ፍራንቸስኮ፥ ዋላ’ኳ ውግእ ይሃልው ናይ መንእሰያት ሕንጸት ናይ ምርካብ መሰል ክኽበር

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ነዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ዝፍጸም መጥቃዕትን ዕጡቓት ሓይልን ወተሃደራትን ኣባይቲ ትምህርቲ ነቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸት መሰልን ክብርን ግሂሶም ንናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ መዓላ ዝፍጽምዎ ተግባራት ንኹንን

ውግእን ዓመጽን ግብረ ሽበራን እውን ይሃልው ናይ ሕጻናት ትምህርቲ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰል ክኽበር ከምዘለዎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቁዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምእተላበዉን እዚ ኸኣ ዕለት 9 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ክብሪ ምኽባር ናይ ሕንጸት መሰል ምዃኑ ብምዝኽኻር ከምዝኾነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ኣብቅዑ ነቶም ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳተፉ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዶ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ሰላምታ ኣቕሪቦም ዕለት 9 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣኽብሮት ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ብምዃኑ ኣብተን ውግእን ዓመጽን ግብረ ሽበራን ኣብ ዝረኣየለን ሃገራት እውን ይኹን እዚ መሰል’ዚ ክኽበርን ሕንጸት ኣብ ሕንጸት ሃገርን ሕብረተሰብን ልዑል ግደ ከምዘለዎ፥

ብውግእን ብዓመጽን ግብረ ሽበራን ምኽንያት ምእንቲ እቶም ሕንጸት ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተነፍጐ ሕጻናት ንጸልይ! ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እቲ ሕጻናትን መንእሰያትን ዝመሃርሉን ዝዕቆቡሉን ኣባይቲ ትምህርቲ ክኽበር ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር እላበው፡ ብፍላይ ኣብቲ ሕጹጽ ኩነት ሰብኣዊ ኣብ ዝረኣየሉ ስፍራ እውን ንሕንጸቶም ውሑስ ሕንጻ ክህልዎም ዝግበር ጻዕሪ ከይጐድል ሓደራ!

እንክብሉ ከምዘዘኻኸሩ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ነዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ዝፍጸም መጥቃዕትን ዕጡቓት ሓይልን ወተሃደራትን ኣባይቲ ትምህርቲ ነቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸት መሰልን ክብርን ግሂሶም ንናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ መዓላ ዝፍጽምዎ ተግባራት ንኹንን ብዝብል ቅዉም ነገር ክዝከር ከምዝገበረን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት፥ በቲ ዘሎ ለብዒ ኾሮና ተህዋስን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝፍጸም መጥቓዕን ዓመጽን ንዝኸፍአ ሓደጋ ዝቃልዑ ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት ሰብኣዊ መሰሎም ክብሮም ክኽበረሎም ጻውዒት ብምቕራብ ዓመጽን ውግእን ናይ ብዙሓት ብሚሊዮናት ናይ ዝቑጸሩ መንእሰያት ሕልሚ ዘዕንው እዩ ከምዝበለ ኣፍሊጠን።

ኣብ ሳሄል ምዕጻው ኣባይቲ ትምህርቲ

ኣብ ከባቢ ሳሄል ከም ኣብነት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብቲ ዕጡቓት ሓይሊ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ከይተረፈ ዝፍጽምዎ መጥቓዕቲ ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ትምህርቲ ኣቛሪጾም ንኽስደዱን ክመዛበሉን ከምእተገዱን ኣብ 2019 ዓ.ም. ልዕሊ 2,300 ኣባይቲ ትምህርቲ ምእተዓጸወን 650 ሺሕ ሕጻናትን ብዘይ ኣባይቲ ትምህርቲ ከምዝተረፉን 16 ሺሕ መምሃራን ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝኾኑን ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮ ሕጻናት ሓቢሩ፡ ካብ 2017 ዓ.ም. ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ኒጀርን ብምኽንያት ዓመጽ ኣባይቲ ትምህርቲ ከምእተዓጸወን፡ ኣብ ቡርኪና ፋሶ 2,500 ኣባይቲ ትምህርቲ ብምኽንያት ዓመጽን ውጥረትን ተዓጽዩ 350 ሺሕ ሕጽናት ሕንጸት ናይ ምርካብ መሰሎም ከምእተሰናኸለን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከምዝሓበረ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ሕጋዊ ሓለዋ ንሕጻናት ይገሃስ ኣሎ

ብዙሓት ሕጻናት ኣብ ውትድራ ዓለም እናእተኻ ነቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕጻናት ሕጋዊ ሓለዋ መሰሎም ብምግሃስ ተተሓሒዙ እውን ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰሎም እናተጋህሰ ንስራሕ ዓለም ዝዳጎኑ ሕጻናት እውን ማእለያ ከምዘይብሎምን ብሓፈሻኡ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውዕሊ ጀነቭ ክገሃስ ይረአይ ከምዘሎን እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም እውን ዝረኣይ ከምዝኾነ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ዝፈነዎ ሓበሬታ ዝተወከሳ ማሶቲ ይሕብራ።

10 September 2020, 10:45