ፊሊፒናዊት መንእሰይ ኣብ ዕለተ ምጅማር ጾመ ኣርብዓ ፊሊፒናዊት መንእሰይ ኣብ ዕለተ ምጅማር ጾመ ኣርብዓ  

መሰኻኽር እምነት ኩኑ! ር.ሊ.ጳ ንካቶሊካውያን መማህራን ሃገረ ፍሊፒን

ልዕሊ 1,500 ዝኾና ኣብ ሃገረ ፊሊፒን ዝረከባ ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ በቲ ዘተሓባብረን ማሕበር ካቶሊካዊ ኲስኰሳ ሃገረ ፊሊፒን ካብ ዕለት 21 መስከረም ጀሚሮም ክሳብ ጽባሕ ዕለት 25 መስከረም 2020 ዓም ጉባኤ የካይዱ ኣለው። ቅዱነቶም ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዝለኣዅኦ መልኽእቲ ‘ተመሃሮ ሓልፍነቶም ዝለበሱ ዜጋታት ሃገር ንምግባር ኣብ ኲስኰሳኦም ዝነጥርፉ ንትምህርቶም ኣብ ፈጠራን ትምህርቲ ቤትክርስትያን ሞራልን ክምሥርትዎ ኣለዎ’ እንክብሉ ምኽሮም ለጊሶም።

ዜና ቫቲካን!

ንመንእሰይ ኣብ እትዂስኲሰሉን እትምህረሉን ግዜ ኣብ ትምህርቲ ክነፍዕን ብኩሉ ብሉጽን ክኸውን ጥራይ ምጽዓር ኣይኮነን ዝበሉ ቅዱስነቶም እንታይ ደኣ ሓቀኛታት መሰኻኽር እምነቶም ንክኾኑ ምምሃር እዩ እንክብሉ ቀንዲ ሕመረትን ተልእኮን ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርትን ኲስኰሳኦምን ገሊጾም። እዚ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ብመራኸቢ ብዙሓን ዝግበር ዘሎ ጉባኤ ከም ልማድ ዓመት ዓመት ሥራሓውቶም ንምግምጋምን ንመጻኢ መደባት ንምሕንጻጽን ኣብ ሃገረ ፊሊፒን ዝርከባ ልዕሊ 1,500 ዝኾና ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዝገርብርዎ ጉባኤ እዩ። ቅዱሰንቶም ቀንዲ ተልእኮኦም ሓላፍነት ዝስምዖም ሓላፍነቶም ዝለብሱ መንእሰያት ምህናጽ ከምዘድሊ እዚ ከኣ ኣብ ትምህርተ ክርስቶስን ትምህርቲ ሞራልን ከምዝርከብ ኣዘኻኺሮም።

ሓላፍነትካ ምልባስ ኣብ ትምህርተክርስቶስን ሞራልን እዩ ዝምሥረተ!

ናብቶም ተጋባእቲ ካብ ቅዱስነቶም ዝተላእከት መልእኽቲ ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ዝተኸመት ምዃና እንክምልከት ቅዱስነቶም ንካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዝፈልዮም ከም ካልኦት ሥነ ሓሳባዊ ክለሳ ትምህርቲ ኣብ ምምሃር ጥራይ ከየተኮራ ንጽባሕ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ምኲስኳስ እዞም ሰባት እዚኦም ሓላፍነቶም ዝለብሱ ዜጋታት ሃገር ኰይኖም ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰቦም ዓበይቲ ቦታት ሓላፍነት ለቢሶም ንሓቀኛ እምነቶም ንዓለም ክምስክሩ ከምዝኽእሉ ምግባር እዩ ኢሎም።

መልእኽቲ ቅዱስነቶም ናብ ኣባ አልመር ዲዞን ናይቲ ማሕበር ኣቦመንበር እንክትጸሓፍ ንሶም ከኣ ብግዲኦም ነታ መልእኽቲ ተቀቢሎም ነቶም ተጋባእቲ ከምዘንበቡሎም እንክምልከት ኣብ ጽንኩር ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብያተ ትምህርቲ ከም ኩሉ ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዓቢ ግድል ከምዘጋጠሞ ድሕሪ ምግላጽ ምስዚ ኩሉ ግን ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ቀመም ለውጥን ዕብየትን ምዕባሌን ንምዃን ብዘለውን ዓቅሚ ክኡሉ ቃልሰን ንክቅጽላ ኣበራቲዖም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ፈጠራዊ ክእለት ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ክኲስኲሳ ኣዘኻኺሮም።

ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ፈጠራዊ ክእለት ኣብ ምኲስኳስ ይንጠፋ!

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተረኽቡ መማህራንን ሰብ መዝን ሓደ ዝኾኑ ናይቲ ሃገር ረኪበ ጳጳሳት ኮሚሽን ትምህርተ ክርስቶስን ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርትን ኣባል ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ሮበርቶ ካላራ ማላሪ ነፍሲ ወከፍ ካቶሊካዊት ቤትትምህርቲ ሃገሮም ቤትትምህርቲ ፈጠራ ብምዃን ንግድነታት ተማሃሮስ ይኹን ናይ ሃገር ንክምልሱ ከጽንዑን ክመራመሩን ምሕጋዞምን ምዂስኳሶምን ከምዘድሊ ገሊጾ እዚ ማሕበር እዚ ብፍርሒ ከይዕጾ እኳ ደኣ ንተመሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ምምራሕ ብምሉእ ሓይሉ ከምዝቃለስ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 እውን እንተኾነ ቃልሱ ቀጻሊ ምዃኑ ሓቢሮም።

ጽባሕ ዕለት 25 መስከረም 2020 ዓም ኣብ ምዝዛሙ ናይ ኣህዛብ ስብከተ ወንጌል ኣህዛብ ናይ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ልዊ ኣንቶዮ ታግለ ቃሎም ክህቡ ምዃኖም እውን ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

24 September 2020, 12:28