“ኵሎም ኣሕዋት”፣ ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ ካብ ኣሲዚ ሳልሰትይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም “ኵሎም ኣሕዋት”፣ ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ ካብ ኣሲዚ ሳልሰትይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም 

“ኵሎም ኣሕዋት”፣ ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ ካብ ኣሲዚ ሳልሰትይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ተረኺቦም ልክዕ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝተነብረሉ ቅዱስ ስፍራ ነቲ ዘሎ ህልው ኩነታ ህጹጽ እዋን ለብዒ ኮቪድ - 19 ግምት ብምሃብ ምእመናን ዘየሳተፈ ብግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ነታ ሳልሰይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ከቲሞም ክልግሱ ምዃኖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ብዛዕባ ሕውነትን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ንኡስ ኣርእስቲ ዘንበሩላ ሳልሰይቲ ዓውዲት መልእኽቶም ኣብ ኣሲዚ ኣን ዝርከብ ናይ ፍራንቸስካውያን ኣሃው ባሲሊካ ተረኺቦም ድሕሪ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከቲሞም ብወግዒ ንንባብ ከብቅዑን ንመላእ ዓለም ክልግሱን እዮም። ኣብቲ ባዚሊካ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ህጹጽ ኩነት ለብዒ ኮቪድ ምእመናን ዘሳተፈ እውን ከምዘይከውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

“ኵሎም ኣሕዋት”፣ ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ ካብ ኣሲዚ ሳልሰትይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም
“ኵሎም ኣሕዋት”፣ ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ ካብ ኣሲዚ ሳልሰትይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ እቲ ናይ ኵሉ ናይ እግዚኣብሔር ፍጥረት ሕውነት ዘአንገደን ነዚ ምእምንጋድ’ዚ እውን ግዜን ኩነትን ዘይድርቶ ናብ ማህሌት ሕውነት ዝቐየረ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተቐበረሉ - ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝተነበረሉ ስፍራ ተረኺቦም፡ ነታ ኵሎም ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ብወግዒ ንኽልጉሱ ምዃኖም ከምእተሓበረን፡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ፡ ናይ ር.ሊ.ጳጵስና ስልጣናዊ ትምህርቶም ኣብቲ ዝሓረይዎ ናይቲ ተወላዲ ክፍለ ሃገር ኡምብርያ ዝኾነ ኣብ ዝሓርይዎ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ መጸውዕ ስሞም ዝቃላሕ እዩ። ድሕሪ እታ ኣብ 2013 ዓ.ም. Lumen fidei - ናይ እምነት ብርሃን ደሓር እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. Laudatosì - ይሴባህ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስወን ዓዋዲያን መልእኽቶም ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ማህሌት ዘፍጥረት ዘቃልሓ ኮይኑ ነታ ሳልሰይቲ ኵሎም ኣሕዋት ዘርእስታ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝተነበረሉ ባዚሊካ ተረኺቦም ወግዓዊ ክገብሩ እዮም፡ እዛ ዛዕባ ሕውነትን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ዘማእከለት ዓዋዲት መልእኽቶም ኣርእስቲ ካብቲ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ መንፈሳዊ ድርሳናት ዝተወሰደ ክኸውን እንከሎ፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ “ኣሕዋተይ፥ ኵላትና ኣሕዋት ነቲ ኣባጊዑ ንኸድሕን ናይ ፍቕሪ መስቀል ዝተሰከመ ሕያዋይ ጉሳ ንጠምት” (መግናሕቲ [ተግሳጽ]፡ ኣብ እተሰምየት መንፈሳዊ ድርሳኑ 6,1: FF 155) እንክብል ካብ ዘስፈሮ ምዕዳን ዝተወስደ እውን እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ተረኺቦም ልክዕ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝተነብረሉ ቅዱስ ስፍራ ነቲ ዘሎ ህልው ኩነታ ህጹጽ እዋን ለብዒ ኮቪድ - 19 ግምት ብምሃብ ምእመናን ዘየሳተፈ ብግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ነታ ሳልሰይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ከቲሞም ክልግሱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 6 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናይ ጳጳሳዊ ቤተ ሓዋርያዊ ምሕደራ ዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፥ “ቅዱስነቶም ኣብ ኣሲዚ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መንፈሳዊ ንግደት ግላውን ምእመናን ዘየሳተፍን” ከምዝኸውንን እዚ ነቲ ዘሎ ሕጹጽ ኩነታት ለብዒ ኮቪድ -19 ግምት ብምሃብ ምዃኑን ቅዱስነቶ ነታ ዓውዲት መልእኽቶም ከቲሞም ወግዓዊ ገይሮም ምስ ኣብቅዑ ተሰናቢቶም ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ክምለሱ ከምዝኾኑ ብሩኒ ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ልቢ ስልጣናዊ ትምህርቲ

እቲ ናይ ቅዱስነቶም ሳልሳይ ሰነድ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ተሓርዮም ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ምእመናን ክላለዩን ክባርኹን ኣብ ዘስምዕዎ ቃሎም “ኣሕዋተይ” ብዝብል ቃል ዘመላኸትዎ ናይ ር.ሊ.ጳጳስናኦም ስልጣናዊ ትምህርቲ መርሕ ሓሳብ እንታይ ምዃኑ ኣነጺሮም እዮም፡ ኣሕዋተይ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሕውነት ነቶም ዘይረኣዩን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ላምፔዱሳ ቀዳማይ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ንዝሓቖፉዎም ስደተይናታ ዘማእከለን ሕውነት ኣብ ዓለም ክሰርጽ ዝብልን፥ ሺሞን ፐረስን ኣቡ ማዘንን ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣራኺቦም ሰላም ዘበሃሃልዎምን ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር ምስ ናይ ምስሪ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዎ ሰነድን ሰብኣዊ ሕውነት ካብቲ ኣብ ሓደ እግዚኣብሔር ኣቦ ኩሉን ኣቦ ሰላምን ካብ ዘሎ እምነት ዝውለድ እዩ” እንክብሉ እውን ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘዘኻኽር ኮይኑ፥ ሕውነት ማእከላዊ ክብሪ ከምዝኾነ ዘነጽር ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘቃልሕ ከምዝኾነ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ ይሕብሩ።

ሰረንቲኖ፥ ካብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ወስታ ናይ ብጋሴ ሓድሽ ሓይሊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ወግዓዊ ንምግባር ኣብ ኣሲዚ ዘካየድዎ ምብጻሕ ራብዓይ ምዃኑን፡ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም፥ ዕለት 4 ነሓሰን ዕለት 20 መስከረምን 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ምብጻሕ ኣክይዶም ከምዝነበሩ ናይ ኣሲዚን ኖቸራን ኡምብራ ጓልዶ ታዲኖ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖ ኣዘኻኺሮም፡ ቅዱስነቶም ንራብዓይ ግዜ ክበጽሑና ብዓቢይ ተመስጦን ሞሳን ንጽበዮም ከምዝበሉ ዝሓበሩ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥ ኣቡነ ሶረንቲኖ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ዓለም ብለብዒ ኾሮና ተህዋስ ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን፡ ቅዱስነቶም ኣብ ስቓይ ኣሕዋት ኮይንናን ብፍላይ ኣብ ፍቕሪ ኣሕዋት ህልዋን ኮይንና ክስምዓናን ሕውነት ዕሽሽ ክንብሎ ዘይክግብኣና ጥራሕ ዘይኮነ ዕሽሽ ምባሉ ዘይከኣለና ምዃኑን ነቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘቃለሖን ዝነበሮን ዝመስከሮን ቆስሞሳዊ ሕውነታውነት ይምስክሩን ይላበዉን” ከምዝበሉ ገሊጾም፥ “እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወስታ ብሓድሽ መንፈስ ብስም እቲ ንኹሉ ዘዋህድ ሕውነታውነት ብዝብል መንፈስ ዳግም ንኽንብገስ ሓድሽ ትብዓትን ሓይልን ንኽህልወና ይገብሩ” እንክብሉ ብጹዕነቶም ዝሃብዎ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጦም።

 

07 September 2020, 21:58