ፍራንቸስኮ፥ መድሃኒት ብዘይ ኣድልዎ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሉ ፍራንቸስኮ፥ መድሃኒት ብዘይ ኣድልዎ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሉ 

ፍራንቸስኮ፥ መድሃኒት ብዘይ ኣድልዎ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሉ

ኣብ ገለ ገለ እዋን ገንዘብ ስለ ዘይብልካ ሕክምና ንዘይምርካብ ስግኣት ትቃላዕ፡ ገለ ገለ ሃገራት እውን ዘድልይ መድሃኒት ናይ ምርካብ ዕድል ዘይብለን ኮይነን ይርኣያ፡ ካብ ተጠቃምነት መድሃኒት ዝንጸሉ እውን ኣለዉ፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናይ መድሃኒት ባንኪ ቤት ወለንተይናታትን የዕሩኽን ብጠቕላላ 200 ኣባላት ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ እዚ ርክብዚ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ቅዋሜ እቲ ማሕበር ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ማሕበር’ዚ ቅድሚ 20 ዓመት ንድኻታት መድሃኒት ንምብጻሕ ብዝብል ዕላማ ዝቖመ ኮይኑ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዓውሎማዊ ክኸውን መድሃኒት ንዅሉ ክባጻሕን መድሕን ሕይወት ዝኾኑ መድሃኒት ንውሱን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይኮነ ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ዝበጽሕ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጐ ሃገራትን ሕዝብታት ኢፍትሓውነት ዝፈጥሩ ዝተፈላለዩ ናይ ምንጻል ተግባራት ኣለዉ፡ እቲ ሓደ ኸኣ መድሃኒት ዘይምርካብ ዝብል ካብ መድሃኒት ምጥቓም ዝንጸል ምዃኑ ጠቒሶም፥

ኣብ ገለ ገለ እዋን ገንዘብ ስለ ዘይብልካ ሕክምና ንዘይምርካብ ስግኣት ትቃላዕ፡ ገለ ገለ ሃገራት እውን ዘድልይ መድሃኒት ናይ ምርካብ ዕድል ዘይብለን ኮይነን ይርኣያ፡ ካብ ተጠቃምነት መድሃኒት ዝንጸሉ እውን ኣለዉ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ሃገራትን ዓቢይ ጋግ ዝፈጥር እዩ፡ ብስነ ምግባር መሰረት ሓደ ሕማም ዝፍውስ መድሃኒት እንተድኣ ኣሎ፥ እዚ መድሃኒት እዚ ናይ ምርካብ ዕድል ናይ ኩሉ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እንተዘይኮነ ኢፍትሓውነት እዩ ዝኸውን፡ ብዙሓት ዜጋታት ብዙሓት ሕጻናት ኣብ ዓለም ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዝርከብ መድሃኒት ክረኽቡ ስለ ዘይክእሉ ጥራሕ ክሓውዩ ብዝኽእሉ ዝተፈላለየ ሕማም ተጠቒዖም ክሞቱ ይረአይ፡

ሓቛፊ ክንክን ጥዕና

ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ስነ ቀመማ መድሃኒትን ኵሉ ንዓውሎማዊ ርግኣት ዘውህብ ጻዕሪ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥

ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት ክሳብ ክንደይ ሓደገይና ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፡ ዓውሎማዊ ሸለልንትነት፥ ክንክን ጥዕና ዓውሎማዊ ንኽትገብሩ እላበወኩም፡ እዚ ኸኣ እቲ ንብዙሓት ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከናግፍ ዝኽእል መድሃኒት ብኹሉ ተበጻሒ ኽኸውን ግበሩ እብል፡ እዚ ንምግባር ናይ ሓባር ጻዕሪ ይሓትት፡ ንኹሉ ዘዋስእ ኣብ ሓደ ሓሳብ ምጥማር የድሊ፡ ንስኻትኩም ናይዚ ኣብነት ኢኻትኩም!

ከምዝበሉ ዝሓበራ ካምፓኒለ ኣስዕበን፥

ናይ ኩሉ ጻዕሪ

ቅዱስነቶም ኣስዕቦም እውን ስነ ምርምርን ተመራማርያንን ዘሳልጥዎ ዕዮን ጻስዕርታቶም እውን ዝድነቕ እዩ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ መጽናዕትን ሰብኣዊ ፍልጠትን ብልሓትን ሰብኣዊ ፍጥረት ክዓብይ ከምዝኽእል ዘረጋግጽ እዩ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ሕክምና ንኽንክን ጥዕናን ዘሕውዩ መገድታት ናይ ምርካብ ኣኽእሎት ከምዘሎ ዘመላኽት ምዃኑ ገሊጾም፡ መድሃኒት ዘምርትን ዘባጽሕን ኩሎም ከከም ሓላፍነቶምን መደብ ዕዮኦምን ብቕዓቶምን ነገልግሎትን ንጥቓውነትን ንኻልእ ቀረባ ንምዃን ዘመስርቕ ክኸውን ከምዘለዎ ክምዕዱ እንከለዉ፥

መድሃኒት ዘምርታ ትካላትን ናይ ስነ ምርምር ድላይን ነቲ ናይ ምህርቲ ኪደት እውን ዝምስርቑን መድሃኒት ንኩሉ ብፍትሓዊ ኣገባብ ንኽባጻሕ ብዝብል ኣብ ለጋስነት ኪደት እያቶም ክወዳደሩ ዘለዎም፡ ናይ ስነ መድሃኒት ቅመማ ኣካላት ንድኻታትን ኣብ ሕሱም መነባብሮ ንዝርከቡን ኣብ ክንክን ጥዕና ንምግልጋልን ቀረባ ንምዃንን ብስነ ምርምርን ብሕልናን ነቶም ንኣኣቶም ዝውከሱን ንኵለንተናዊ ሰናይነት ዝዓዩ ክኾኑ ይግባእ!

ልክዕ ከም ናይ ሓደ ሰንሰለት ቀለበት፥ ነፍሲ ወከፍ ቀለበት ኣገዳሲ እዩ፡ መንግስታት ቅኑዕ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ዝተጸውዑ እያትም፥ መድሃኒት ናይ ዘይምርካብ ድኽነት ኣብ ምውጋድ ዝዓዩ ንኽኾኑ ጽውዓት እያቶም፡ . . . ድኻታት ኣብ ገዛእ ርእሶም  ከይሕደጉ መታን።

ለብዕን መድሃኒት ናይ ዘይምርካብ ድኽነትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ እዋናዊ ለብዒ ተመክሮ ንኻልእ ድኽነት ዝድርኽ ዓቢይ ቅልውላው ኤኮኖሚ ብፍላይ ከኣ “ናይ መድሃኒት ድኽነት” ከምዘስዓበን እዚ ንገዛእ ርእሱ ንዓቢይ ጸገም ከምዝዳረገን፥

ዕዮ ንግብረ ሰናይ ነገልግሎት ክንክን ጥዕና ክነቓቓሕን ነቲ ናይ መድሃኒት ድኽነት ምውጋእ፡ እዚ ኸኣ ካብቲ ሓደስቲ ናይ ክትባት መድሃኒት ናብ መላእ ዓለም ምስፋሕ ካብ ዝብል ውሳኔ ብምብጋስ ካብ ምውጋኡ ቐዳምነት ንሃብታማት ወይ ከኣ እቲ ናይ ክትባት መድሃኒት ኣክንዲ ንዅሉ ናይቲ ወይ ናይዚ ወይ ውን ናይ ሓደ ሃገር ናይ ግሊ ንብረት ክኸውን ምግባር ብሓቂ ዘሕዝንን ዘጉህይን እዩ ዝኸውን፡

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ወንጌላዊ ፍኖት

ንዅሎም ነቶም ኣብቲ ርክብ ንዝተሳተፉ ምእንቲ ድኻታት ዘካይድዎ ዕዮ ኣመስጊኖም እቲ ናይ መድሃኒት ባንኪ ቤት ዘለዎ ልዑል ክብሪ ብፍላይ ከኣ፥

መዓልቲ ምእካብ መድሃኒት ዝብል ዘነቓቕሕዎ መደብ ልግሲ ዓቢይ ኣብነትን ሰናይ ኩሉ ምክፋልን ሕብረተሰብ ብሉጽ ዝገብርን ነቲ ወንጌል ዝሓትተና ንብጻይ ብፍቕሪ ቀረባውነት ምዃን ዝብል ክብሪ ብግብሪ ዝምስክር እዩ፡

ኣብዚ ንእትርከቡን ንኣባይቲ ስድራ ቤትኩምን እባርኽ፡ እግዚኣብሔር ንዅላትኩም ክባርኽ እምሕጸን፡ ከምቲ ናይዚ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣቦ መንበር ዝበልዎ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጻእኹም ኢኻትኩም፡ እግዚኣብሔር ኣቦ ዅሉ ንዅላትኩምን ኣባይቲ ስድራዅምን ዕዮኹም ልግስናኹምን ክባርኽ እምሕጸን

ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕድን ከምዘጠቓለሉ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ፍራንቸስኮ፥ መድሃኒት ብዘይ ኣድልዎ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሉ
21 September 2020, 17:02