ባህርያዊ ሃብቲ ዓለምና ብዘይ ኣገባብ ከይገሓጥ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ወርሒ መጸ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ስለ ፍሉይ ጉዳይ ከምዝጽልዩን መላእ ዓለም ከኣ ምሳኦም ኣብ ሓሳብ ጸሎቶም ክሰምርን ብዝብል መደብ `ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ’ ዝብል ኣርእስቲ ተዋሂብዎ ናብ ምሉእ ዓለም ይዝርጋሕ። ንወርሒ መስከረም ዝኸውን ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ከኣ ስለ ክንክን ተፈጥሮ ክንጽሊ ምናዳ እቲ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዝዓይነቱ ምግሓጥ ትሕዝቶ ተፈጥሮ ናብ ክንከፍሎ ዘይንኽእል ኤኮሎጂካዊ ዕዳ ከይእትወና ዘለዎም ሻቅሎት ይገልጹ። እቲ ግቡእ ኣጠቃቅማ ትሕዝቶ ዓለምና ክኸውን ዘለዎ ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ ንተፈጥሮ እናተኸናኸንካ ክግበር ንኩልና ከኣ ብማዕረ ከምዝብጽሓና ክስቈረና ንጸሊ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ዝሻቀሉሉ ቀንዲ ምኽንያት ሃብትን ትሕዝቶን ዓለምን ብህርፋን ብዝዓወሩ ቊሩባት ሰባት ከም ምጽማቊ ሓንቲ ብርቱዃን ክሳብ መጨረሽታ ነጥቢ ምጽማቊ ሓደገኛነቱ ከቢድ ከምዝኾነ ይገልጹ። ነታ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዝጸሓፍዋ ላውዳቶ ሲ ስቡሕ ወውዱስ ኣንተ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ስዒባ ዓመት መጸ ካብ ባሕቲ መስከረም ዕለት 4 ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ ስለ ተፈጥሮ ንክጽለ ዓለም ለኸ ዕለተ ጸሎት ንምንክብኻብ ተፈጥሮ ብምውሳኑ ንሎምዘመን እውን ምዝካር ጥራይ ዘይኮነ ብዘይ ምጥንቃቅና ክስዕብ ንዝኽእል ኤኮሎጂካዊ ሰፍ ዘይብል ዕዳ ኣብ ግምት ብምእታው ስለ እዛ ናይ ሓባር ገዛና ኢሎም ዝገለጽዋ ዓለምና ማለት ከቢቡና ዘሎ ተፈጥሮ ክንጽሊ ኣዘኻኺሮም።   

ነዚ ወርሒ መጸ ዝመሓላለፍ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ተቀቢሉ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝዝርግሕ ዓለምለኸ መርበብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ብቪድዮ ቀሪጹ ናብ መላእ ዓለም ይዝርግሖ። እቲ ዘሎ ሓቂ እንክገልጹ ከኣ ‘ናይ ሰሜን ንፍቀ ክበብ ዓለምና ሃገራትን ኣውፈርቲ ርእሰ ማልን ናይ ደቡባዊ ንፍቀ ክበብ ዓለምና ሃብቲ ግሒጦም ስለዝገበትዎ ንደቡባዊ ንፍቀ ክበብ ዓለምና ኣብ ትሕቲ ሰፍ ዘይብል ኤኮሎጂካዊ ዕዳ ከምዝሸመሞ ንዘክር’ ኢሎም።

ትሕዝቶን ሃብትን ዓለምና ናብ ኩልና ይባጻሕ!

ቅዱስነቶም ናብቲ ዝጠቀስዎ ዕዳ ምልስ ይብሉ እሞ `ነዚ ዕዳ እዚ ዝኸፍሉ መን እዩ? ኢሎም ይሓቱ። እዚ ዕዳ እዚ ኩልና ከም እንፈልጦን እንዕዘቦን ብሰንኪ ምዝመዛ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ድኻታት ሃገራት ብኣህጉራውያን ኣውፈርቲ ርእሰ ማል ዝግበር ኰይኑ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ፣ ድሕሪ ቢሎም እቲ ዘሕዝን ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ እቲ ዘሕዝን ቀንዲ ጉዳይ ኣብተን ድኻታት ሃገራት ነዚ ባህርያዊ ሃብቲ እዚ ክተውጽእን ክትጥቅመን ብሕጊ ክልኩል ክነሱ እዞም ርእሰ ማላውያውን ግን ምንም ከይሓደጉ ኣገባብ ብዘለዎን ኣገባብ ብዘይብሉን ግሒጦም ይወስድዎ እተን ድኻታት ሃገራት ከኣ ካብ ድኽነት ናብ ድኽነት ካብ ዕዳ ናብ ዕዳ ክሰጋገራ ይነብራ ኢሎም። እዚ ብሓቂ ኢፍትሓዊ ተግባር ኰይኑ ፍትሒ ጐደለ ድኻ ተበደለ ኢልካ ንክትግዕር ከምዝደፋፍእ ከምዚ ክብሉ ገሊጾሞ።

ወዓል ሕደር ንጽባሕ ዝበሃል ጉዳይ ኣይኮነን ሎሚ ክንክብ ተፈጥሮና ብሓላፍነት ክንለብስ ኣሎና። ባህርያዊ ትሕዝቶ ዓለምና ብገሊኦም ንከይግበቱ እንታይ ደኣ ብማዕርነትን ብክብረትን ንኩልና ንክባጻሕ ንጸሊ። ገቢትካ ምግፋጥ ኣይፋል ብማዕርነት ምክፍፋል ሓራይ ኢሎም።

ዘይምዕሩይ ኩነታት ዓለምና!

ነዚ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ዘጋውሕ መርበብ ዓለም ለኸ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ኣብ ጸብጻባት ዓለምና ተመልኪቱ ከምዘረጋገጾ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ጸሓይ ኣብ እትዓርበሉ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝኸውን ሕዝቢ ዓለምና ምንም ከይበልዔ ብጥምዩ ይግምሰስ እዚ ከኣ ንኩልና ዚኣክል ዚብላዕ ተሳኢኑ ኣይኮነን እንታይ ደኣ በቲ ዘሎ ዓሚቊ ዘይምዕሩይ ኩነታት ዓለምና እዩ። እዚ ዘይምዕሩይነት እዚ ዝብላዕ ኣብ ምፍራይን ናብ ኩሉ ኣብ ምብጻሕን እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ሥልጣን ኣውፈርቲ ርእሰ ማል ንመኽሰቦም ጥራይ ስለ ዘወግን ብዛዕባ ተፈጥሮን ኣከባብን ብከላኡን ምንም ከይዓጠጦም ስለዝሰርሑ ካብ ቅልውላው ክሊማ ክሳብ ዘይምዕሩይ ግበታ ባህርያዊ ሃብቲ ዓለምና ብምብጻሕ እቶም ድኻታት ዝሰርሑ ሰሪሖም ነዛ ዕለታዊ ቊራስ እንጌራ እኳ ክረኽቡ ይኽእሉ የለውን። እቲ ዘሕዝን ከኣ ግዳይ ናይዚ ግበታ እዚ ሓረስቶት ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን እዩ። ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ ‘ነቶም ክትክኡ ዘይክእሉ ባህርያውያን ሃብታት ዓለምና ምግባትን ግሒጥካ ምውሳድን ምናዳ ከም በዓል ነዳዲ ጋዝ ማዕድናትን ዕንጸይትን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቅታት ውግእን ዓመጽን ናይ ብዙሓት ክፍልታት ዓለምና ኰይኑ ንረኽቦ` ይብል።

ገዓር ተፈጥሮን ፍጡርን!

ንተደጋጋሚ ጻውዒት ር.ሊ.ጳ ብዛዕባ ፍወሳን ምክንኻንን ተፈጥሮስ ይኹን ባህርያዊ ሃብታታ ብምዕሩይን ሓላፍነታውን መንገዲ ንምክፋል ዝተፈላለየ ዘይመንግሥታውያን ትካላት ተበግሶታት ወሲደን። ንኣብነት ዚኣክል ጋስሙሃ ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ኣብ ሃገረ ሃይቲ ንናኣሽቱ ማሕበረሰባት ሓባራዊ መደባት ምዕባሌ ብምስንዳው ይነጥፍ። ሓላፊ መርበብ ዓለም ለኸ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖ ንዘሎና ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ግምት ብምእታው ‘ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ከም ሎሚ ንገዓር ተፈጥሮን ፍጡርን ጽን ኢልና ክንሰምዕ እሞ ግላዊ መነባብሮናስ ይኹን ማሕበራዊ ሕይወትና ቅርጥውን ምድግጋፍ ዝመልኦን ይኹን በዚ ሓባራዊ ምዕባለ ተፈጥሮ ክንገብሮ ንኽእል። እዚ ጒዕዞ ለውጢ ስለዘኸትል ስለ እዚ ጉዳይ እዚ እውን ንጸሊ እንክብሉ ሓሳቦም ኣካፊሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
01 September 2020, 12:35