ር.ሊ.ጳ.፥ ብድሆ ጸኣት ስደተይናታት ንኤውሮጳ ኩሉ ዘሰማምዕ መልሲ ዝጠልብ ዓቢይ ሕቶ እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ብድሆ ጸኣት ስደተይናታት ንኤውሮጳ ኩሉ ዘሰማምዕ መልሲ ዝጠልብ ዓቢይ ሕቶ እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ብድሆ ጸኣት ስደተይናታት ንኤውሮጳ ኩሉ ዘሰማምዕ መልሲ ዝጠልብ ዓቢይ ሕቶ እዩ

እቲ እዋናዊ ትርኢት ጸኣት ስደተይናታት ዝተሓላለኸን ብዙሕ እዋን ዘናውጽ ከቢድ ሃንደበታዊ ትርኢት ዘለዎ እዩ፡ እቲ ዓውሎማዊ ተማራዃስነት ዝድርኾ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ዝበለጸ መጽናዕትን ርድኢትን ዝሓትት እዩ፡

ዕለት 10 መስከረም 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ድምጽን ተመክሮን ዶባት” ብዝብል መረሕ ቃል ኣብ ርክብን ምትሕብባርን ዝጸንዔ ስሉጥ ኣአንጋዲ ፖለቲካን ውህደትን ኣብ ኤውሮጳ ሓድሽ ናይ ስደተይናታት ዶባት ባህሊ ንምፍጣር ኣበርክቶ ንምቕራብ ኣሚቱ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ንዝሳተፉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠና ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ተጋባእያ ዝመርሑን ንኣኣቶም ወኪሎም ንቕዱስነቶም ቃል ሰላምታ ድሕሪ ዘስምዑ ናይ ላምፐዱዛን ሊኖሳን ከንቲባ ሳልቫቶረ ማርተሎ፥ ቅዱስነቶም “ዕማምኵም ርሑቕ ጠማቲ እዩ”፡ እንብሉ ቃለ ምዕዳኖም ኣበጊሶም፥ “እቲ መርሓ ግብርዅም ብዛዕባ ስደተይናታት ዓሚዩቕ ርድኢት ክህሉ ዘነቓቕሕን፡ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ እቲ ብድሆ ጸኣት ስደት ዓቢይ ሕቶ ዝጠልቦ ኣገዳስን ሎሚ ካብ ቀደም ህጹጽ ዝኾነ ጥሙርን ሰብኣውነት ዝዓሰሎ መልሲ ንኽህበሉ ዝድግፍ እዩ” ከምዝበሉ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

እቲ እዋናዊ ትርኢት ጸኣት ስደተይናታት ዝተሓላለኸን ብዙሕ እዋን ዘናውጽ ከቢድ ሃንደበታዊ ትርኢት ዘለዎ እዩ፡ እቲ ዓውሎማዊ ተማራዃስነት ዝድርኾ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ዝበለጸ  መጽናዕትን ርድኢትን ዝሓትት እዩ፡ ህብርኣውያን ብድሆታት ንኹሉ ዓብይ ሕቶ እዩ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ናይ ብዙሓት ሕይወት ንሞት ዝዳርግ ዘሎ ሰብእዊ መዓት ኣይግደሰንን ክበሃሎ ዘይከኣል እዩ፡ ኣብቲ ኣብ ቀረባና ኣብ ዝኾነ ዘዳብወናን ባህልታት ዘራኽብ ባሕሪ መዲትራኒያን ብተደጋጋሚ ዝረአይ ህሊቂት ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ፡

ከምዝበሉ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ሸለልትነትን ንጽገትን ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት

ቅዱስነቶም ካብቶም ብባሕሪ መዲትራኒያን ዝስደዱ ካብ ወግእ ዘምልጡን ብሉጽን ሚዛን ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ ሕይወት ንኸናድዩ ዝስደዱ ከምዘለዉን፡ ብዙሕ እዋን ሸለልተይናነት ካብኡ ሓሊፉ እውን ንጽገትን ከምዘጋጥሞም ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ባሪ ክፍለ ሃገር ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፥

ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣክንዲ ኩሎም ዜጋታት ድልያ ናይ ሓባር ድማዕ ሓላፍነቶቱ ምዃኑ ክስምዖም ዘኽእል ማዕረ ዕድላትን ስፍራን ውሑስ ካብ ምግባር ኣብ ወተሃደራዊ ምንጋወ ዘጠጠወ እዩ ዝመስል!

እንክብሉ  ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምልስ ቢሎም ከምዘቃልሕዎ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፥

ኵሉ ዘዋስእ ሓላፍነት ኣገዳሲ እዩ

ኣብ ባሪ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብሩህ መጻኢ ኣሚቶም ዝጓዓዙ ሓገዝ ከይረኸቡ ኣብ ባሕሪ ክሞቱ ምርኣይ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምቅላሕ፡ እንገዳን ምውህሃድን ዘሊል ዘይኮነ ኪደት እዩ፡ ቢሎም ጭቡጥ ምትሕብባርን ሓልዮን ብዓለም ሓቆፍ ይኹን ብብሔራዊ ደረጃ ኩሉ ዘዋስእ ሓላፍነት ኣገዳሲ እዩ፡ ሰብ ማእከል ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ታሪኾምን ወጅሃቶምን ዓቢይ ቦታ ኵወሃቦን ብፍላይ ከኣ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ልክዕ ከምቲ ንስኻትኩም ተጋባኣያን ብጭቡጥ ካብ ናይ ምርኻብ ባህሊ ዝምጭው ናብ ሓድሽ ሰብኣውነት ዝመርሕ ኪደት ንምቛም ኣስተንፎ ዝገብረ ዝተፈላለየ መቓርባ ንምሕባርን እተካይድዎ ጻዕሪ።

እዚ ሓላፍነት’ዚ ታሪኽ ነቲ ኣብ ዶባት ዝርከብ ማሕበረሰብ ብእማነ የቕርብ

ቅዱስ ኣቦና መደረኦም፥ ነቶም ኣብ ዶባት ዝርከቡ ማሕበረሰብ ሕዝብታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን እናሓሰቡ፥

ዶባት ካብ ጥንቲ ናይ ምክፍፋል ቀጽሪ ተገይሩ እዩ ዝሕሰብ ዝነበረ፥ ኣክንዲ ዝፈላልይ ቀጽሪ ዝኸውን ዘኽራብ መስኮት እዩ ክኸን ዘለዎ፡ ናይ ሓባር መላለዪ ስፍራ፡ ሕድ ሕዳዊ ምህብታምን ኣብ ብዙሕነት ሱታፌ ዝረጋገጸሉን በዚ ኣገባብ እዚ ከኣ እቲ መጻእተይና ኣብ ልዕሊ ደቀባት ጸገም ዝፈጥር እዩ ንዝብል ኣመለኻኽታ ንምብዳህ ይከኣል።

እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ማሶቲ ሓቢረን።

መርሓ ግብሪ “ድምጽን ተመክሮን ዶባት”

“ድምጽን ተመክሮን ዶባት - ነእሽቱ ከተማታት ዓውሎማዊ ብድሆ ኣብ ምግጣም ዝክረ ነገር 2030” ብዝብል መደብ ሕብረት ኤውሮጳ ብ4.5 ሚሊዮን ዝመወሎን ኣጣሊያን ስፐይንን ፈረንሳን ጀርመንን ሽወደንን ኦስትሪያን ስሎቨኒያን ሃንጋርን ሮማኒያን ቡልጋሪያን ግሪኽን ቀጥሮስን ማልታን ቦስኒያን ኤርዘጎቪናን ብቐጥታ ብዝተፈላለዩ መደባት ከኣ በልጅምን ለቶኒያን ሊትዋኒያን ክሮእሺያን ሉሰምበርግን ረፓብሊክ ቸክን ዝዊዘርላንድ ደንማርክን ፖሎኒያን ኤስቶኒያን ፖርቱጋልን ፊንላንድን ስሎቫኪያን ኣየርላንድን ዓባይ ብሪጣንያን ዘሳትፍ ከምዝኾነ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፥ ዓውሎማዊ ተማራዃስነት ክስትውዓልን ምኽንያት ጸኣት ስደተይናታት ርድኢት ክረክብን በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ መደባት ዘላቒ ምዕባለ ንምንቕቓሕ ዝብል ጠቕላሊ ሰፍሕ ዝክረ ነገር ዘለዎን ኣብ መንጐ ሃገራት ኤውሮጳ ጸኣት ስደተይናታት ኤውሮጳዊ መቓርባ ክግበረሉን ዝተፈላለዩ ናይ ባህልን ናይ ሓበሬታን መደባት ዘሳልጥን ኮይኑ ናይ ከባቢ ትካላትን በርገሳዊ ሕብረተሰብን ብብሔራውን ብኤውሮጳዊ ደረጃ ምውሳእ ዝብል ከምዝኾነ ይገልጻ።

 

 

 

 

 

11 September 2020, 15:54