ድለ

ቃል ሰላምታ ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቃል ሰላምታ ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር 

ቃል ሰላምታ ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

ነቲ ናይ ማእዝን እምኒ ዝኾነን ሕያዋይ ጓሳን ኢየሱስ ኣጥቢቖም ክሕዙን ካብኡ ክይትፍለዩን ሓደራ

ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን፥ ንዅሎም ሮማውያንን ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጻእኩም ኣባላት ኣባይቲ ስድራን ኣባላት ዝተፈላለያ ቍምስናታትን ማሕበራትን ሰላምታይ አቕርብ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 መስከረ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ዝለገስዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሄር ክኸውን እንከሎ፥

ቃል ሰላምታ ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር
ቃል ሰላምታ ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፍላይ ኣብ ሮማ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ጳጳሳዊ ተቕዋም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ካብ ስሎቨኒያ ናይ ሉቢያና ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮን ሰላም እብል፥ ካብ ኢጣሊያዊት ወረዳ ቸርኑስኮ ናቪሊዮን ኪሶን ማጃኒኮን ዝመኡ መንእሰያት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ነቲ ናይ ማእዝን እምኒ ዝኾነን ሕያዋይ ጓሳን ኢየሱስ ኣጥቢቖም ክሕዙን ካብኡ ክይትፍለዩን ሓደራ ከምዝበሉን ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ኣትለታውያን ጀማውቲ ብዘልምስ ሕማም ዝተጠቕዓ ካብ ከተማ ሲየና ጎደና ፍራንቺገና ነቒለን ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝመጻ ሰላምታኦም ኣቐሪቦም፥ ንናይ ቅዱስ ስቲፋኖስ ሎዲጃኒ ብብሽክለታ ካብ ከተማኦን ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝመጹ መንእሰያት ሰላምታይ አቕርብ፡ ትብዓትኩም አደንቕ ብሓሴትን እምነት ንቕድሚት ክትብሉ ሓደራ እብል ከምዝበሉ ደቦራ ሓቢረን።

ኣብ መወዳእታ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝመጹ ምእመናን፥ ካብ ፖላንድን ሊባኖስን ፈረንሳን መክሲኮን ንዝመጹ ሰላምታ ኣቕሪቦም ብሩኽ ሰንበት ተመንዮን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ደቦራ ኣፍሊጠን።

Photogallery

ነቲ ናይ ማእዝን እምኒ ዝኾነን ሕያዋይ ጓሳን ኢየሱስ ኣጥቢቖም ክሕዙን ካብኡ ክይትፍለዩን ሓደራ
06 September 2020, 19:38