ሻቕሎትን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ንናይጀሪያ ሻቕሎትን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ንናይጀሪያ 

ሻቕሎትን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ንናይጀሪያ

“ብዘይ ምቁራጽ ማሕበራዊ ስኒት ክድለይን፡ ፍትሕን ናይ ሓባር ረብሓን ብምንቕቓሕ ዝኾነ ይኹን ናይ ዓመጽ ኣገባብ ክግታእ ጸሎትና ናብ ጐይታ ነቕርብ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ናይጀሪያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነት ብፍላይ ከምዘተሓሳስቦም ዕለት 25 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተኣከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነገዶ መሪሖምን ሓቢሮምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሓቢሮም፡ ፍትሕን ናይ ሓባር ረብሓን ብምንቕቓሕ ዓመጽ ኵሉ ክግታን ከምዝጸለዩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፋውስታ ስፐራንዛ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ካብ ናይጀሪያ ዝፍነው ዘሎ ሓበሬት ብቕረባ እከታተሎን ብዙሕ እውን የተሓሳስበንን የሰክፈንን፡ እቲ ኣብ መንጐ ሓይሊ ጸጥታን ተቓውሞ ዘካይዱ ዘለዉን መንእሰያት ዝረአይ ዘሎ ግጭት፡ ዓለም ቆላሕታ ክገብረሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ብዘይ ምቁራጽ ማሕበራዊ ስኒት ክድለይን፡ ፍትሕን ናይ ሓባር ረብሓን ብምንቕቓሕ ዝኾነ ይኹን ናይ ዓመጽ ኣገባብ ክግታእ ጸሎትና ናብ ጐይታ ነቕርብ” ከምዝበሉ ስፐራንዛ ሓቢረን።

ናባ ወሽመጥ ጊኒ ዝቕልቀል ክስተት

ሓደ ናይ ናይጀሪያ ናይ ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታ ጸረ ዘረፋ ኣባል ንሓደ መንእሰይ ክቐትሎ እንከሎ ዘርእይ ብምስማዐ ርእየት ዝተቐርጸ ሓበሬታ ብመረብት ምስ ተዘርገሔ፡ ዋላ’ኳ ናይ ናይጀሪያ መንግስቲ ተምያን ሓበሬታ እዩ ዝብል መግለጺ ዝሃበ እውን እንተኾነ፡ ኣብ መበገሲ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተባርዐ ሕዝባዊ ናዕቢ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎን እቲ ዝተፈጸመ ክስተት ዝቐረጸ ውልቀ ሰብ ከምእተኣሰረን እዚ ኸኣ ነቲ ናዕቢ ክብእስ ከምዝገበሮን፡ ህዝቢ ሓይሊ ጸጥታ ብፍላይ ኣባላታ ፍልዩ ሓይሊ ጸረ ዘመተ ኣባል ኣብ ልዕሊ ኣድማ ዘካይዱ  ዘለዉ ዜጋታት ዝፍጽሞ ዘሎ ንጥቃም ዘይተመጣጠነ ሓይሊ፡ ብዙሕ ስክፍታ ይፈጥር ከምዘሎ ዝሓበራ ስፐራንዛ ኣስዒበን፥ ቅድም ክብል እውን፡ እቲ ፍሉዩ ሓይሊ ጸጥታ ካብ ርሑቕ ዓመታት ኣትሒዙ ዝፍጽሞ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ስጉምቲ ምኽንያት ብዙሕ ጥርዓት ዝቕረበሉ ከምዝኾነ እውን ክፍለጥ እንከሎ፡ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ዜጋታት፡ መንግስቲ ሓፈሻዊ ዕርያ ከተኣታትው ይሓቱ ከምዘለዉ ገሊጸን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ይተኣታተው ከምዘሎን በማኢት ዝቑጸሩ ካብቶም ኣድማ ዘካይዱ ብፍላይ መንእሰያት ዝርከብዎም ኣብ ላጎስ ኣድና ዘካይዱ ንዝነበሩ ዜጋታት ንምብታን ሓይሊ ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ከምእተጠቀመን ይዅን ደኣ እምበር ነቶም ብሓይሊ ጸጥታ ዝተቐትሉ ፍትሒ ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ይቕጽል ከምዘሎ የመልክታ።

25 October 2020, 23:07