ፍራንቸስኮ፥ ዝሓመመ ሰብ ካብቲ ናይ ሕክምና መርመራ ውዕሊ ንላዕሊ እዩ ፍራንቸስኮ፥ ዝሓመመ ሰብ ካብቲ ናይ ሕክምና መርመራ ውዕሊ ንላዕሊ እዩ 

ፍራንቸስኮ፥ ዝሓመመ ሰብ ካብቲ ናይ ሕክምና መርመራ ውዕሊ ንላዕሊ እዩ

እተካይድዎ ጻዕሪ ከየደንቕኵ ኣይሓልፍን፡ እተቕርብዎ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኩለተናውነት ማዕቅን ዘለዎ ክኸውንን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ማሕጸንን ሕማም ደቀንስትዮ መንሽሮ ሕብረተሰብ ኣብ ዘካይድዎ ናይ 2020 ዓ.ም. ዓመታዊ ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐብሎም ናይቲ ማሕበረሰብ ኣቦ መንበር ነቲ ተበግሶ ዘነቓቐሑ ፕሮፈሰር ሮበርቶ ኣንጆሊ ነቶም ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣላልዮም ብስም ኵሎም ድሕሪ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ፥ ነቲ ዓለም ሓቆፍ ቅርበቶምን ድጋፎምን ኣረጋጊጾም ናይ ሕማም ማዕቅን ጻውዒትን ሓናጽነትን ዝብል ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤምኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም እቲ ዓለም ሓቆፍ ሕብረተሰብ ዝተሓላለዅን ከበድቲ ሕማማትን ንምብዳህ ዝገብርዎ ጻዕርን ኣመስጊኖም፥

ንስኻትኩም ምስቶም ኣዚዮም ብዝተሓላለኸ ሕማም ዘጥቕዑ እተቑምዎ ቅርበት ናይ ሕድ ሕድዊ ርክብ መግለጺ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ኣደታት ጸጋይነት ንሓደጋ ዘቃልዑ ሕማማት ንምብዳህ ህርኩት ጻዕሪ እተካይዱ ኢኻትኩም!

ኵለንተናዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና

ብዓብይ ሓልዮትን ኣኽብሮትን ቡቕባቔን ናይ ኩሉ ሕማም ንምግጣም እተካይድዎ ጻዕሪ ስነ ኣእምሮኣውን ርክብን መንፈሳውን ኵነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ብሕማም ዝተጠቕዔ ኣቃልቦ ዝገብር ከምዝኾነ እንከመላኽቱ፥

እተካይድዎ ጻዕሪ ከየደንቕኵ ኣይሓልፍን፡ እተቕርብዎ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኩለተናውነት ማዕቅን ዘለዎ ክኸውንን ከምዚ ምስ ዝኸውን ከኣ ምትእማንን ተስፋን ፍቕርን የተባብዕ . . . ብፍቕሪ ዝፍጸም ምስ ዝኸውን ኣብ ነፍሱ ወከፍ ዝእለዩ ህሙማን ተስፋ የበራብር . . .

ከምዝበሉ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፥

ናይ ሕማም ኵነት ክህልወና ዝግብኦ ኣቕዋምን ሰብኣዊ ፍጥረት ኣምንቶ ንኽህልዎ ዝድግፍ እዩ፡ ንሓውን ኣሓትን እምንቶ ምግባር፡ ብዓቢዩ ምስ እግዚኣብሔር ሰማያዊ ኣብ፡ ከምቲ ኢየሱስ ከም ምሳሌ ኣብ ዘቕርበልና ታሪኽ ሕያዋይ ሳምራዊ ከምእነስተውዕሎን ንኻልእ ቀረባ ምዃን ዝብል ክብሪ ዘዘኻኽር እዩ!

ከምዝበሉን፥

ናይ ሕሙማን ክብሪ

ህሙማን ቁጽሪ ኣይኮኑን በቲ ዘለዎም ሕማም ዝግለጹን ሕማሞም መንነቶም ገርካ ምቕራብ ጌጋ እዩ። ዝሓመመ ሰብ ካብቲ ናይ ሕክምና መርመራ ውዕሊ ንላዕሊ ከምዝኾነ ምስትውዓል ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ፡ ኣብ መንጐ ሕሙማንን ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሕድ ሕዳዊ ምትእምማን ዘማዕብል ርክብ ንኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ንህሙማንን ወሳኒ ብምዃኑ ኣባይቲ ሕክምና ሳምራውያን ተቕዋማት ክኾና ኣለውን እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ከምዘብርሁ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ምርምርን ኤኮኖምን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ብዙሓት ዘይመኽሰባውያን ማሕበራት ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተዋፊሮም ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ህሙማን ማእከል ዝገበረ ክምዝኾነን ኣብ ኩሉ ሰብኣዊ መዳይ ድምጺ ንዘይብሉ ድምጺ ኮይንካ ክትርከብ ዓቢይ ጸጋ እዩ ከምዝበሉን፥

ድላይ ስነ ምርምር ኤኮኖሚያዊ ሕቶ እውን እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ስነ ምርምር ብኤኮኖሚ ጥራሕ ክምዘን የብሉን፡ ምምዕርራይ እዩ ዘድሊ፡ ሰብ ምምእካል ይግባእ፥ ኣብዚ ናታትኩም ኣገልግሎት ከኣ ደቀንስትዮ ክምእከላ ኣለወን፡ ኣብ ጻዕርኹም እውን ከም ሰብ ንቕድሚት ክትብሉ መታን ዘድሊ ናይ ዕረፍቲ እዋን ክህልወኩም ኣድላዪ እዩ!

እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

እማኖን ቅርበትን

ናይ ደቀንስትዮ ሕማማትን ናይ ስነ ማሕጸን ኣማእኪሉ ዝካየድ ስነ ምርምርን ተበጽሖታቱን መጽናዕትታትን ምስፋሕን ናብ ኩሉ ክባጻሕ መታን ስነ ምርምርን ሰብኣውነትን ኣብ ለጋስነት ምጥማር ኣገዳሲ እዩ፥

ተኣፋፍነትና ሕድ ሕድና ተደላለይትን ተማራኾስትን ከምዝኾነ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጽፍካን ተማእኪልካን ምንባርን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳውነት ምንባር ዝተዓጽፈ ዓይነት ኪደት ክህሉ ኣይግባእን፡ እዚ ምስ እነተውዕሎ ብዓብዩ ሞት ናይ ህልውና ክፍለ ኣካል ምዃኑ ንኸነቃልበሉ ይሕግዘና፥ ሕማም ከኣ ኣብቲ ካባና ዝተፈልየ ሓውን ሓብትን፥ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ፍጹም ካልእ ዝኾነ ሰማያዊ ኣብ እግዚኣብሔር እማኖ ክህልወና ዝድርኽ እዩ! ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ሉቓስ ወንጌል ምዕ. 10 ካብ ፍቕዲ 25 – 37 ዘዘንትዎ ምሳለ ሕያዋይ ሳምራዊ፡

ንኹላትኩም እባርኽ፡ ንዅላትኩም ከከም ዝስዕቦ እምነቱን ባህሉን ሃይማኖቱን፡ እግዚኣብሔር ንዅሉ ሓደ እዩ፥ ንኹሉኻትኩም እባርኽ፡ ናይቲ ናይ ተስፋን ጽንዓትን ውሳጣዊ ሰላም ምንጪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ቡራኬ ኣብ ልዕለኹም ክወርድ እምሕጸን፡ ጸሎተይ አረጋግጸልኵም ምእንታይ ጸሎት ነፍስወከፍኵም ሓደራ እብል . . . የድልየኒ እዩ!

እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ካፐሊ ሓቢረን።

ፍራንቸስኮ፥ ዝሓመመ ሰብ ካብቲ ናይ ሕክምና መርመራ ውዕሊ ንላዕሊ እዩ
12 September 2020, 21:45