፡ ዕርያ ወይ ሱር በተኽ ለውጢ ዘድልይ ምዃኑ ነስተውዕል፡ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝተኸስተ ናይ ምልውዋጥ ኤኮኖምን ምዕዳግን ምሻጥን ቀስ እናበለ ብውሑዳት ዝውነን እናዀን ናይ ዞባታት ፍሉይ ሙያዊ ክህሎት ዝጐድእ ምዃኑ ነስተውዕል ኣሎና እዚ ኸኣ ኣብ ኢጣሊያን ኤውሮጳን ዝረአይ ሓቂ እዩ።

ቅኑዕ መርሓ - ኣገባብ

ኣብ ቅድሚ እዚ ዓይነት ሓደጋ’ዚ ኣብ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ከይተወድቀ ኣመሓድራን ኣፈጻጽማን ዋኒን ብቕኑዕ ኣገባብን ግልጽነትን ክምራሕ እዩ ዘለዎ፡ ንኣጠቓቕማ ጸጋታት ፍትሓዊ ርእየት ብምቕራብ፡ ኣዋፍርቲ ሃብቲ ገንዘብ ማሕበራውን ናይ ሓባር ምዕባለን ዘነቓቕሕ ተበግሶታት ብትብዓት ከለልዩን ሓላፋ ክብሉን ሰብኣዊ ፍጥረትን ሕብረተሰብን ዘኽብርን ዘነቓቕሕን ምንጋወ ዘነቓቕሑ ክኾኑ ኣለዎም፥

ዝተቐብልካዮ ሓላፍነት ኣብ ምፍጻም ሰናይን እከይ-ክፋእን ፈሊኻ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ፡ እኳደኣ ኣብ ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን ዓውዲ ቅኑዕ ሕላነን ግልጽነትን ድላይ ሰናይ ወጽኢትን ተቓደውቲ እያቶም፡ ፈጺሞም ክፈላለዩ የብሎምን።

ምዕባለ ኤኮኖሚ ምእንቲ ኣባይቲ ስድራ

“ከምቲ ናታትኩም ተቕዋም - ይብሉ ቅዱስነቶም - ጭቡጥ ኤኮኖሚ ንምንቕቓሕን ክብ ንምባልን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረትን ኣባይቲ ስድራን ናይ መላእ ሕብረተሰብ ምዕባለ ዘወንጭፍ ጭቡጥ ዝኾነ ናይ ምትሕብባር ኣስተውዕሎ ክምስክር ዝኽእል እዩ”

በዚ ኣገባብ’ዚ ሃብቲ ሃገር ደረጃ ብደረጃ ንቕድሚት ክስጉም መታን ምስናይን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ምግልጋልን ኵሉ ናይዚ ዓለም ጸጋታት ምምዕባልን ንኹሉን ብኹሉን ተበጻሒ ክኸውን ጽኑዕ ጻዕሪ ምክያድ ዝከኣል እዩ፡

ምስ በሉ፡ ብለጋስነት ኣብ ጐደና ተበግሶ ናይ ፍትሕን ሰላምን መጋበርያ ኣብ ምዃን ንቕድሚት ክትብሉ እውተባብዕ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ካፐሊ ሓቢረን።

05 October 2020, 23:48