ር.ሊ.ጳ. 13 ሓደስቲ ካርዲናላት ክሰምዩ ምዃኖም ገሊጾም

13 ሓደስቲ ካርዲናላት ክስመዮ ከምዝኾኑ ቅዱስነቶም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ነቶም ኣብቲ ጸሎት ዝሓበሩ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናንን ነቶም ብመራኸቢ ብዙሓን ብቐጥታ ኣብቲ ጸሎት ንዝሓበሩ ኩሎም ከምዘበሰሩ

ዕለት 28 ሕዳር 2020 ዓ.ም. 9 ትሕቲ ሰማንያ ዓመት ዕድመ ዘለዎም ሓደ ካብኣቶም ናይ ኣሲዚ ቅዱስ ገዳም ዓቃቢ ኣባ ማውሮ ጋምበቲ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 13 ሓደስቲ ካርዲናላት ክሰምዩ ምዃኖም ዕለት 25 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

13 ሓደስቲ ካርዲናላት ንቤተ ክርስቲያን፥ 9 ትሕቲ ሰማንያ ዓመት ዝዕድመኦም፡ እዚኣቶም ከኣ ብሕገ ቀኖና መሰረት ር.ሊ.ጳ. ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎምን ካልኦቶ ኣርባዕተ ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድመኦም ዝርከብዎም፡ ብጠቕላላ ን 13 ሓደስቲ ካርዲናላት ክስመዮ ከምዝኾኑ ቅዱስነቶም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ነቶም ኣብቲ ጸሎት ዝሓበሩ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናንን ነቶም ብመራኸቢ ብዙሓን ብቐጥታ ኣብቲ ጸሎት ንዝሓበሩ ኩሎም ከምዘበሰሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣሲቡ፥ እዞም ሓደስቲ ካርዲናል ዝመዩ፡ ክልተ ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ዘገልግሉ፥ ንሳቶም ከኣ ተወላዲ ማልታ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ግረኽን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ካልኦት ኣብ ሩዋንዳ ናይ ኪጋሊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ካምባንዳን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ዋሽንግተን ሊቀ ጳጳሳት ቡጹዕ ኣቡነ ዊልቶን ግረጎርይን፡ ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ሰበኻ ካፒዝ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ፉወርተ ኣድቪንኵላን፡ ኣብ ቺለ ናይ ሳንቲያጎ ሊቀ ጳጳሳት ኣባል ማሕበር ካፑቺን ብጹዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ኣኦስ ብራኮን፡ ናብ ብሩነይ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ኮርነሊዩስ ሲምን፡ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰበኻ ሲየና ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣውጉስቶ ፓውሎ ሎዩዲቸን፡ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣሲዚ ቅዱስ ገዳም ዓቃቢ ኣባ ማኡሮ ጋምበቲን እዚኣቶም ትሕቲ ሰማንያ ዓመት ዕድመ ዘለዎም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣርባዕተ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ዝዕድመኦም፡ ኣብ መክሲኮ ናይ ሰበኻ ሳን ክሪስቶባል ደ ላስ ካሳስ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብጽዕ ኣቡነ ፈሊፐ ኣሪዝመንዲ ኤስቊቨልን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኮይኖም ዘገልገሉ፡ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ኵለንተናዊ ምሉእ ዕብየት ኣገልግሎት ኣብ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተሓባባርን ኣባል ማሕበር ስካላብሪኒያኒ ሊቀ ጳጳሳት ሲልቫኖ ቶማዚን፡ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ኣባ ራኒየሮ ካንታላመሳን፡ ኣብ ሮማ ናይ መለኮታዊ ፍቕሪ ቤተ መቕደስ ቆሞስ ኣባ ኤንሪኮ ፈሮቺን ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

25 October 2020, 23:13