ድለ

ይቅረ ምባልን ምሕረትን ስቃይን ውግእን ንምውጋድ ይሕግዝ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 13 መስከረም 2020ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ልሙድ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ዝነበሩ ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም፣ ‘ንሕና ብግደና እንተዘይምሒርናን ኣፍቂርናን ኣይክንመሓርን ኣይክንፍቀርን ኢና’ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!

ንሎሚ ኣብ ዝቀረበልና ወንጌል (ማቴ 18.21-35) ምሳሌ ናይቲ መሓሪ ዝኾነ ንጉሥ ነንብብ። ኣብዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ‘ቊሩብ ተዓገሠኒ ኩሉ ዕዳይ ክኸፍል እየ’ እትብል ምሕጽናታ ክልተ ግዜ ተጠቂሳ ንረኽባ። መጀመርያ ካብቲ ንጐይታኡ ዓሠርተ ሺሕ ቅርሺ ክኸፍል ዝነበሮ በዓል ዕዳ ባርያ እዚ ብዙሕ ገንዘብ ብናይ ሎሚ ግምት ብሚልዮናት ዝቊጸር ኤውሮ በልዎ። እታ ካልአይቲ ከኣ ነዚ ዝተመሓረ በዓል ዕዳ ካብ ካልእ ካብኡ ተለቂሑ ዝነበረ ትቀርብ። ስለዚ እቲ ብዙሕ ዕዳ ዝተማሕረ ንሱ እውን ብግዲኡ ካልእ ካብኡ ዝተለቀሐ ነበረ። ናይዚ ካልኣይ ዕዳ ቊርብ እየን ነረን ምናልባት ናይ ሓደ ሶሙን ደሞዝ ኣቢለን ነረን ይኾና።

ናይዚ ምሳሌ እዚ ቀንዲ ትምህርቲ እቲ ዓቢ ዋና ኣብቲ ብዙሕ ዕዳ ዝነበሮ ዘርኣዮ ምሕረት እዩ።  ነዚ ዘዘንቱ ወንጌላዊ እቲ ጐይታ ራሕርሓሉ ይብል። እዛ ርሕራሔ ትብል ቃል ቀንዲ መፈለጥታ ኢየሱስ ኰይና ኩሉ ግዜ ኢየሱስ ከኣ ራሕርሓሎም ዝብል ነንብብ። እዚ ጐይታ እውን ነዚ ኣገልጋሊ እዚ ራሕርሓሉ ነቲ ዕዳኡ እውን መሓሮ። እዚ ዕዳ እዚ ብሓቂ ብዙሕ እዩ ነሩ እንተኾነ እዚ ዝተማሕረ ካብኡ ውጽእ ክብል ቁሩብ ዕዳ ዝነበሮ ይረክብ። ከምታ ንሱ ቁሩብ ተዓገሠኒ ንኩሉ ዕዳ ክኸፍለካ እየ ክብል እኳ እንተለመኖ! ዋይከ! እኳ ደኣ ነቲ ዕዳ ክሳብ ዝኸፍል ናብ ቤት ማእሰርቲ ክእሰር ኣሕሊፉ ይህቦ። ዘገርም እዩ ክንደይ ሚልዮናት ተማሒሩስ ነዘን ዘይጠቅማ ቁሩብ ቁራቦ ልመና ብጻዩ ምስማዕ ይኣቢ። ኣይርሕርሕን። ከምዝተማሕረን ርሕራሔ ከምዝተገበረሉን ብኡ ንብኡ ረሲዕዎ። ወዮም ነዚ ዝዕዘቡ ዝነበሩ እርይ ቊጽር ኣቢሎም ነቲ ዝራሕራሓሉ ጐይታ የብጽሑሉ። ንሱ ከኣ ብሓቂ ተቈጢዑ ነዚ ክፉእ ኣገልጋሊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝማስን ይገብሮ። ኣነ ብዙሕ ዕዳኻ ምሒረካ ከብቅዕ ንስኻ ነዘን ቁርብ ቊራቦ ክትምሕር ኣይትኽእልን ክብል ከኣ የዋጥሮ።

ኣብዛ ምሳሌ እዚኣኸስ ነዘን ክልተ ተጻረርቲ ግብረ መልስታት ንረክብ። እታ ቀዳመይቲ ናይቲ ንጉሥ ምሳሌ ነቲ ኩሉ ግዜ ዝምሕር ኣቦና ምሕረት እግዚአብሔር እንከተመልክት እታ ካልአይቲ ከኣ ናትና ናይ ደቂሰባት ኩነት ተመልክት። ኣብ መለኮታዊ ኩነታት ፍትሒ ብምሕረት ዝተዓለሰ እንክኸውን ኣብ ደቂሰባት ግን ኣብ ፍትሒ ጥራይ ይድረት። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓይሊ ምሕረት ልብና ክንከፍስ የተባብዓና ከመይ ከምቲ ንፈልጦ ኣብ ሕይወትና ኩሉ ነገራት ብመንገዲ ፍትሒ ኣይኮነን ፍታሕ ዝርከበሉ። ፈቃር ዝኾነ ምሕረት የድልየና። ቀቅድሚ እዛ ምሳሌ ኣብዚ ወንጌል እነንብቦ መልሲ ኢየሱስ ንሕቶ ጴጥሮስ ንርአ። ቅዱስ ጴጥሮስ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ሓወይ እንተበደለንስ ክንደይ ግዜ ክምሕሮ ይግብኣኒ ክሳብ ሾብዓተ ሳዕዶ’ ይብሎ ኢየሱስ ከኣ ‘ክሳብ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን እንታይ ደኣ ክሳብ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ’ ይብሎ። እዚ ማለት ብኣምሳላዊ ቋንቋ ቅዱስ መጽሓፍ ወትሩ ክንምሕር ዝተጸዋዕና ምዃና የመልክት።

ይቅረ ምባልን ምሕረትን መምርሒ ሕይወትና እንተንገብር ክንደይ ስቃይ ክንደይ መቊሰልቲ ክንደይ ውግእ ምተወገደ ነይሩ። እዚ ኣብ ስድራቤት እውን ከይተረፈ የገልግል ክንደይ ፋሕፋሕ ዝበላ ስድራቤታት ኣሕዋትን ኣሓትን ዘየለው ኣዚ ከኣ ቂመ በቀል ሒዝካ ብምንባር እዩ። ምሕረት ዝመልኦ ፍቅሪ ምዝውታርከስ ኣብ ኩሉ መሳርዕ ሕይወትናን ርክባትናን ኣድላዪ እዩ። ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ኣብ መንጎ ውሉድን ወለድን ኣብ ኩለን ማሕበራትና ኣብ ቤተክርስትያና ኣብ ኅብረተብኣውን ፖሎቲኣካውን ሕይወትና እውን ከይተረፈ ኣድላዪ እዩ።

ሎሚ ንግሆ ቅዳሴ ክቅድስ ከሎኹ ካብ መጽሓፈ ሲራክ ሓንቲ ጥቅሲ ልበይ ተንኪፋትኒ ደው ኢለ። እታ ጥቅሲ ከኣ ‘ክትመውት ከም ዘሎካ ዘክር እሞ ጽልኢ ካባኻ ኣርሕቕ’ (ሲራ 28.6)። ጥዕምቲ ጥቅሲ እያ።  መወዳእታኻ ሕሰብ ክትመውት ምዃና ኣስተንትን ሓደ መዓልቲ ኣብ ሳጹን ሬሳ ከምእትኣቱ ሕሰብ  ነቲ ጽልኢ ናብኡዶ ሒዝካዮ ክትከይድ ኢኻ! ሃየ እምበኣር ፍጻሜና ንሕሰብ ጽልኢ ነቋርጽ ቂመ በቀል ንሕደጎ። እስኪ ሎሚ ነዛ ልቢ እትትንክፍ ሓረግ ነስተንትን ‘‘ክትመውት ከም ዘሎካ ዘክር እሞ ጽልኢ ካባኻ ኣርሕቕ’’!

ምሒርካ ምኻኣል ቀሊል ኣይኮነን ከመይ ኣብ ንቡር ቅሱን መነባብሮ እንከሎና ምናልባት ‘ንሱ ወይውን ንሳይ ዘይገበረቶ የብላን ኣነውን እውን ሰናፍ ኣይኮንኩን ዚኣክል ክፍኣት ገረ እየ እሞ ንክትመሓር ምምሓር ዝሓሸ እዩ’ ክንብል ንኽእል። እንተኾነ ኣተለ በቀል ምስ ተመልሰ ከምቲ ፈጺምካ ዘይትገድፈካ ሃመማ ሃንሰ መስቀለ ክመላለስ ምስ ጀመረ ግን ጸገም እዩ። ስለዚ ምምሓር ክንብል እንከሎና ሓንሳእ ገረዮ እየ እሞ በቃ እንብሎ ኣይኮነን። ነቲ ተመላሊሱ ኣብ ልብና ዘዕገርግር ስምዒት ቂምን በቀልን ስዒርካ ደጋጊምካ ምሒረ እየ ብምባል ነቲ ዝፈታተነና ጽልኢ ወትሩ ክነሸንፎ ኣሎና። ‘ክትመውት ከም ዘሎካ ዘክር እሞ ጽልኢ ካባኻ ኣርሕቕ’ እዩ ነገሩ እሞ ክንመውት ምዃና ዘኪርና ጽልኢ ነቋርጽ።

እዛ ናይ ሎሚ ምሳሌ ነታ ዕለት ዕለት እንደግማ ‘በደልና ይቅረ በለልና ንሕና እውን ንዝበደሉና ይቅረ ክንብል ኢና’ እትብል ክፍሊ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ትርጉም ብምልኣት ንምርዳእ ክትሕግዘና እያ። እዘን ቃላት እዚአን ወሳኒ ሓቂ ሒዘን ይጐዓዛ። ንሕና እንተዘይምሒርና ምሕረት እግዚአብሔር ክንረኽቦ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሓደ ውዑል እዩ። ክትመውት ምዃንካ ሕሰብ ምሕረት እግዚኣአብሔር ኣስተንትን እሞ ጽልኢ ኣቋርጽ ነቲ ከም ሃመማ ሃንሰ መስቀለ እናተመላለሰ ዘሸግረካ ቂመ በቀል ካባኻ ኣርሒቅካ ስጐጎ። ንሕና ክንምሕር ክነፍቅር እንተዘይተጊህና ንሕና እውን ኣይክንመሓርን ኣይክንፍቀርን ኢና።

ኣብ እናታዊ ኣማልድነት ኣደ ኣምላኽ ንማዕቈብ። ንእግዚአብሔር ክሳብ ክንደይ ሰብ ዕዳኡ ምዃና ብምዝካር ልብና ንምሕረትን ርሕራሔን ወትሩ ክፉት ንምግባር ንምዝካር ትሓግዘና።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 September 2020, 11:35