ኣብ መንጐ ኣርመንን ኣዘርበጃንን ጥሕሰት ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንር.ሊ.ጳ. ዝፈጠረሎም ጓሂ

ኣዘርበጃንን ካብ መዓልታት ኣብ ዞባ ናጎርኖን ካራባክሕ ዝተበገሰ ግጭት ጠቒሶም፡ ተበጺሑ ዝነበረ ቶክሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ስንኩፍ ምዃኑን ገሊጾም ዘተ ክተባባዕን ከምኡ እውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ናይ ባርዕ ሓደጋ ኣግራብን ዘኪሮም ብዝኾነ ይኹን ሽግር ንዝሳቐዩ ሕዝብታት ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከምዘረጋገጹ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር እቲ ኣብ መንጐ ኣርመንን ኣዘርበጃንን ካብ መዓልታት ኣብ ዞባ ናጎርኖን ካራባክሕ ዝተበገሰ ግጭት ጠቒሶም፡ ተበጺሑ ዝነበረ ቶክሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ስንኩፍ ምዃኑን ገሊጾም ዘተ ክተባባዕን ከምኡ እውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ናይ ባርዕ ሓደጋ ኣግራብን ዘኪሮም ብዝኾነ ይኹን ሽግር ንዝሳቐዩ ሕዝብታት ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከምዘረጋገጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 11 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር እቲ ኣብ መንጐ ኣርመንን ኣዘርበጃንን ካብ ዕለት 25 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናይ ናኮርኖን ካራባክሕ ዞባ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ዘለዓዓሎ ውግእ ደው ንምባል ብፍላይ ንናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቕርቦት ምክንያት ተበጺሑ ዝነበረ ቶክሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ስንኩፍ ምዃኑ እቲ ዐለት 10 ጥቅምቲ ዝተራእየ ተጻብኦ ከምዘረጋግጾን ሳባቲነሊ ሓቢረን፥

ኣብ መንጐ ኣርመንን ኣዘርበጃንን እዚ ኸኣ ናብ ናይ ሰላም ስምምዕ ንምብጻሕ ዘኽእል ንናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቕርቦት ምኽንያት እቲ ዝተባርዐ ውግእ ደው ንምባል ተበጽሒ ዝነበረ ስምምዕ ኣድኒቐ ከምዝነበርኩን፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዝተበጽሐ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ስንኩፍ ከምዝመስልን ስለ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ናይቲ ዝሳቐይ ዘሎ ሕዝብን ዕንወት ኣባይትን ናይ ስግደት ኣምልኾን ስፍራን ኵሉ ብጠቕላላ እቲ ውግእ ኣብ ዝፈጥሮ ዘሎ ሓዘን ተኻፋሊ ምዃነይ አረጋግጽ፡ እጽልይን ኵሉ ምእንቲ እቶም ዝሳቐዩን ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ንዝወደቐን ኩሎም እጽልይን ኵሉ ኣብዚ ጸሎት እዚ ክሓብር ኣላበው!

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ቅርበት ነተን ብባርዕ ሓደጋ ኣግራብ ንዝተጠቕዐ ሃገራትን ሕዝብን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እውን ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰደድ ባርዕ ሓደጋ ሓዊ ኣግራብ ንዝተጠቕዓ ሃገራትን ሕዝብን እናሓሰቡ ኣብ ምዕራባዊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ ካሊፎሪያንን ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ ኡራጉዋይ ኣብ ኣርጀንቲናን ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ኣግራብ ጠቒሶም ነቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሓዳጋ ባርዕ ሓዊ ንዝሳቐዩን ነቶም ነቲ ሓደጋ ንምብዳህ ኣብ ጽንኵር ዕዮ ንዝረከቡ ኣባላት መጥፋእቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኮሎም ጸሎቶምን ቅርበቶምን እንክገልጹ፥

መብዛሕቲኡ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣግራብ ብምኽንያት ደርቂ ዝኽሰት እኳ እንተኾነ ብኢደ ሰብ ዝኽሰት እውን ከምዘሎን ፍሉጥ እዩ፡ እግዚኣብሔር ነቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ መዓት ንኸቢድ ስቓይ ንዝተቓልዑ ክድግፍን ተፈጥሮ ኣብ ምክንኻንን ዕቃቤን ኣተኵሮ ዘለዎም ንኽንከውን ይደግፈና!

ከምዝበሉ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

12 October 2020, 22:12