ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ኮሞ ዝተቐትሉ ካህን ናይ ፍቕሪ ሰማእት እንክብሉ ይገልጽዎም

ምእንቲ ኣባ ሮበርቶ ማልጀሲኒን ምእንቲ ኵሎም ነቶም ዝተነጸሉን ዝተሓረጉን ከም ውዳቕ - ጓሓፍ ንዝሕሰቡን ዘገልግሉ ብዙሓት ካህናትን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን ናይ ጽሞና ጸሎት ነዕርግ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 መስከረም 2020 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ዕለት 15 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ ኮሞ ናይ ኣእምሮ ጸገም ብዘለዎ ብአኦም ዝሕገዝ ብዝነበረ ስደተይና ዝተቐትሉ ኣባ ሮበርቶ ማልጀሲኒ ዘኪሮም ጸሎት ከምዘዕረጉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ሮበርቶ ማልጀሲኒ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኮሞ ናይ ማሕበረሰብ ብጹዕ ስካላብሪኒ ተሓባባሪ ብሓደ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ብኦኦም ብዝድገፍ ዝነበረ ስደተይና ከምእተቐትሉን ቅዱስነቶም ዘኪሮም ንነፍሰ ሄር ማልጅሲኒ ናይ ፍቕሪ መስካርን ሰማዕትን እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዝሓበሩ ልኡክ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ላ ቨላ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰበኻ ኮሞ ካህን ኣባ ሮበርቶ ማልጀሲኒ ዕለት 15 መስከረም 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብኢድ ሓገዝ ዘድልዮ ብኣኦም ብዝእለይ ናይ ኣእምሮ ጸገም ብዘለዎ ሰብ ዝተቐትሉ ክዝክር እፈትው፡ ኣብቲ ናይ ኣባይቲ ስድራኦምን ኣብ ናይ ኮማስካ ማሕበረሰብን ጸሎትን ሓዘንን እሓብር፡ ከምቲ ናይ ሰበኻ ኮሞ ጳጳስ ዝበልዎ ምእንቲ ምስክርነት እዚ ኸኣ ስለ ናይ ፍቕሪ ሰማእትነት ኣባ ማልጀሲኒ ንእግዚኣብሔር ቃል ምስጋና አቕርብ፡ ፍቕሪ ንድኻታት መስካሪ፡ ምእንቲ ኣባ ሮበርቶ ማልጀሲኒን ምእንቲ ኵሎም ነቶም ዝተነጸሉን ዝተሓረጉን ከም ውዳቕ - ጓሓፍ ንዝሕሰቡን ዘገልግሉ ብዙሓት ካህናትን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን ናይ ጽሞና ጸሎት ነዕርግ፡

ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ኮሞ ዝተቐትሉ ካህን ናይ ፍቕሪ ሰማእት እንክብሉ ይገልጽዎም
17 September 2020, 12:28