ንሊባኖስ ምድሓን ንዓለም ሓደ ልዑል ሓላፍነት እዩ ንሊባኖስ ምድሓን ንዓለም ሓደ ልዑል ሓላፍነት እዩ 

ንሊባኖስ ምድሓን ንዓለም ሓደ ልዑል ሓላፍነት እዩ

ቅዱስ ኣቦና “ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሊባኖስ” ዕለት 4 መስከረም 2020 ዓ.ም.

ድሕሪ እቲ ኣብ ኣፍደገ በይሩት ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ ኣብታ ሃገር እትርከብ ዞባዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ ዕለት 4 መስከረም “ንሊባኖስ ኵላዊ ናይ ጸሎትን ጾምን መዓልቲ” ብሓባር ኣብ ዙሪያ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልኡኽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብሑባሬ ከምእንተነብሮ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣብ ኣንጽዮኪያ ብጹዕ ካርዲናል በቻራ ራይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘበገስዎ መዓልቲ ጸሎት ንሊባኖስ ነቲ ኣብ 1989 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ሊባኖስ ንዓለም ዘለዎ ዓቢይ ኣገዳስነት ምድሓን” እንክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘዘኻኽር እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብትኽክል ልክዕ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ሓደ ወደብ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ በይሩት ኣዕኒዩዋን 220 ንሞት 6 ሺሕ ንማህሰይትን 300 ሺሕ ንምዝብልናን ሓደጋ ከምዘቃልዔን ቅዱስ ኣቦና “ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሊባኖስ” ዕለት 4 መስከረም ክፍጸም ዕለት 2 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ከምዝኣወጁን ኣብታ ሃገር ነዚ መደብ እዚ ብሓባር ምስ ሊባኖሳውያን ከፍጽሙ ልኡኾም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ቅርበት ር.ሊ. ጳጳሳትን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ንኽምስክሩ ኣብ በይሩት ከምእተረኽቡ ገሊጾም፡ ኣብዚ መደብ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሊባኖስ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከከም ስርዓተንን ባህለንን ክሳተፋ እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩን እዚ ጻውዒት እዚ ብኹለን ሃይማኖታት እውን ከም እተቓልሔን ሓቢሮም፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበለዎ፥ “ምእንቲ ድማዕ ንበይሩት ምባል ብሓፈሻኡ ንዓለምን ናይ ብዙሕነት ኣብነት ንምብራቕን ከምኡ እውን ንምዕራብ ዓለም ከምዝኾነት ምምስካር ይኸውን” እንክብሉ ከምዝገለጽዋ ካርዲናል ራይ ይዝክሩ።

ኩሎም ሊባኖሳውያን ትስፉዋት ክኾኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይምዕዱ፥ ነዚ ዝዘከሩ ካርዲናል ራይ ኣስዒቦም፥ ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ምእንቲ ሊባኖስ ብቐጥታ ከምዝሓበርዎምን ንመላእ ሕዝቢ ሊባኖስ ዓቢይ ናይ ሓጐስ ምኽንያት ኮይኑን እታ ኣብ ሊባኖስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሰላም እተቕርቦ ጸሎት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኣብ ኩሉ ክቃላሕን ኵላውነት መልክዕ ክህልዎን ገይሩ እዩ። ሰላም ዘተን መራኸቢ ድልድ ሕንጸትን ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከይተሓለሉን ዘቕርብዎ ጻውዒት እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 7 መስከረም 1989 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ንዝርከቡ ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎምን ኣብ መልእኽቶም እውን ምእንቲ ሊባኖስ ሓንቲ መዓልቲ ጸሎት ከውከፍን ሓቲቶም፥ ሊባኖስ ካብ ሓደ ተራ ሃገር ክንየው እትውክል እያ ዝብል መግለጺኣ ዓሚዩቕ ሓቅነት ዘለዎ እዩ፥ ናይ ሓድነት ሃገር እያ፡ ናይ ብዙሕነት ኣብነት ንምብራቕን ከምኡ እውን ንምዕራብ ዓለም፡ ንናይታ ሃገር ድማዕ ከምኡ እውን ንናይ ዓለም እዚ ውህሉል ክብሪ’ዚ ክበርስ ኣይንፈቕድን! ናይ ብዙሕነት ኣብነት ዝኾነት ሃገር! ጥፍኣታ ክስራን ንኹሉ ሕውየታ ድማ ናይ ኩሉ ሕጹጽን ሉዑልን ክብሪ ስለ ዝኾነ እዋናዊ ዓለም ምእንቲ ሊባኖስ ሓላፍነቱ ተኣሚኑ ከኽብሮ ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ናቶም ገይሮም ዕለት 4 መስከረም መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሊባኖስ ብዝብል ኣዋጅ ኣቃሊሖምዎ ኢሎም።

ካብ በይሩት 20 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ናይ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያን ዘሊባኖስ ወዘሃሪሳን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ክሃሊል ኣልዋን ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅድም ቀዳድም ቅዱስ ኣቦና ንዕለት ኣርባዕተ መስከረም ዝጠለብዎን (ዝተፈጸመ) ኵላዊ መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ምእንቲ ሊባኖስ፡ ሊባኖስን ሕዝባን ንበይኖምን ኣብ በይናውነትን ከምዘይተጠንጠኑ ዝምስክርን ጽምዋ ከይስምዖን ዝድግፍ እዩ፥ ብፍላይ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ መዓልቲ እውን ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ምእንቲ ሊባኖስ ኵላዊ ኮይኑ እዩ ኢሎም።

ንሊባኖስ ምድሓን ንዓለም ሓደ ልዑል ሓላፍነት እዩ
04 September 2020, 17:25