ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ በይሩት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ በይሩት 

ር.ሊ.ጳ.፥ እግዚኣብሔር ንሊባኖስ ናይ ሰላም መደብ ኣለዎ

“ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር” (ኤር። 29. 11 ረኣ) ብዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ መልእኽቶም ኣስበጊሶም

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ወኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ቡጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናብ በይሩት ዕለት 4 መስከረም መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሊባኖስ ክኸውን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስነቶም ዝኣወጅዎ ዕለት ምኽንያት ኣብ በይሩት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብቲ ናይ ጸሎትን ጾምን መደብ ከምዝሓበሩን ከምቲ ዝሓበርዎ ነቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት መሪሖምን መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስነቶም፥ “ኦ ጐይታ፡ ሊባኖስ መልእኽቲ ሰላምን ሕውነትን ዝብል ጸዋዕታኣ ክትክውኖ መታን ነኣኻ ነወክፋ” ዝብል ዘመሓላለፍዎ ጸሎት ኣብቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ከምእተነበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቅዱስነቶም ብምኽንያት መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ናብ ሊባኖስ ናይ ዘመሓላለፍዎ ሓጺርን ጽዑቕን መልእኽቲ ድምጺ ኮይኖም ሊባኖስ ብእግዚኣብሔር ዝተፈቕረትን ዝተሓረየትን ሎሚ እውን ኣብ ታሪኻ ኣዚዩ ጽንኩር ዝኾነ ከቢድ እዋን ተሕልፍ ኣላ ከምዝበሉ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፥

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ

“ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር” (ኤር። 29. 11 ረኣ) ብዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ መልእኽቶም ኣስበጊሶም፡ ህልውን ዝሓለፈን ብህዝቢ  ሊባኖሳውያን ዝተነብረን ዝነበርን ዘሎ ኵነት ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ዝጻረር እዩ ዝመስል፡ ይዅን ደኣ እምበር ሕዝቢ ሊባኖስ ንናይ እግዚኣብሔር ተኣማንነት እሙናት ክኾኑ ተላብዮም፡ “ጐይታ ከም ቃልካ ምዃንካ ንኣምን ኢና፡ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ቀቢጸ ተስፋን ውርደትን ኣብ ዘለሉ ተስፋ ኣባኻ ንገብር” ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ሊባኖስ ንብሩህ መጻኢ ሰላም ንእግዚኣብሔር ነወክፍ

መልእኽቲ ቅዱስነቶም ብጸሎት ምስጋናን ልመናን - ምህለላን መልክዕ ዝተመሓላለፈ ክኸውን እንከሎ፥ “ብናይ ብዙሓት ዝገልጽዎ ምትሕብባር ኣቢልካ ንእትገልጸልና ፍቕርኻ ኦ ጐይታ ነመስግነካ፡ ሃገርና ሊባኖስን ሕዝባን መንፈሳውን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መንእሰያታን እቲ ናይ ሰላምን ሕውነትን መልእኽተይና ጸዋዕታኦም ክኽውንዎ መታን ንኣኻ ነወክፎም፡ ኣሜን”።

ምብጻሕ ፓሮሊን ኣብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ማሮናዊ ቤተ ክርስቲያን

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ዕለት 2 መስከረም 2020 ዓ.ም. ዝበልዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ በይሩት ዕለት 4 መስከረም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ኣብቲ ኵላዊ መዓልቲ  ጸሎት ምእንቲ ሊባኖስ ከምዝሓበሩን ናብታ ዕለት 4 ነሓሰ ኣብ በይሩት ኣብ ዝርከብ ወደብ ዝተኸስተ ባርዕ ምኽንያት ዝዓነወ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ምባሕ ከምዘካየዱን፥ ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበት ንኽምስክርን ንኸረጋግጸልኵምን ኣብዛ ታሪኻዊት ከተማኹም እርከብ፡ ኣብ ጐድንኹም ተረኺበ ብሓባር ኩላትና ‘ይኣክል’ ስቓይ የብቅዕ ኣመተና ከነንጽሕን ብሓባር ኣብ ሰላምን ክብርን ንኽንነብር ቁርጺ ውሳኔና ኣጽንዕ፥ ብሓባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረታዊ ግዴታንናን ኣብ  ምኽባርን ዝጸንዔ ንኹሉ ዜጋ ዝሓቁፍ ባህሊ ብምንቕቓሕ ዓመጽን ዝኾነ ይኹን ስርዓት መላኽነትን ንብድህ ነዚ ዝድግፍ ዝበለጸ መንግስታዊ ምሕደራ የድሊ ከምዝበሉ ማሶቲ ሓቢረን።

መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ ሃሪሳ

ሊባኖሳውያን ብሓገዝ ፈተውትን በቲ ወትሩ ብፍሉይ መግለጺኡ ብዝኾነ ብመንፈስ ምርድዳእን ዘተን ናይ ሓባር ናብራን ሃገሮም ዳግም ክሓንጹ እዮም” ነዚ ዝበሉ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ቅድስተ ማርያም ዘሊብኖስ ቤተ መቕደስ ዘሃሪሳ ዕለት 4 መስከረም ንመዓልቲ ጾምን ጸሎትን ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፥ ናይ ሊባኖሳውያን ጽንዓትን ኣብ ታሪኾም ኣብ ዘጋጥሞም ከቢድ ጸገምን ዳግም ምትንሳእ ክኡል ምዃኑ ዘረጋገጸ እዩ። ሕጂ እውን እቲ ዘለዎ ብቕዓት ዳግም ከምዝምስክሮ ርጉጽ እዩ፡ ናይ ሊባኖስ ዳግማይ ሕንጸት ግኡዛዊ ጥራሕ ኣይኮነን፡ በይሩት “ኣደ ስርዓትን ሕግን ካብቲ እንርእዮ ዘሎና ሓሙኹሽቲ ብሓድሽ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ምሕደራ መቓርባ ኣቢላ ክትንስእን ዳግም ክትውለድ እያ” ቢሎም ኩላትና ማሕብረሰብ ሊባኖስ ኣብ መሰልን ክብርን ግቡእነትን ግልጽነትን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ምግልጋል ንናይ ሓባር ጥቕምን ዝጸንዔ ከምዝኸውን ኣብ ልብና ተስፋ ነሕድር ከምዝበሉ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ.፥ እግዚኣብሔር ንሊባኖስ ናይ ሰላም መደብ ኣለዎ
05 September 2020, 21:02