ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ተቓውሞ ዘበለ ኩሉ ሰላማዊ ይዅን፡ ናይ ዜጋታት ድምጺ ይሰማዕ

ወትሩ ኣብ ሕይወተይ ህያው ዝኾነ ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ምስ ናይ ኣተንስ ሊቀ ጳጳስ ሄሮኒሞስን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየድሉ ኣብ ለስቦ ዝርከብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ተቓውሞ ዘበለ ኩሉ ሰላማዊ ይዅን፡ ናይ ዜጋታት ድምጺ ይሰማዕ

ቅዱስ ኣቦናን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መስከረም 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ሞሪያ ዝርከብ ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ካብ ዝባደመ መእለይ ስደተይናታት ዝመዛበሉ ንዘለዉ ሚዛን ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ እንገዳ ክረኽቡን፥ ምእንቲ ቅድስቲ መሬት ዝግበር መደብ ምጽዋት ምእካብ ናይ ተስፋን ቅርበትን ነቶም ኣብ መሬት ኢየሱስ ንዝነብሩ ማሕበረ ክርስቲያን” ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ኣብ መላእ ኵርናዕ ዓለም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሕዝብታት ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓቢይ ስፍራ ኣለዎም፡ ቅዱስነቶም ዕለት 13 መስከረም 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ በርገሳዊ ሕዝቢ ኣብ ዓለም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረአይን እናዓበየን እናሰፈሔን ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን እቲ ዝረአይ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ምኽንያት ዘካይዶ ዘሎ ሕዝባዊ ናይ ተቓውሞ ናዕቢ እናሓሰቡን፥

እቶም ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ እቲ ከቕርብዎ ዝደልይዎ ሕቶ ናብ ኣጥቓዕን ዓመጽን ፈተና ከየዘንበሉ ብሰላማዊ ኣገባብ ከቕርብዎን እቶም ማሕበራዊ ሓላፍነት ዘለዎም ናይ ዜጋታቶም ድምጺ ጽን ክብሉን ነቲ ናይ ሕዝቦም ቅኑዕ ኣስተንፍሶ ብምሉእ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን በርገሳዊ ናጽነትን ብምኽባር ክምልከትዎን ምላሽ ክህብሉን እላበው!

ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ነቶም ኣብ ተመሳሳሊ ኩነት ማዕቅፍ ንዝርከቡ  ኤቅለስውያን ማሕበረሰብን ጓሶትን ምእንቲ ዘተን ዕርቅን ክዓይኑ ሓደራ ከምዝበሉ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ሚዛን ሰብኣዊ ክብረት ዘለዎ እንገዳ

 ቅዱስነቶም እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ንኸቢድ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ተቓሊዑን ዝዓነወን ኣብ ግሪካዊት ዴስት ለስቦ ዝርከብ ሞሪያ መዕቆቢ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጠቂሶም፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ 2016 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩን እንክዝክሩ፥

ወትሩ ኣብ ሕይወተይ ህያው ዝኾነ ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ምስ ናይ ኣተንስ ሊቀ ጳጳስ ሄሮኒሞስን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየድሉ ኣብ ለስቦ ዝርከብ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ዝመጹ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝእለይሉ  ዘተኣማምን መእለዪ እውን እንተዘይኮነ ጽላል ዝረኽብሉ ኣብ ሞይራ ዝርከብ መእለዪ ስደተይናታት ዘጋጠሞ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ዳግም ዝመዛበሉ ዘለዉን ንዅሎም ነቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡን ቅርበተይን ድጋፈይን እረጋግጽ!

ከምዝበሉ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፡ መንግስቲ  ግሪኽ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ነቶም ብባርዕ ሓዊ ምኽንያት ካብቲ ዘርይርጉጽ መእለዪ ስደተይናታት ዝተፈናቐሉ ሓድሽ መእለዪ ከቕርብ እየ ከምዝበለን፡ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ምኽንያት ብዙሓት ኣብቲ መእለዪ ስደተይናታት ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ ቅሉዕ ጉደናታት ፋሕ ከምዝበሉን ኣብቲ ዝባደመ መእለዪ ስደተይናታት ልዕሊ 12 ሺሕ ስደተይናታት ይቕመጡ ከምዝነበሩ ገሊጸን፥ ዕለት 12 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደጋ ግምት ብምሃብ ናይ ሓባራውነትን ቅርበትን ድጋፍን ዘረጋገጽ ተግባር ክፍጽሙን፡ ከምቲ ገለ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ዘቕርበኦ ዘለዋ ድጋፍን እንገዳን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ክሳልጣ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣዘኻኺረን፡

ምእካብ ምጽዋት ምእንቲ ቅድስቲ መሬት

ቅዱስነቶም ዕለት 13 መስከረም 2020 ዓ.ም.  ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝእከብ ምጽዋት ምእንቲ ቅድስቲ መሬት ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ኸኣ ጭቡጥ ናይ ቅርበትን ምትሕብባርን መግለጺ ከምዝኾነ ክሕብሩ እንከለዉ፥

ኣብዚ ማዕቅፍ ህልው ኩነታት እቲ ምእንቲ ቅድስቲ መሬት ዝእከብ ምጽዋት ነቶም ኣብታ እግዚኣብሔር ዝተሰገወላን ዝሞተላን ካብ ሞት ዝተንሰኣላን ሃገር ዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያን ጭቡጥ ናይ ተስፋን ምትሕብባርን ትእምርቲ እዩ፥ ሎሚ ብሓሳብና እውን ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝብሎ ናብቲ ምንጪ ኵሉ ናብ ዝኾነት ኢየሩሳሌም መንፈሳዊ ንግደት ንፈጽም ‘ብመንፈስ’፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ናይ ሓልዮትን ልግስን ተግባር ንፈጽም!

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን፥ ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነቶም ጅማውቲ ብዘልምስ ሕማም ዝተጠቕዑ ካብ ፓቪያ ክሳብ ሮማ ብብሽክለታ ዝኣተዉን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ  ጸሎት ዝሓበሩን ንቶም ዕለት 12 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ንዝለገሱሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ይሴባሕን ኣብ ወርሒ ነሓሰ መንፍሳውያን ነጋዶ ኣብ ምእንጋድ ዝተጸምዱ መላእ ኣባይቲ ስድራን ኣመስጊኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ብሩኽ ሰንበት ተመንዮ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ተቓውሞ ዘበለ ኩሉ ሰላማዊ ይዅን፡ ናይ ዜጋታት ድምጺ ይሰማዕ
13 September 2020, 16:34