ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ 2000 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ 2000 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 

ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ 2000 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

ሓሴት ክትሓልሙን ሃረር ክትብሉን እንከለዅም ብጭቡጥ ንኢየሱስ ኢኹም እተናድዩ፡ ሓደ’ኳ ዘርውየኩም ከምዘየለ ምስ እተፈልጡ ንሱ ወትሩ ይጽበየኩም፡ ንሱ እቲ ዝማርኽ ጽባቔ እዩ

እቲ ኣብ ኢዮበልዩ ቅዱስ 2000 ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዙሪያ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዝተኻየደ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ እነሆ ለምዘበን ኣብ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት እቲ ቅነ መንእሰያት ኣብቲ እዋን ኣብቲ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዙሪያ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዝተኻየደ ዋዜማ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ኣባይቲ ስድራ ጉባኤ ኣቦ መንበር ጂጂ ደ ፓሎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ምልስ ቢሎም ክዝክሩ እንከለዉ፥ እቲ ናይ 2000 ዓ.ም. ቅነ መንእሰያት ኪደታቱን ኩሉ ኣብቶም ዝተሳተፉ መንእሰያት ሕይወትን ዝኽርን ዝተሓትመ ምዃኑ ይምስክሩ፥

ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ 2000 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት
ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ 2000 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ዕድመ ምድፋእን ጉድለት ጥዕናን ዝነበሮም እውን እንተነበረ ብመንፈስ መንእሰይ ከምዝነበሩን ብሓባር ምስቶም መንእሰያት ኢየሱስ ንስኻ ሕይወተይ ኢኻ ዝብል ናይ 2000 ዓ.ም. መንፈሳዊ መርሕ መዝሙር ክዝመር እንከሎ ተስፋን ሓሴትን ክምስክሩ ምርኣይ ብሓቂ ኣብቲ እዋን ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርትን ምዕዳንን ትንቢት ከምዝነበረ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ተረጋግጾ ኢሎም።

ሕይወትን ሰላምን ምክልኻል

ኣብቲ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ቶር ቨርጋታ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝተሳተፉ ሎሚ ኣቦ ስድራን ኣደ ስድራን ገዳማውን ገዳማዊትን ዝኾኑን ኣብ ዝተፈላለየ ዕዮን ኣገልግሎትን ዝተዋፍሩን ኣብ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ዝርከቡን ብዙሓት እያቶም። ዕለት 19 ነሓሰ 2000 ዓ.ም. ኣብቲ መደብ ናይ ጸሎት ዋዜማ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ እቶም መንእሰያት ብሓሴትን እምነትን ዝጭርሕዎን ዝዝምርዎን ዝነበረን መዛሙርን ኩሉ እቲ ውዕዉዕ መንፈሶም ከተማ ሮማ ፈጺማ ኣይትርስዖን እያ ዝበልዎ ቃል ሎሚ ክትሓስቦ ሓቂን ህያውን እዩ፡

ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ 2000 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

. . . ነቲ ሓቀይና ተስፋ ንኽትክኡ ዝተለዓዓሉ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽሉ ናይ ሓሶት መሲሓውያን ዝፈጠርዎ ኩነትን ንብዙሓት መንእሰያት ናብ ሞትን ጥፍኣትን ከብሉ ገይሮም እዮም፥ ሎሚ ንስኻትኩም መንእሰያት ኣብዚ ሓድሽ መዋዕል’ዚ ናይ ዓመጽን ዕንወትን ህልቂት መጋባርያ ኣይንኸውንን እትብሉ ተሓለቕትን ተኸላኸልቲ ሰላም ኢኻትኩም፡ ብስእነት መግብን ጥምየትን ዝመውት ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ዝረኣየሉን መሃይምነትን ስእነት ስራሕን ብዝረኣየሉ ዓለም ዘይትማረኹን ኢኻትኵም፡ ሕይወት ኣብዛ ምድሪ ኣብ ኩሉ ህሞት ምዕባሌታቱን ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር እትብሉ ተኸላኸልቲ ሕይወት ኢኻትኩም፡ ዓለም ንኹሉ መንበሪት ክትኸውን ብዘለኩም ዓቕምን ሓይልን እትዓዩን ኢኻትኩም!

እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ይዝከር።

ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ 2000 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት
ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ 2000 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

ኣብ ሳልሳይ ሺሓዊ ዘይምሩኻት ምዃን

ደ ፓሎ ይብሉ - ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝለገስዎ ምዕዳን መንፈሳዊ ቃለ ኑዛዜ እዩ ክትብሎ ይከኣል፡ ንመጻኢ ዘተኮረ ምዕዳን እዩ ዝነበረ፡ “ሎሚ በዓል ሓዳርን ኣቦ ስድራን ምዃነይ ብሓቂ ናይቲ 2000 ዓ.ም. ቅነ መንሰያት ጻማን ጸጋን እዩ” ስለዚህ እቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ምልስ ቢልካ ክትሓስቦ እንከለኻ ኣብቲ እዋን ዝተሓጸረ ዘይኮነ ንመጻኢ ዘተኮረ ከምዝነበረ ተስተውዕል።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ መንእሰያት ዝነበሮም እማኖ

ኩሉ ከምዝፈልጦ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ እዋን ር.ሊ.ጳጵስና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊን ብሓልዮቶምን እዩ ዝተበገሰ፡ እዚ ኸኣ እቲ ንሶም ኣብ መንእሰያት ዝነበሮም እማኖ ዝምስክር እዩ፡ ነቲ ብዙሕ እዋን ኣብ ዓለም እንርእዩ ኣብ መንእሰያት እማኖ ዘይምግባር ኣይፋል ዝብል ቅዉም ሓሳብ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንእሰያት ቀጻሊ እማኖ ዘለዋ ምዃና ዘረጋግጽ ምስክርነት ዮሓንስ ጳውሎስ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝምስክሮ ሓቂ እዩ ኢሎም።

ሓሴት ክትሓልምን ከተማዕድዉን እንከለኻ ንኢየሱስ ኢኻ ትደልይን ሃረር እትብልን

ኣብቲ  ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ቶር ቨርጋታ ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ናይ ጸሎት ዋዜማ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተረኺቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ . . . ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ እነኹልካ በሉ እንክብሉ ብኣጽንዖት ዘቕረብዎ ጻውዒት፥ ኣብቲ እዋን ኣብቲ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዝተሳተፉ ልቢ መንእሰያት ተሓቲሙን ብዙሓት እውን ብዝተፈላለየ ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ መስኪሮሞን ይምስክርዎን ኣለዉ።

ሓሴት ክትሓልሙን ሃረር ክትብሉን እንከለዅም ብጭቡጥ ንኢየሱስ ኢኹም እተናድዩ፡ ሓደ’ኳ ዘርውየኩም ከምዘየለ ምስ እተፈልጡ ንሱ ወትሩ ይጽበየኩም፡ ንሱ እቲ ዝማርኽ ጽባቔ እዩ፡ ኣብ ላንጋ ላንጋን ዋጋን ዕዳጋን ምልምማድ ንኸይትነብሩ ዝድርኽ እቲ ናይ መሰረታዊ ስጓመ ጽምኢ ኣባኻትኩም ዘነቓቕሕ ንሱ እዩ፡ ንሱ እዩ እቲ ንሕይወት ሓሶት ዘምስል መኸወሊ ገጽ ንኽትፈትሑ ዝገብር፡ እቲ ኣባኹም ዘሎ ካልእ ክዕፍኖ ዝደልዮ ሓቀይና ምርጫ ሕይወት ዘነቓቕሕ ንሱ እዩ፡ ኣብ ሕይወትኩም ዓበይቲ ነገራት ንኽትፍጽሙን ሓደ ዓቢይ ሚሳል ናይ ምስዓብ ጽቡቕ ድላይ ኣባኹም ዘሕድርን ዘነቓቕሕ ሓዲግ ምዃን ከይውሕጠኩምን ኣይፋል ንኽትብልዎን ገዛእ ርእስኹምን ሕብረተሰብን ንዝበለጸ ክተመሓይሹን ብሉጽ ሰብኣውን ሕውነታውን ንኽትገብርዎን ብትሕትናን ብጽንዓትን ንኽትጽመዱ ዝድርኸኩም ኢየሱስ እዩ!

እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ደ ፓሎ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዝክሩ።

ኣብ ዓለም እቲ ዝልውጥ ሓዊ ምኹላዕ

ከምቲ ኩሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተዳልዩ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብቲ ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ቅነ መንእሰያት፡ ዕለት 20 ነሓሰ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝሰርዕዎ ናይቲ ቅነ መንእሰያት ናይ መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሳተፉ ድሕሪ እቲ ዘካይድዎ ናይ ጸሎት ዋዜማ መደብ ኣብ ቅርዓት ቶርቨርጋታ ኣብ ባይታ ዘለዎም ኣንጺፎም እዮም ኩሎም መንእሰያት ዝድቀሱ፥

ከምቶም ዝቐደሙ ንስኻትኩም እውን ዝበረኽኩም ከምዝኾንኩም እምነተይ እዩ፥ ናብ ኣባይትኹም ምስ ተመለስኩም ጥፉኣት ኣይትኹኑ ሓደራ፡ ኣብቲ ኣባሉ ዝኾንኩምሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ውሳኔታትኩም ኣዕሙቑ፡ ካብ ናይ ጴጥሮስን ጳውሎስን ከተማ ሮማ ብፍቕሪ አሰንይኩም፥ ቅድስቲ ካተሪና ዘሲየና ዝበለቶ ጠቒሰ፥ ‘እቲ ክትኮንዎ እትደልይዎ እንተድኣ ኮይንኩም ተረኺብኩም ኣብ መላእ ዓለም ዝልውጥ ሓዊ ከተጓሃሁሩ ኢኻትኩም’ እብለኩም!

ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ስብከት ከምዝለገሱን፡ ድሕሪ 20 ዓመት እነሆ እዘን ቃላት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2000 ዓ.ም. ቅነ መንእሰያት ከይተረፋ ሎሚ እውን ኣብ ልቢ ኵሉ መእሰይን ይቕጽልን ፍረ እውን የፍርይን ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት  ዛዚሞም።

ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ 2000 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

Photogallery

ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ 2000 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት
21 August 2020, 16:05