ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ነሐሰ 2020 ዓም - ስለ ኣብ ባሕሪ ዝሰርሑን ኣብኡ ዝነብሩን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ወርሒ መጸ ብቪድዮ ዘመሓላልፍዎ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎቶም ንምግላጽ ንወርሒ ነሐሰ 2020 ዓም ስለ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝሰርሑን ኣብኡ ዝነብሩን ባሕረኛታትን ገፈፍቲ ዓሣን ከምኡ እውን ስለሥድራቤቶም ንጸሊ ኢሎም፥፥

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ወርሒ ነሐሰ 2020 ሓሳብ ጸሎቶም ስለ ኩሎም እቶም ኣብ ባሕሪ ዝሰርሑን ኣብኡ ዝነብሩን ባሕረኛታትን ገፈፍቲ ዓሣን ከምኡ እውን ስለሥድራቤቶም  ክንጽሊ ብምዝኽኻር ነዚ ዚስዕብ መልእኽቲ ብቋንቋ እስፓኒሽ ኣመሓላሊፎም።

ናብራ ባሕረኛን ገፋፍ ዓሣን ሥድራቤታቶምን ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። 

ሓንሳብ ሓንሳብ ተገዲድካ ብምሥራሕ ወይውን ኣብ ርሑቅ ማርሳታት በይንኻ ብምዃን ይግለጽ።

ኣብ ኢንዱስትርያዊ ምግፋፍ ዓሣ ዘሎ ውድድርን ብከላ ባሕርን ነቲ ሥራሕ መሊሱ ይሓላልኾ። ብዘይ ባሕረኛታት ብዙሕ ዞባታት ዓለምና ብጥሜት ምተሳቀየ ነሩ።

ስለ ኩሎም እቶም ኣብ ባሕሪ ዝሰርሑን ኣብኡ ዝነብሩን ባሕረኛታትን ገፈፍቲ ዓሣን ከምኡ እውን ስለሥድራቤቶም ንጸሊ።

እዚ ጻውዒት ጸሎት እዚ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዓለምና ተተርጒሙ ብዓለምለኸ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ጸሎት ቪድዮ ር.ሊ.ጳ ብዝብል ኣርእስቲ ተዘርጊሑ ንረኽቦ።    

ብድምጺ ንምክትታል!
04 August 2020, 13:41