ር.ሊ.ጳ.፥ ብዘይ ማዕርነት ማሓድሮ ዘይሕሰብ ይኸውን ር.ሊ.ጳ.፥ ብዘይ ማዕርነት ማሓድሮ ዘይሕሰብ ይኸውን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ብዘይ ማዕርነት ማሓድሮ ዘይሕሰብ ይኸውን

ተፈጥሮ ዘይምክንኻን ማሕበረሰብኣዊ ኢማዕርነትን ንሓድ ሕዶም ተጸላለውቲ ከምዝኾነኑን እዚ ኸኣ ብዘይ ማዕርነት ስነ ማሓድሮ ክህሉ ዘይሕሰብ” እዩ

እቲ ዝኽበና ተፈጥሮ ሎሚ ዝምዝመዝ እምበር ዘይፍቀር ኮይኑ ኣሎ፡ ዝብል ሓሳብ ብሰፊሕ ዘብርህ ዕለት 12 መስከረም 2020 ዓ.ም. ንማሕበረሰብ ይሴባሕ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ ኣብዛ ምድሪ ዝነበር ሓደኳ ሕሩም ከይኸውን መታን ንውልቅን ንተቕዋማትን፥ ከባቢ ኣብ ምክልኻል ጭቡጥ ውሳኔታት ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካርሊስ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብዘይ ማዕርነት ማሓድሮ ዘይሕሰብ ይኸውን
ር.ሊ.ጳ.፥ ብዘይ ማዕርነት ማሓድሮ ዘይሕሰብ ይኸውን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ጓሓፍነትን ምብኻንን ዝብል ከባብን ተቐማጢኣን ብዝጎድእ ባህሊ ምኽንያት ዝዕንቀፍ ዓይኒ ዘይብልካ ሃርጓፍ ኣህላኽነት ወይ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሰብን ናይታ እንነብረላን መሬት ጸገም ብሕጹጽ ንምውጋድ ዘብቅዖ ምርጫ ምኽዋን ዝብል ምርጫ ኣብ ቅድሜና ኣሎ፡ ልክዕ ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ነቲ ብጓሓሉ ተቐጥቒጡን ዝነበሮ ኩሉ ተዘሚቱን ዝተሓድገ ሰብ፡ ዘይፈልጦ እውን እንተነበረ ቀሪቡ ዘድልዮ ክንክን ዝገብረሉ፡ ከምኡ እውን ሰብኣዊ ፍጥረት ምኽንያት ዘየቕርብ ጠመተ ክህልዎ ይግባእ ከምዝበሉ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ደጋጊሞም እውን እቲ ኣብታ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዘብርህዎ “ኵለንተናዊ ማሓድሮ” የተሓሳስቡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብዘይ ማዕርነት ማሓድሮ ዘይሕሰብ ይኸውን
ር.ሊ.ጳ.፥ ብዘይ ማዕርነት ማሓድሮ ዘይሕሰብ ይኸውን

ንናይ ኵሉ ረብሓ ምዕያይ

ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ፡ ናይቲ ኣብ ኢጣሊያ ብናይ ሪየቲ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ፖምፒሊን ናይ ዝሑል መግቢ መስራቲ ናይ ስነ መግብን ስነ ማሕበረሰብኣውን ሊቅ ካርሎ ፐትሪንን ብናይ ሓባር ሚሳል ናይ ዘቖምዎ ናይ ማሕበረሰብ - ይሴባህ ኣባላት ተቐቦሎም፥ ተፈጥሮ ዘይምክንኻን ማሕበረሰብኣዊ ኢማዕርነትን ንሓድ ሕዶም ተጸላለውቲ ከምዝኾነኑን እዚ ኸኣ ብዘይ ማዕርነት ስነ ማሓድሮ ክህሉ ዘይሕሰብ” እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥

ናይቲ ናይ ከባቢ ኣየር ንብረት ዘዛብዕ ጠንቂ እናስሩ እንታይ ምዃኑ ንምልላይን ንምግጣምን ጭቡጥ ድላይ የድሊ! ቃላት ኮይኑ ዝተርፍ ሓፈሻዊ ጻዕሪ ወይ ከኣ ናይ መረጽትኻን ናይ ዝመርጹኻን ንርእሰማላውያን ዘተኮረ ቅጽበታዊ ስምምዕ ዘማእክለ ምርጫ ኣይኮነን ዘድሊ፡ ርሑቕ ዝጥምት መደብ እይተዘየለ ታሪኽ ይቕረ ኣይክበለናን እዩ፡ ሎሚ ምእንቲ ንናይ ኵሉ ጽባሕ ምዕያይ የድሊ፡ መንእሰያትን ድኻታትን ክጸባጸቡና እያቶም፡ እዚ እዩ ብድሆና፡ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ዳይትሪኽ ቦንሆኤፈር፥ ‘ብድሆና ደሓን ኣብዚ በጽሔ ኣለኹ ዝበሃሎ ዘይኮነ፡ እውነተይና ብድሆ ናይ መጻኢ ወለዶ ሕይወት ከመይ ኮን እዩ ዝኸውን ዝብል እዩ’፥ እንክብል ዝገለጾ ሃሳብ እጠቕስ፥ ስለዚህ እዚ እዩ እቲ እንሓስቦ ክኸው፥ ኣብ ሎሚ ጽባሕ እዩ!

ምስትንታን ተግባራዊ ምዃን ማለት እዩ

ከባቢ ብግቡእ ምፍቃር ዝብል ጥማቶ ክልተ መለለይ ጠባይ ኣለዎ፥ እቲ ቀዳማይ “ኣስተንትኖን ቡቕባቔን” ዝብል፥ . . . “እቲ ዝኸበንና ተፈጥሮ - ይብሉ ቅዱስነቶም - ኣክንዲ ዝድነቕ ይቡሕጎግ (. . .) ንጭቡጥ ኵነት ምምልካት ቅልጡፍን ኣዕናውን ጥምዓውን . . . ተፈጥሮን ዱርን ክበርስን ክነድድን”

ብኣህላኽነት ዝሓመምና . . . እዚ ሕማምና እዩ! ንሓድሽን ነቲ ዝተመህዘ እዋናዊ ናይ ኮምፑተር ምልክታ ንቀዳደም ናይ ጉረቤትና መጸውዕ ስም ዘይንፈልጥ፡ ሓደ ኦም ካብ ካልእ ኦም ዘይንፈልይ፡ በዚ እንነብሮ ዘሎና ኣገባብ ህይወት ኣንስርና እውን ነጥፍእ፡ ነቲ ዘሎን ነቲ ዝጸገወናን ሞሳ ዘይህልወና ንኸውን፡ ስለዚ ንዘይምርሳዕ ክከኣል ናብ ኣስተንትኖ ምምላስ የድሊ፡ ብኻልእ ጥቕሚ ብዘይብሎም ነገራት ንኸይንደናገር መታን፡ ልብና ገሃነም መታን ከይኸውን ደው እንብለሉን ጽሞና ክህልወና የድሊ!

እቲ ዝረኣይ ዘሎ ምዝባዕ ካባቢ ኣየር መንቀልታቱ ካብ ሱር መሰረት ንኽንገጥሞ ጭቡጥ ድላይ የድልይ፡ ቃላት ኮይኑ ዝተርፍ ሓፈሻዊ ጻስዕሪ ወይ ከኣ ናይ መረጽትኻን ወይ ውን ንርእሰማላውያን ዘተኮረ ቅጽበታዊ ስምምዓት ማእከል ዝገብር ምርጫ ኣይኮነን ዘድሊ፡ ርሑቕ ዝጥምት መደብ፡ እይተዘየሎ ታሪኽ ይቕረ ኣይክበለናን እዩ!

ካብ ዘይተገዳስነት ዝፍውስ ክትባት ርህራሀ እዩ

ናብ ተግባር ዘሰጋግር ኣስተንትኖ የድሊ፡ እቲ ብሃርጎፍጉፍ ተፈጥሮ ንኽብከል ዝገብር ድላይ ናብቲ ናይ ፈጣሪ ጽቡቕ ድልያ ምቕይር የድሊ፡ ዘስተንትን እምበር ኣእዳዉ ዘጣምር ኣይክኸውንን እዩ፡ ተግባራዊ እዩ ዝኸውን፡ ኣብዚ ርህራሀ ይመጽእ፡ ሰብኣዊ ኣረኣእያና ናብቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣረኣእያ ዝልውጥ፡ . . . ከም ዝተፈቕሩ ደቂ ዘዋስኣና፥ ምስ ካልእ ዘራኽበና፥

ርህራሀ ዝበለጸ ጸረ ለብዒ ዘይተገዳስነት ፍቱን ናይ ክትባት መድሃኒት እዩ፡ ‘ኣይምልከተንን እዩ፡ ንዓይ ዝርእይ ኣይኮነን፡ ቤቱ እምበር ቤተይ መዓዝ ኮይኑን’ ዝብል ምልክታ ሕማም ዘይተገዳስነት (. . .) ኣክንድኡ መሃዝን ክትግበር ዝኽእል ፍቕርን፡ ኣብ ቅድሚ ተለቪዥን ተቐሚጡ ርእይቶ ጥራሕ ዘቕርብ ኣይምልከተንን ካብ ዝብል ንስኻ ንዓይ ኣገዳሲ ኢኻ ናብ ዝብል ዘሰጋግር ‘ርህራሀ’፡ ርህራሀ ምርጫ እዩ፡ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ከም ጸላኢ ዘይምምልካት፡ እዚ እዩ እቲ ምርጫ ክኸውን ዘለዎ።

ምጉሓፍን ምብኻንን ይኣክል

ርህራሀ ዘለዎ - ይብሉ ቅዱስነቶም - ንኻልእ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምጉሓፍን ተጠቒምካ ምድርባይን ምብኻንን ዝነጽግ እዩ፡ ከምቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዝሓበሮም፥ ብዙሓት ኢንዳስትሪታት እቲ ንመግብነት ዘገልግል ናይ ንብዙሓት ድኻታት ክዕንግል ዝኽእል ንነዳዲ ብምጥቓም ዝባኽን ማእለያ ዘይብሉ ምዃኑ ዝሓበሮ ዘሕዝን ጸብጻብ ዓቢይ ዕንቅፋትን ነውረይና ተግባር እዩ፥

ንሓድ ሕድና ንደጋገፍ  ብሓባር እቲ ምጉሓፍን ተጠቒምካ ምድርባይን ምብኻን ዝብል ተግባር ንቃለሶ፡ ማዕርነትን ምዕባለን ዘጣመረ ፖለቲካዊ ምርጫ ክረጋገጽ ንሕተት፡ ምኽንያቱ ሓደ’ኳ ዝነብረሉን ንጹሕ ኣየር ዘስተንፍሰሉን ጽሩይ ማይን መግብን ዝረኽበሉን መሬት ዝሕረሞ መታን ከይህሉ!

እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብዘይ ማዕርነት ማሓድሮ ዘይሕሰብ ይኸውን
13 September 2020, 15:16