ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኩለንተናዊ ስነ ማሓድሮ ዓሚዪቕ ውሳጣዊ ለውጢ ይሓትት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኩለንተናዊ ስነ ማሓድሮ ዓሚዪቕ ውሳጣዊ ለውጢ ይሓትት 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኩለንተናዊ ስነ ማሓድሮ ዓሚዪቕ ውሳጣዊ ለውጢ ይሓትት

እቲ ርክብ ሓደስቲ ኣንፈት ናብ ኵለንተናዊ ማሓድሮ፥ ኣብ ዝኽሪ መበል ሓምሻይ ዓመት ‘ይሴባሕ’ ዓዋዲት መልእኽቲ” ዘማእከለ ኮይኑ እዚ ሰነድ እዚ ኣብ እዋናዊ ዓለም ዘለዎ ማሕታ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት EcoOne - ሓደ ማሓድሮ ብዝብል መርሕ ቃል ናብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ፥ “ሓድሽን ሓቛፍን ረባሕታ ማሕበራዊ ኤኮኖሚ” ቀዳምነት ክወሃቦን ነቲ ናይ ምዝመዛን ንኢጐነትን መቑሕ ኣመክንዮ ምብታኽ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእክቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ኣባይቲ ስድራን ሰራሕተይናታትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝድግፍ ጭቡጥ ማዕቅን ምምዕባለልን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ማዕረ ማዕረ እውን ነቲ ድኽነት ዝፈጥር መዋቕራት ብምውጋእ ባህርያዊ ከባቢ ንምክልኻል ምዕያይ ዝብል ጽኑዕ ድላይ ኣገዳሲ እዩ” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ሓደ ማሓድሮ ብዝብል መርሕ ቃል ኣሰንዮ ኣፍቅሮተ ዘቤት ምንቅስቓስ ዓለም ሓቆፍ ባህላዊ ተበግሶታት ብመረባዊ ውሕዘት ናይ ዝተፈላለያ መናብርተ ጥበብ ናይ ስነ ማሓድሮን ስነ ከባብን ስነ ምርምር ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ጨንፈር ትምህርቲ መምሃራንን ተመራመርትን ሰብ ሙያን ኣሳፊቱ ናብ ዘዳለዎን ዝካየድ ናብ ዘሎን ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንክሎ፡ እቲ ርክብ ሓደስቲ ኣንፈት ናብ ኵለንተናዊ ማሓድሮ፥ ኣብ ዝኽሪ መበል ሓምሻይ ዓመት ‘ይሴባሕ’ ዓዋዲት መልእኽቲ” ዘማእከለ ኮይኑ እዚ ሰነድ እዚ ኣብ እዋናዊ ዓለም ዘለዎ ማሕታ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ማሕበራዊ ኣካላትን ግደ ዝትንትን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ከሉ ዝተኣሳሰረ - ተማራዃሲ እዩ

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቶም እቲ ዓውደ ጉባኤ ክረጋገጽ ዝተሓባበሩ ንምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤትን ንናይ ጳጳሳዊ ሓልዮ ከለንተናዊ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ምዕባለ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወከልትን ንዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓ ካቶሊካዊ ንከባቢ ኣየርን ኣመስጊኖም፡ እዚ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዝቕጽል ዓውደ ጉባኤ፥ ብምነጽር ስነ ምግባርን ስነ ምርምርን ማሕበራውን ቲዮሎጊያውን ናይ ሰብኣውነት ተራኻብነትን ዓለምና ምክልኻልን ዝብል ርእየት ዘቕርብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት መስራቲት ኪያራ ሉቢክ ዓለም ናይ ሓድነት መስህብነት ኣብ ውሽጡ ዝዓቖረ ምዃኑ ዝብል ዝነበራ እምነት ዘኪሮም እዚ ናይ ሉቢኽ ኣንፍታት ኩሉ ዝተማራኾሰ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ነዚ ዕዮ እዚ ዝመርሕ ክኸውን ሓደራ ይብሉ።

ሓድሽ ረባሕታ ኤኮኖሚ የድሊ

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፥ ክንየው ሕጹጽ ኣገዳስነት፡ ጸንባሪ - ሓቛፊ ረባሕታ ማሕበራዊ ኤኮኖሚ፡ መን ምዃንና ሓቅነቱ ዘንጸባርቕ - ከምቲ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዓዋዲት መልእኽቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ፡ ‘ሓደ እንኮ ሰብኣውነት ካብ ሓደ ኣካል ዝተፈጥሩ ተጓዓዝቲ ደቂ ናይታ እንተእንግደና መሬት ምዃንና’ ደጊሞም ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፡ “ንተበጻሕነት ኵለንተናዊ ማሓድሮ፡ ብውልቂ ይኹን ብማሕበረሰብ ጥልቒ ውሳጣዊ ምልዋጥ ይጠልብ፡ ነቲ ናይ መዝማዝን ንኣይነትን መጐት ምስባርን ቁጡብን ተራን ትሑትን ናይ ሕይወት ኣገባብ ትግባረ ምንቕቓሕ የድሊ” እንክብሉ ኣብ መልእኽቶም ተላብዮም፡ “ዕዮታትኩም ኣብ ኣልባብ ኣሕዋትናን ኣሕዋትናን ደቂ እግዚኣብሔር ከም ምዃና መጠን ኵሉ ዝካፈሎ ነንሓድሕዳዊ ሓላፍነት ክስምዓና ኣብ ምግባርን ናይቲ ንሱ ናይ ዝጸገወና ተፈጥሮ ቅኑዕ ኣመሓደርቲ ንምዃን ንዝተሓደሰ ጻዕሪ ግደ ዘለዎ ይዅን እንክብሉ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 October 2020, 11:23