ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሕግን ፍትሕን ኣካላት፥ ንሰብኣዊ ሕይወት ክብሪ ክህቡ

እቲ ደወል ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር፥ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ክብሪ ንምዝኽኻር ዝካየዱ ፍጻሜታት ዘሰንይ እዩ፡ ናይቲ ደውል ድምጺ ኣብ ፖላንድን ኣብ መላእ ዓለምን ናይ ፍትሕን ሕግን ናይ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ሕልና የነቓቕሕ

ዕለት 23 መስከረም 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ሕይወት ምክልኻል ዘለዎ ኣገዳስነት እንከመላኽቱ፥ እዚ ኸኣ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ዝብል ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩን፡ ኣተሓሒዞም እውን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ልክዕ ኣብዙ እዋን’ዚ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኵባ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዘኪሮም፡ ንኵባ እታ ፍቕርቲ መሬት እንክብሉ ከምዝገለጽዋን ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሕግን ፍትሕን ኣካላት፥ ንሰብኣዊ ሕይወት ክብሪ ክህቡ
ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሕግን ፍትሕን ኣካላት፥ ንሰብኣዊ ሕይወት ክብሪ ክህቡ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘርእስቱ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ወግዓዊ ዝገበሮ ዛዕባ ናይ ሕይወት ክብሪ ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ዝብልን፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ሕክምናውን ስነ ኣእምሮኣውን ኣንፊ ክወርድ ከምዘይብሉን ንምሉእ ሰብ ናብ ምክንኻል ዝበረኸ ክኽከውን ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ዝኾነ ይኹን ስቓይ ዘይብሉ ሞትን ግብረ ቅትለትን ኮኒኖም ንኣባይቲ ስድራን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ቅርበትን ደገፍን የድልይ ከምዝበሉ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ጸዋዕታ ንናይ ሕግን ፍትሕን ኣካላት

ካብ ፖላንድ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ብማሕበር “ሕራይ ንሕይወት” ሓገዝ ዝተሰርሐ “ድምጺ ናይቶም ዘይተወልዱ” ዝብል መጸውዕ ስም ዝተውሃቦ ደወል ሒዞም ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስሉ ቅርዓት ቅዱስ ዳማዞ ከምእተረኽቡን፡ ቅዱስነቶም ካብዚ ተበጊሶም፥

እቲ ደወል ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር፥ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ክብሪ ንምዝኽኻር ዝካየዱ ፍጻሜታት ዘሰንይ እዩ፡ ናይቲ ደውል ድምጺ ኣብ ፖላንድን ኣብ መላእ ዓለምን ናይ ፍትሕን ሕግን ናይ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ሕልና የነቓቕሕ፡ እቲ እንኰን እውነተይና ወሃቢ ሕይወት ዝኾነ ጐይታ ንኣኻትኵምን ኣባይቲ ስድራዅምን ይባርኽ!

ከምዝበሉ ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፥

ቅርበት ነታ ኣብ ኵባ ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝቢ ኵባን

ኣብቲ ኣስተምህር ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተሳተፉ ንናይ ቋንቋ ስፓኒሽ ተጠቐምቲ ሰላምታ ኣቕሪቦምን፥ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 22 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ኵባ ዘካየድዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ከምዝዘከሩን ቸራዞ ሓቢረን፥ ኣብ ሃገረ ኵባ ሓዋርያዊ መገሻ ዘካየዱ ድሕሪ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በነዲክቶስ መበል 16 ስዕቦም ሳልሳይ ር.ሊ.ጳ. ክኾኑ እንከለዉ፥ ኣብ ኵባ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ፈጺሞም ካብ ኵባ ነቒሎም ክሳብ ዕለት 25 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓዋርያዊ መገሻ ከምዘካየዱን ኣብ ዋሽንግቶንን ነው ዮርክን በጺሖምን፥ ኣብ ፊላደልፊያ ምስቶም ኣብ ሻምናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ተጋባእያን ኣባይቲ ስድራ ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ክዝከር እንከሎ፡

ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ኣብ ኵባ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዘካየድኵኦ ሓዋርያዊ መገሻ ዝዝከረሉ ዕለት እዩ፥ ንደቂ እታ ፍቕርቲ መሬት ኣሕዋተይ ጳጳሳትን ካህናትን መላእ ሕዝብን ቅርበተይን ጸሎተይን አረጋግጽ፡ ጐይታ በማላድነት ቅድስተ ማርያም ዘ ኮብረ ሓላዊት ሃገረ ኵባ በቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተቓሊዖም ንዝርከኩ ናጻ ከውጽእን ካብቲ ስቓይ ከናግፎምን እምሕጸን!

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ደሴት ኩባን ለብዒ ኮቪድ - 19ን

ቅዱሚ ቁርብ መዓልታት ናይ ኵባ ብጹዓን ጳጳሳት እቲ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 22 መስከረም 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵባ ዘካየድዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምኽንያት ናይ “ስለ እቲ ምብጻሕ ሞሳን ኣብተን መዓልታት ዝተነብረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተመክሮታቱ ጸጋ ኮነልና” ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ምብጻሕን ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵባዊ ኣእምሮን ህያው ከምዝኾነን ሎሚ እውን እቲ ኣብቲ  እዋን ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ምዕዳንን ስልጣናዊ ትምህርቶምን ነታ ኣብታ ሃገር ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንእተካይዶ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘይጽንቐቕ ምንጪ ከምዝኾነ ንምስክር” ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብዘን መዓልታት እውን ብጹዓን ጳጳሳት ኵባ ህልው ኩነታት ለብዒ ኮቪድ - 19 ጠቒሶም ዘስዕቦ ዘሎ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ሰብኣውን ጸገም ከቢድ ምዃኑ ከምዘመላኸቱ ቸራዞ ሓቢረን፡ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ኵባ ንኣስታት 120 ዜጋታት ናይ ሞት ምኽንያት ከምዝኾነን ሓሙሽተ ሺሕ እውን ብኾሮና ተህዋስ ከም እተለኽፉ የመላኽታ።

23 September 2020, 20:26