ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ግዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ግዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር 

ንብጾትና ምሕማይ ካብ ኮቪድ ዝገደደ ለበዳ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሰንበት ዕለት 6 መስከረም 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ናይ ዕርቂ ጒዕዞ ብኽስን ኩነኔን ዘይኮነ ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ዝሕብሮ ሓውካ እንተበደለካ ከድካ ንስኻን ንሱን ተዓረቁ ዝብል እዩ’ እንክብሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምኽሪ ናይቲ ዓቢ ኣቦ ሓሜት ዝኾነ ዲያብሎስ ስዒቦም ውድቀት ብጾቶም ከይዘርው ምእንታኦም ክንጽሊ ከመይ ዲያብሎስ ወትሩ ንቤተክርስትያን ከዕኑ ምስ ኣንቀደ ምዃኑ ብምግላጽ ነዚ ዚስዕብ ትምህርቲ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!

ናይ’ዛ ሰንበት እዚኣ ወንጌል (ማቴ 18.15-20 ተመልከት) ማቴዎስ ካብ ዝትርኾም ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርታት ራብዓይ ኰይኑ ከም ናይ ማሕበር ወይውን ቤተክርስትያን ትምህርቲ ይፍለጥ። ናይ ሎሚ ክፍሊ ወንጌል ብዛዕባ ሕውነታዊ ምትእርራም ይዛረብ። ብዛዕባ ክልተ ጐድንታት ሕይወት ክርስትና እንክዛረብ ከኣ በቲ ሓደ ወገን ማሕበራዊ ናብራ ክርስትያን ኰይኑ ውህደትን ሓድነትን ቤተክርስትያን እንክምልከት በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንግላዊ ሕይወት ክርስትያን ዝምልከት ኰይኑ ነፍስወከፍና ከመይ ገቢርና ንሕልናና ክንሕሉ ከምዘሎና የመልክት።

ንዝተጋገየ ሓውኻ ንምእራም ኢየሱስ ዝሕብረና መንገዲ ንኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ወይውን ንምፍዋሶም ዘድሊ ጒዕዞ ይሕብረና። ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ኩሉ ግዜ ናይ ምፍዋስ ናይ ምዕራቅ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ትምህርቲ እዩ። ከመይ ንሱ ወትሩ ንነገራት ክፍውስን ከድሕንን እዩ ዝደሊ። እዚ ናይ ምትዕርራይ ትምህርቲኸስ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ዝተኸፍለ እዩ። እቲ ቀዳማይ ‘ናብኡ ከድካ ንስኻን ንሱን በይንኹም ግንሓዮ’ ይብል። እዚ ማለት ከኣ ንሓጢኣቱ ኣብ ቅርዓት ከይውጻእካ ማለት እዩ። ትኽ ኢልካ ናብ ሓውኻ ከድካ ሥርዓትን ትሕትናን ተላቢስካ ንክትፈርዶ ዘይኮነ ነቲ ዝገበሮ ነገር ንክርዳእ ሓግዞ ማለት እዩ። ክንደይ ግዜ ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘየጓነፈና። ሓደ ሰብ መጺኡ ‘ስማዕስከ ንስኻ እዝን እዝን ተጋጊኻ ኣሎኻ። ነዝን ነዝን ክትልውጥ ኣሎካ’ ዝብሉ ምስ ዘጓንፉና መጀመርያ ምናልባ ንቊጣዕ ንኸውን ኰይኑ ግን ኩነታቱ ምስ ተረዳኣና ነመስግኖ ከመይ እዚ ተግባር እዚ ተግባር ሕውነት ተግባር ውህደት ተግባር ሓገዝ ኰይኑ ንኩሉ ስለዘተዓራሪ ነመስግኖ።

ነዚ ትምህርቲ ኢየሱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ሓው ወይውን ሓውቲ ብሕማቅ ክወስድዎ ይኽእሉ ናይ ዝብል ፍርሒ ኣሎ። ሓንሳእ ሓንሳእ ዚኣክል ምትእምማን ኪሰኣን ይከኣል። ካልእ ብዙሕ ምኽንያታት እውን ኣይሰኣኑን። እንተኾነ ኩሉ ግዜ ነዚ ነገር እዚ ክንገብር እንከሎና መንገዲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንክተል ስለዝደለና እዩ።

እንተ እዚ ዀይኑ እንተ እቲ ግን እዚ ቀዳማይ ፈተነ ናተይ ክፈሽል ይኽእል። ኣብዚ ደረጃ እዚ ምናልባት ‘ባዕሉ ይፈልጥ ኣነ ግቡኤ ገረ ኢደይ ሕጹብ ከም ጲላጦስ’ ዘይምባል ተመራጽን ዝሓሸን እዩ እሞ ኣብዚ ደው ኣይትበል ገለ ዝድግፉኻ ሓው ወይውን ሓውቲ ሃሰስ በል። ኢየሱስ ከኣ ‘ንዓኻ እንተዘይሰምዓካ ዝኾነ ጉዳይ ብምስክርነት ክልተ ወይ ሰለስተ ክቀውም ስለዘለዎ ምሳኻ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ወሲድካ ፈትን’ ይብል። እዚ ከኣ መሠረቱ ኣብ ዘዳ 19.15 ብሙሴ ዝተዋህበ ሕጊ ነበረ። ምናልባት እዚ ተጻይ እቲ ዝኽሰስ ዘሎ እኳ እንተመሰለ ተጻይ ሓሰውቲ ከሰስቲ ንምሕጋዝ እዩ። ኢየሱስ ግን ክንዮዚ ይኸይድ እዞም ክልተ ወይ ሰለስተ ዝበልናዮም ንምስክርነት ክስን ፍርድን ዘይኮነ ንክሕግዙ እዩ። ኢየሱስ ካባና ዝደልዮኸስ ‘ኣነን ንስኻን እሞ ንሰማማዕ ብድሕሪኡ ከድና ነዚ ዝጋገ ዘሎ ሓውና ከም ኣሕዋት ንዛረቦ’ ዝብል ቅዱስ ሓሳብን ተግባርን እዩ ዝጽበ። ሓቀኛ መንገዲ ዕርቂ ከኣ እዚ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዝ ተበገሶ እዚውን ክወድቅ ከምዝኽእል እቶም ብሕጊ ሙሴ ዝሕተቱ መሰኻኽር እውን ንምዂናን ብቁዕ ጭብጢ እኳ እንተነበረ ኢየሱስ ካብዚ ፍልይ ብዝብለ ይገልጾ።

ምናልባት እቲ ዘጓንፎም ሰብ ተሪር ምስ ዝኸውን ናይ ክልተ ወይውን ሰለስተ ኣሕዋት ፍቅሪ በይኑ እኹል ክኸውን ኣይክእልን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ኢየሱስ ሳልሳይ መገዲ ይሕብር ‘ነዚኦም እውን ምስማዕ እንተኣበየ ንቤተክርስትያን ንገር’ ይብል። ኣብ ገገሊኡ ኣጋጣሚታት እታ ማሕበር እንብላ ቤተክርስትያን ብመላኣ ኣብቲ ጉዳይ ኣይትሳተፍን።  ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና ጉዳይ ግን ገገሊኡ ጉዳያት ንገሊኦም ኣሕዋት ኣይእንታዮምን እዩ ሸለልትነት የጥቅዖም። ስለሓውኻ ንክትግደስ ልዑል ፍቅሪ የድሊ። እንተኾነ ሓንሳእ ሓንሳእ እዚ እውን እኹል ኣይከውንን። ስለዚ ኸኣ እዩ ኢየሱስ ‘ንቤተክርስትያን እውን እንተዘይሰምዓ ግን ከም ኣረሜንን ተጋውን ገርካ ረኣዮ’ እንክብል ነዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ግደፎ ይብል። እዚ መግለጺ እዚ ሽሕ’ኳ ናይ ተስፋ ቊርጸት እንተመሰለ ነቲ ጉዳይ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ኣንብሮ እዩ እቲ መልእኽቲ ከመይ ክንዮ ናይ ኩሎም ኣሕዋት ጻዕሪ እግዚአብሔር ኣቦ ጥራሕ እዩ ነዚ ጉዳይ እዚ መልሲ ዝኸውን ዝዓበየ ፍቅሪ ክህልዎ ዝኽእል ማለት እዩ። እዚ ትምህርቲ ኢየሱስ ብዙሕ ክሕግዘና እዩ ከመይ እንተበልኩም ንኣብነት ናይ ሓደ ዝጋገ ሓውና ጉድለትን ጸገምን እንክንርኢ ብቀዳምነት ንገብራ ጉዳይ ነቲ ጒድ ነቲ ጸገም ንካልኦት ንክነውሪ ንቀዳደም። ንክንሓሚ ማለት እዩ። ሕሜታ ከኣ ንማሕበርና ልባ ይዓጹ ሓድነት ቤተክርስትያን ይዓጹ። ዝዓበየ ሓማዪ እቲ ወትሩ ብዛዕባ ካልኦት ሕማቅ ነገር እናኣውረየ ዝጐዓዝ ዲያብሎስ እዩ ከመይ ንሱ ኩሉ ግዜ ንቤተክርስትያን ፋሕ ፋሕ ከብል ይጽዕር ንኣሕዋት ከርሕቅ ማሕበር ክብትን እዩ ዕላማኡ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን በጃኻትኩም ከይንሓሚ ንጽዓር። ሕሜታ ካብ ኮቪድ ዝገደደ ለበዳ እዩ። ንእሽቶ ጻዕሪ ንግበር ሕሜታ ኣይፋል ንበል። ተጻይ ናይ ዘመኑ ርእሶም ዘድቁን ዕንቅፋት ዝኾኖምን እቲ ንመጸባሓውያንን ንኣረማውያንን ዝተቀበለ ፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እዚ ግን ፍርዲ ብዘይ ይግባይ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ናትና ሰብኣዊ ጻዕርታት ክፈሽሉ ከምዝኽእሉ ብምግንዛብ እታ እንኮ ፍታሕ ንሓውና ወይውን ሓውትና ኣብ ጸገም እንክርከቡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ኣብ ቅድሚ ሕልናኦምን ክንገድፎም ሓላፍነት ተግባራቶም ከምዝስከሙ ምግባሮም እዩ። ዝገበርናዮ ፈተነ ዕርቂ ምስ ዘይሰርሕ ብጸትታ ስለሓውና ወይውን ሓውትና ክንጽሊ እምበር ፈጺምና ክንሓሚ የብልናን።

እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ማሕበራትና ሓደስቲ ርክባት ሕውነት ክቆሙን ኣብ ሕድሕዳዊ ምሕረት ዝተመስረተ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብቲ ዘይጸዓድ ሓይሊ ምሕረት እግዚአብሔር ዝተመስረተ ሕውነታዊ ምትእርራም ቅርዑይ ልማድና ክኸውን ትሓግዘና

ብድምጺ ንምክትታል!
06 September 2020, 23:37