ር.ሊ.ጳ. ዕለት 4 መስከረም መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሊባኖስ ክኸውን ይእውጁ

ኵሉ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሊባኖስ ኵላዊ መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ክፍጽም እዕድም፥ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 4 መስከረም ናብ ሃገረ ሊባኖስ ንናይታ ሃገር ሕዝቢ ዘሰንይ ወኪለይ ክልእኽ እየ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ በታ ዕለት እቲኣ ቅርበተይን ድጋፈይን ንኸረጋግጹ ናብ ሊባኖስ ክኸዱ እዮም

ሊባኖስ ትብዓትኪ ዳግም ዕተሪ! ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ሊባኖስ ዘላትሉ ጽንኩር ኩነት እናሓሰቡ፡ ጸሎት ምእንቲ ሊባኖስ ተላብዮም፥ ሊባኖስ ኣብ ብሕትውና ክትጥንጠን የብላን፡ “ንዅሎም ሊባኖሳውያን ምትስፋው ክየቛርጹ ዘድሊ ሓይልን ጸዓትን ኣዋዲዶም ንዳግም ሕንጸት ሃገሮም ክብገሱ” አተባብዕ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሊባኖስ ዳግማይ ሕንጸትን ተስፋን ካብ መዓሙቕ ልቦም ከምእተመነዩን፡ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕልተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ኣብ ጎድኖም ናይ ሊባኖስ ባንደራ ዝሓዙ ተወላዲ ሊባኖስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካህን ኣባ ጆርጅ ብራይድይ ከምዝነበሩን ኣብ በይሩት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ዘኪሮም ቅድሚ 30 ዓመት ቅዱስ ዮሕንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥

ኣብ ቅድሚ ተደጋጋሚ ዝኾነ ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ናይታ ሃገር መሬት ዝነብር ዝፈልጦ ጽንኩር ኵነት ናይታ ሃገር ኣብ ዓቢይ ስግኣት ዘሎ ህልውና ከነስተውዕል ይገብረና። ሊባኖስ ኣብ ብሕትውናኣ ክትሕደግ ዘይከኣል እዩ!

ዝበልዎ ቃል ከምዘቃልሑ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን

ሊባኖስ ናይ ምክብባርን ምቅብባልን ስፍራ

“ንልዕሊ ሓደ ዘመን ሊባኖስ ናይ ተስፋ ሃገር እያ ዝነበረ” ወትሩ “ሊባኖሳውያን ኣብ እግዚኣብሔር ዘለዎም እምነት ዓቒቦምን ኣብቲ ዞባ መሬቶም ናይ ምክእኣልን ምቕብባልን ምክብባርን ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራን ክትከውን ዝገበሩ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ገሊጾም፥

ሊባኖስ ካብ ሓደ ተራ ሃገርነት እያ ዝብል መጸዊዓ ሓቂ ዝኾነ ዓሚዩቕ መግለጺኣ እዩ፥ ናይ ናጽነት ሃገር እያ፡ ንምብራቕን ከምኡ እውን ንምዕራብ ዓለም ናይ ብዙሕነት ኣብነት እያ፡ ናይታ ሃገርን ንዓለምን ድማዕ ዝኾነ ውህሉ ክብሪ’ዚ ክበርስ ኣይንፈቕድን!

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ኣብ ተስፋን ዳግመ ሕንጸት ጽኑዓት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕዝቢ ሊባኖስ ብተስፋን ሓይሎምን ጸዓቶምን ኣዋዲዶም ኣብ ዳግመ ሕንጸት ክጸንዑ ዓዲሞም፥ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ንናይ ሓባር ረብሓ ክተግሁን ብቕንዕናን ብግልነትን ኣብ ዳግመ ሕንጸት ክነጥፉን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነታ ሃገር ክድግፍን እዕድም ቢሎም፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዝተጎድኡ ዘኪሮም፥

ኣሕዋተይ ትብዓትኵም ዳግም ዕተሩ! እምነትን ጸሎትን ሓይልኹም ይዅን፡ ቤትኩምን ውርሻኹምን ኣይትሕደጉ ኣብታ ውቅብትን ጽግውትን ናይ ሃገርኩም መጻኢ እምነቶም ናይ ዝገበሩ ራእይ ደቂ እታ ሃገር ክቕህም ኣይትግበሩ።

ደቂ ቤተ ክርስቲያን ናይ ድኽነትን ስምምዕን ኣብነት

ቅዱስነቶም ንናይታ ሃገር ካህናትን ጓሶትን ገዳምውያንን ገዳማውያትን እናሓሰቡ “ናይ ስምምዕን ናይ ሓቀይና ናይ ምርኻብ ባህሊ መጋበርያ ብምዃን ንሕዝቦም ናይ ድኽነትን ትሕትናን ቀዳሞት ኣብነት ኮይኖም ክርከቡን ናይ ሓባር ረብሓ ጥራሕ ክምልከቱን በዚ ኣገባብ’ዚ ጥራሕ ኢኻትኩም ኣብ ዓረብ ዓለምን ኣብቲ ዞባን ኣብ መንጐ ኣብ ሊባኖስ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታዊ ባህልታት ብሕውነት መንፈስ ናይ ክርስቲያን ህልውናን ክግመት ብዘይከኣል ኣበርክቶኹም ኣቢልኩም ውሑስ እትገብሩ” ከምዝበሉ ማሶቲ ሓቢረን፥

ኣርባዕተ መስከረም መዓልቲ ጸሎት ንሊባኖስ

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥

ኵሉ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሊባኖስ ኵላዊ መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ክፍጽም እዕድም፥ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 4 መስከረም ናብ ሃገረ ሊባኖስ ንናይታ ሃገር ሕዝቢ ዘሰንይ ወኪለይ ክልእኽ እየ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ በታ ዕለት እቲኣ ቅርበተይን ድጋፈይን ንኸረጋግጹ ናብ ሊባኖስ ክኸዱ እዮም፡ ምእንቲ ሊባኖስን በይሩትን ንጸልይ፡ ብጭቡጥ ናይ ፍቕሪ ተግባር ቅርበትና ንመስክር ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፈጸምናዮ፡ ንናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን እምነታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብታ መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ምእንቲ ሊባኖስ ብዝኣምንሉ ኣገባብ ክሓብሩ እዕድም፡

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ኣብ መወዳእታ ኵሎም ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ምእንቲ ሊቦኖስ ተንሲኦም ናይ ጽሞና ጸሎት ከቕርቡ ቅዱስነቶም ከምዝዓደሙን ሓደ ሊባኖሳዊ ካህን ኣብ ጐድኒ ቅዱስነቶም ተረኺቦም፥

ቅዱስነትኩም ነመስግን! በቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ኵነት ኣብኣ ንኽንነብር ዝክኣል ኣይኮነን፡ ድጋፍኵምን ድጋፍ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን የድልየና እዩ፡

ቢሎም ነቶም ኵሎም ዝተሰዱ ማሕበረ ክርስቲያን ሊባኖስ እናሓሰቡ፥

ጸሎትኵምን ድጋፍኩምን ሕውነታዊ ፍቕርዅም የድልየና እዩ፡ ቅዱስነቶም ነታ ፍቕርቲ መሬት ክትባርኹ ኣብ ሊባኖስ ንጽበየኩም ቅዱስነቱም የቐንየልና!

ከምዝበሉ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

 

03 September 2020, 17:30