ብዛዕባ እዛ እንነብረላ መሬት ነስተንትን ንከላኸለላ እዚ ከኣ ግደ ነፍስወከፍና እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቃል አምላኽ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤድን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግ፡ ምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ፡ ኣብ ማእከል ገነት ከኣ ኦም ህይወት፡ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ድማ። […] እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦ’ (ዘፍ 2.8-9,15)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ካብ ቅልውላው ለበዳ ንክንውጽእ ክንፍወስ የድሊ ነንሕድሕድና ከኣ ክንፈዋወስ ኣሎና። እወ ክንፈውስን ነንሕድሕድና ክንፈዋወስን ኣሎና።  ነቶም ንድኹማት ክፍሊ ሕብረተሰብና ሕሙማትን ሽማግለታትን ዝኣልዩ ክንድግፎም የድሊ። ብዘሕዝን መልክዑ ግን ንሽማግለታት ኣግልል ኣቢልካ ምግዳፍ ንበይኖም ምጥንጣኖም ኣሎ። እዚ ብጣዕሚ ሕማቅ እዩ። ነዞም ድኹማትን ሕሙማትን ሽማግለታትን ክፍሊ ሕብረተሰብና ዝናብዩን ዝፍውሱን ዘገልግሉን ብቋንቋ እስጳኛ ክዊዳዶረስ ይበሃሉ ሽሕ’ኳ ብዙሕ ግዜ ዝግብኦም ኣፍልጦን ደሞዝን ዘይቅበሉ እንተኾኑ ኣብ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብና መሠረታዊ ኣበርክቶ ኣሎዎም። ሓልዮትን ነንሕድሕድካ ምእላይንከስ ናይ ሰብኣውነትና ወርቃዊ ሕጊ ኰይኑ ምሳኡ ጥዕናን ተስፋን ሒዙ ይጐዓዝ (ላውዳቶ ሲ 70)። ንዝሓመመ ምእላይ ንጽጉም ምርዳእ በይኑ ንዘሎ ምርዳእ እዚ ሃብቲ ሰብኣውነት ኰይኑ ናይ ክርስትና እውን እዩ።

እዚ ሓልዮት እዚ ናብታ ሓባራዊት ቤትና ዝበልናያ መሬትን ንነፍሲወከፍ ፍጡርን እውን ክነርእዮ ኣሎና። ኩሉ ፍጥረታት ኣብ ነንሕድሕዶም ዝተጠናነጉ እዮም (ላውዳቶ ሲ 137-8)። ጥዕናና ኣብ ናብራ ናይዛ ክንከናኸና ዝተዋህበትና ዓለም ሕይወት ብዙሕነት ይውሰን (ዘፍ 2.15)። ነዚ ውህበት እዚ ምምዝማዝከስ ዓቢ ሓጢኣት ኰይኑ ይጐድኣና የሕምመና እውን (ላውዳቶ ሲ 8,66)። ዝበለጸ ክታበት ጸረ ታህዋስያን ናይዚ ምዝመዛ ሓባራዊት ቤትና ከስ ኰፍ ኢልካ ምስትንታን እዩ (ላ.ሲ 85,214)። እንተኾነ ከመይ ማለት ነዚ ሕማም እዚ ክታበት ዘይርከቦ! ነዛ ናይ ሓባር ገዛና በይና ከይንገድፋ ዝግበርዶ የለን! ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ከይንከናኸን ዓጊቱ ሒዙና ንዘሎና ሕማም ዝኸውን ክታበትዶ ይህሉ! እወ ኣሎ! ኣስተንትኖ ከኣ ይበሃል። ‘ነቲ እግዚአብሔር ዝፈጠሮ ሠናይ ነገር ንክተደንቅን ዋጋ ንክትህቦን ሓንሳእ ደው እንተዘይቢልካ ንዝኾነ ነገር ብዘይ ምንም ወቀሳ ሕልና ክትምዝምዞን ናይ ጥቅሚ ነገር ገርካ ክትፍርጆን ባዕዲ ነገር ኣይኮነን (ላ.ሲ 215)። ኣብ እንጥቀመሎም ነገራት ‘ተጠቂምካ ደርቢ’ ዝብል ሕማቅ ልማድ ኣሎ። እንተ እቲ ዀይኑ እንተ እዚ ክንጥንቀቀሉ ዘሎና እዛ ሓባራዊት ቤትና እንብላ ፍጥረት ብምልእታ ናይ ጥቅሚ ምንጪ ሃብቲ ጥራይ ኣይኮነትን። ነፍሲወከፍ ፍጥረት ነናቶም ዋጋን ትርጉምን ኣለዎም ከምቲ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቁ.339 ዝብሎ ከኣ ‘በብመንገዶም ጩራ ናይቲ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ጥበብን ሕያውነትን እግዚአብሔር የንጸባርቁ’።   እዚ ክቡር ዋጋን ነጸብራቅ መለኮታዊ ብርሃንን ክንረኽቦ ክንድህስሶ ክንክእል ኣሎና! ንክንረኽቦ ጸጥ ክንብል ጽን ኢልና ክንሰምዕን ክነስተንትንን የድሊ። ኣስተንትኖ ንነፍስና እውን ካብ ዝኾነ ሕማም ክፍውሳ ይኽእል እዩ።

ብዘይ ኣስተንትኖ ንግደ ደቂሰባት ሰማይ ሰማይ ዝሰቅል እሞ ፍጹም መለኽቲ ናይ ኩሎም ፍጥረታት ገሩ ዘቅርብ ንወዲሰብ ማእከል ኣብ ዝገበረ ዘይሚዛናውን ትዕቢት ዝዓብለሎን ኩነት ንወድቅ። ኣነ ዝብል ኣምር ንኩሉ ይዕብልል።  ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ ታሪኽ ፍጥረት ቄናን ትርጓሜ ብምሃብ ነዚ ንምድርና ክሳብ ዓቅላ ዝጸባ ናብ ምምዝማዛ ዘብጸሐ ግጉይ ኣመለኻኽታት ኣስዕሪርዎ። ንፍጥረት ምምዝማዝ እዚ እዩ እቲ ሓጢኣት።  ቦታ እግዚአብሔር ዝሓዝና እንክንመስል ማእከል ኩሉ ዝኾና ኰይኑ ይስመዓና እሞ ንውህደት መደብ ኣምላኽ ዝኾነ ውህደት ፍጡር ነዕኑ። ነቲ ሓለውቲ ሕይወት ኰና ንክንከናኸን ሓደራ ዝተባሃልናዮ ረሲዕና ኣዕነውታ ንኸውን።  ርግጽ እዩ ንክነብርን ንክንምዕብልን ንመሬት ክንሰርሓ ኣሎና። እንተኾነ ሥራሕ ማለት ምዝመዛ ማለት ኣይኮነን ወትሩ ንመሬት ዝሓሊ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ትሓርስ ትከላኸል ከኣ ትሰርሕ ትሓሊ ከኣ ወዘተ። ዝተዋህበና ተልእኮኸስ እዚ እዩ (ዘፍ 2.15)። ነታ ሃንጐፋይ ኢልና እትቅበልና ሓባራዊት ገዛና ከይሓለና ብንዋታዊ ነገር ጥራይ ክንምዕብል ኣሎና ኢልና ክንሓንስብ የብልናን። ድኻታትናን ኣደና መሬትን በቲ ኣብ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ዕንወት ዝዕድም ኣብ ልዕሊኦም እንፍጽሞ በደልን ፍትሒ ምጒዳልን ይቊዝሙ ኣለው። ካባና ለውጢ ልቢ ይጽበዩ ኣለው! ኣካያዳና ለዊጥና ንመሬትናን ንኩሉ ፍጡርን ክንሓሊ ይጽበዩና ኣለው።

ስለዚኸስ ንጉዳይ ኣስተንትኖ ዳግም ምብርባሩ ግዲ እዩ። እዚ ማለት ንመሬትን ፍጥረት ኩሉን ከም ውህበት እግዚአብሔር እምበር ንጥቅሚ ነፍሰወከፍና ክንምዝምዞም ዝተውህቡና ገርካ ዘይምምልካት እዩ። ንግላዊ ረብሐይ ኣይኮነን። እንክነስተንትንከስ ኣብ ካልኦትን ተፈጥሮን ክንዮ ጥቅሞም ዓቢ ነገር ንግንዘብ። እቲ ሕመረት ከስ እዚ እዩ ብምስትንታን ክንዮ ረብሓ ነገራት ምስጋር! ንሠናይ ነገር ምስትንታን ምምዝማዝ ኣይኮነን! ኣስተንትኖ ነጻ ህያብ ኣምላኽ እዩ። ነቲ ካብ እግዚአብሔር ዝተዓደልዎ ውሳጣዊ ዋጋኦም ንርዳእ። ብዙሓት መንፈሳውያን መማህራን ከምዘምሃርዎ ሰማይ መሬት ባሕሪ ኮታስ ፍጥረት ኩሉ ነዛ መሠረታዊት ወይውን ምሥጢራዊት ሓይሊ ተኽእሎ ይውንኑ ንሳ ከኣ ናብ እግዚአብሔር ተብጽሕ እሞ ምስ ፍጡር ኩሉ ውህደት ከምዝህልወና ትገብር። ንኣብነት ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ኣብ ፍጻሜ መንፈሳዊ ሱባኤታቱ ነታ ‘ናብ ፍቅሪ ንክትበጽሕ ኣስተንትን’ እትብል ትእዛዙ ክፍጽሙ ይዕድም ነበረ። እዚ ማለት ከኣ እግዚአብሔር ንፍጡራቱ ከመይ ብዝበለ ኣጠማምታ ከምዝምልከቶምን ከመይ ኢሉ ምሳኦምን ብኣኦምን ከዝሕጐስን ብምስትንታን እግዚአብሔር ከመይ ቢሉ ብነጻነትን ብዝጸጋን ንፍጡራቱ ክፍቅርን ክከናኸንን ምሳኦም ከምዘሎ ክግለጸልካ እዩ ይብል።    

እታ ናብ ሓልዮት እትወስደና ኣስተንትኖኸስ ኣካል ናቱ ኰንካ ኣብኡ ከይሰጠምካ ብላዕሊ ላዕሊ ብደገ ደገ ከም ናይ መጽናዕቲ ነገር ምምልካት ጥራይ ኣይኮነን። ንሕና ኣብ ውሽጢ ባህርይ ወይውን ተፈጥሮ ኣሎና ኣካል ናቱ ኢና። ናቱ ናይ ፍጡር ኩሉ ኣባል ምዃና ብምግንዛብ ካብ ውሽጥኻ ብምብጋስ ማንም ተዓዛብን ንክትምዝምዝ ጥራይ ዝመጻእካን ዘይኮነ ንጡፋት ተዋሳእቲ ብምዃን ካብ ሕልናኻ ብምብጋስ እዩ ዝግበር። በዚ ኣገባብ እዚ ዘስተንትን በቲ ዝርእዮ ጥራይ ኣይኮነን ዝድነቅ እንታይ ደኣ ኣካል ናይዚ ጽባቄ ኰይኑ ንክሕልዋን ንክከላኸለላን ከምዝተጸውዒ ከኣ ይስቈሮ። ኣብዚ ክንርስዖ ዘይብልና ጉዳይ ኣሎ! ንባህሪ ተፈጥሮን ፍጥረታትን ከስተንትን ዘይክእል ንሰባት ከም ዘውለውን ብዘለዎም ውህበትን ምስትንታን ኣይፈልጥን ማለት እዩ። ንተፈጥሮ ንክምዝምዝ ዝነብር ከኣ ንሰባት እውን ብምምዝማዝ ባሮቱ ገርዎም ይነብር። እዚ ዓውለማዊ ሕጊ እዩ። ንስኻ ንተፈጥሮ ክተስተንትን እንተዘይክኢልካ ብዛዕባ ከማኻ ሰባትን ጽባቄኦምን ብዛዕባ ሓውኻ ብዛዕባ ሓፍትኻ ክተስተንትን ከቢድ እዩ። እዚ ንኩልና እዩ ዝምልከት።

ኣስተንቲኑ ዝኽእል ከስ ነቲ ንጥዕና ዝጐድእን ዕንወት ዘስዕብን ነገራት ንክልውጥ ብቀሊሉ ናብ ተግባር ይብገስ። ነዛ ሓባራዊት ቤትናን ንዝኸማና ሰባትን ኣኽብሮት ዘረጋግጽ ሓዲስ ቁጠባዊ ዕብየት ዘረጋግጽ ሞደል ንምብርካት ሓደስቲ ልማዳት ምህርትን ምህላኽን ንምድንፋዕ ኣብ ምኲስኳስ ይነጥፍ።  ኣብ ተግባር ዝተዋፈረ ኣስተንትኖ ሓላዊ ኣከባቢ ንምዃን ይደናደን! እዚ ብጥእዕሚ ጽቡቅ እዩ። ነፍስወከፍና ሓላዊ ኣከባቢኡ ሓላዊ ንጽሕና ኣከባቢኡ ንኸውን። በዚ ካብ ውሉድ ወለዶ ክመሓላለፍ ንዝመጾ ጥበብን ዘመናት ዘቁጸረ ባህልን ምስ ሓደስቲ ፍልጠትን ተክኒክን ብምግንዛብ ናብራና ወትሩ ምስ ተፈጥሮ ተደጋጊፉ ዝኸይድ ክሳብ ዝኸውን ይቃለስ።

ኣብ መወዳእታኸስ ኣስትንትኖን ሓልዮትን! ነቲ ንሕና ደቂሰባት ምስ ፍጡር ክህልወና ንዘለዎ ርክብ ከመዓራርን ክእርምን ዘኽእል መንገዲ ከመላኽቱልና ዝኽእሉ ክልተ መንገድታትከስ ኣስትንትኖን ሓልዮትን እየን። ብዙሕ ግዜ ኣብ መንጎናን መንጎ ተፈጥሮን ዘሎ ርክብ ናይ ጸላእቲ ርክብ ይመስል ከመይ ንጥቅሚ ገዛእ ርእሰይ ቢለ ንተፈጥሮ እንከዕኑ ንመኽሰበይ ኢለ ንተፈጥሮ እንክምዝምዝ ነዚ የምስል። ክንርስዕ ዘይብልና ግን ከምዚ ምግባር ክቡር ዋጋ የኽፍል እዩ። ንምስላ እስጳኛውያን ኣይንረስዕ ‘እዝጊ ወትሩ ይምሕር ንሕና ደቂ ሰባት ስሕት ኢልና ተፈጥሮ ግን ፈጺሙ ኣይምሕርን እዩ’ ይብል። ሎሚ ጋዜጣ እንከንብብ ኣብ ኣንታርክቲክ ጥቃ ኣሙንድሰን ዝበሃል ባሕሪ ዝርከባ ክልተ ዓበይቲ ጎቦታት በረድ ክወድቃ ጠልጠል ይብላ ኣለዋ እዚ ከኣ ከቢድ ሳዕቤን ከምጽእ እዩ ዝብል ኣንቢበ። ስለምንታይ እንተቢልና ንከባቢና ሸለል ስለዝበልና ንሓባራዊ ቤትና ምክንኻን ስለዝኣበና ሙቀት ከባቢ ብምንሃሩ እዩ። ምስ ተፈጥሮ ሕውነታዊ ርክብ እንተዝህልወና ምስዛ ናይ ሓባር ገዛና ሕውነታው ርክብ እንተዝህልወና ናይ ተፈጥሮን ሓባራዊ ገዛናን ሓለውቲ ምኾና ናይ ሕይወትን መጻኢ ተስፋን ሓለውቲ ምኾና ነርና። ነቲ እግዚአብሔር ዝዓደለና ውርሻ መጻኢ ወለዶ ንክጥቀመሉ ንሓልዎ። ምናልባት ሓደ ካባኹም `ደሓን ኣባቴዋ ኣይትሸገሩ ባዕለይ ኣሎኹሉ’ ክብለኒ ክደናደን ይኽእል። እንተኾነ ሓደ ንፉዕ ጀርመናዊ ሊቅ ንባበ መለኮት ከንሻ ቦንሆፈር ዝበሃል ‘እቲ ግድል ንስኻ ባዕልኻ ከመይ ከም እትዋጽኦ ዘይኮነ ንመጻኢ ወለዶ እተውርሶ ውርሻ ሕይወት እንታይ እዩ! ንደቅና ንሕሰበሎም! ንደቂ ደቅና ንሕሰበሎም እንተ ደኣ ንሕና ንፍጥረት ኩሉ መዝሚዝናዮ ንዓታቶም እንታይ ክነውርሶም ኢና’ ይብል ነበረ። ስለዚ ነዛ ጐዳና እዚኣ ንስዓብ እሞ ናይዛ ሓባራዊት ገዛና ሓለውቲ ኰና ብሓቂ ሓለውቲ ሕይወትን ተስፋን ንኹን! ቦንሆፈር ከም ሓሳበይ እቶም ዝስዕቡና ወለዶ ምእንቲ ክጥቀሙሉ ነቲ እግዚአብሔር ሓደራ ዝሃበና ውርሻና ንዓቅብ። ኣብዚ ቅጅል ዝብሉኒ ኩልና ሰብ ዕዳኦም ኩልና መበቆላውያን ደቂኣባት እዮም። ሰብዕዳኦም ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ዝገበርናዮ ሕሰም ምእንቲ ክንክሕስ ንስሓ እውን ዘድልየና ምበልኩ። እዞም ሰባት እዚኦም ብዙሕ ነገር ዓቂቦምልና ጸኒሖም። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ እዞም ሰባት እዚኦም ንመሬታቶም ምስ ዘለዎ ባህርያውን ባህላውን ሃብታት ንክዕቅቡ ንክሕግዙ ዝነጥፉ ምንቅስቃሳት ማሕበራት ሕዝባዊ ጉጅለታት እሓስብ። እዘን ክፍልታት ሕብረተሰብ እዚኤን ብዙሕ ተቀባልነት የብለንን ሓንሳእ ሓንሳእ ይክለከላ  ከመይ ገንዘብ ኣየምጸኣን እንተኾነ እዞም ሰባት እዚኦም ናይ ሓልዮት ሰውራ ክንብሎ እንኽእል ሰላማዊ ሰውራ ንምግባር ኣበርክቶ ኣለወን። ንክንከናኸን ነስተንትን! ንክንዕቅብ ነስተንትን! ንገዛእ ርእስናስ ይኹን ንተፈጥሮ ንደቅናስ ይኹን ንደቂ ደቅና ከምኡ እውን ንመጻኢ ንዓቅብ። ንክትከናኸንን ንክትዕቅብን ምስትንታንከስ ንመጻኢ ወለዶ ሓደ ውርሻ ምግዳፍ እዩ።

ነዚጉዳይ እዚ ንማንም ክንውክል ኣይንኽእልን! ናይ ነፍሲወከፍ ዘመደ ኣዳም ዕዮ ገዛ ስለዝኾነ ግድነት ናይ ገሊኦም ሓላፍነት ጥራይ ገርካ ምጥማት ኣይግባእን። ነፍሲወከፍና ንእግዚአብሔር ስለፍጡራቱ እናወደሰን እናኣስተንተነን እናተኸላኸለን ናይዛ ሓባራዊት ቤትና ሓላዊ ክኸውን ይኽእል ክኸውን እውን ኣለዎ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
16 September 2020, 12:21