ፍራንቸስኮ፥ ስም እግዚኣብሔር መጠቀሚ ኣይኮነን ፍራንቸስኮ፥ ስም እግዚኣብሔር መጠቀሚ ኣይኮነን 

ፍራንቸስኮ፥ ስም እግዚኣብሔር መጠቀሚ ኣይኮነን

እግዚኣብሔር ዝከላኸለሉ ኣየድልዮን፡ ስሙ መርዓዲ ሕዝቢ ክኸውን ኣይደልን፥ ምእንቲ እዚ ሃይማኖት መጋበሪያ ራዕድን ጽልእን ዓመጽን ነኽራርነትን ምጥቓም ክብቅዕ እለበው!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ብእምነቶምን ብሃይማኖቶምን ምኽንያት ንዝሳቐዩን ዓደዳ ዓመጽ ዝኾኑ ዝዝከርሉ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝቆመ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ብምዃኑ ግምት ብምሃብ ብዕለቱ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መርብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎምእግዚኣብሔር ዝከላኸለሉ ኣይድልዮን ስሙ መርዓዲ ሕዝቢ ክኸውን ኣይደልን፥ ምእንቲ እዚ ሃይማኖት መጋበሪያ ራዕድን ጽልእን ዓመጽን ነኽራርነትን ምጥቓም ክብቅዕ እለበው  ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ክዝከር እንከሎ+

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር ምስ ናይ ምስሪ መንበረ ጥበብ ኣል - ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ብዝገበርዎ ታሪኻዊ ሰነድ ኣቢሎም እቶም ብሃይማኖትን ብባህልን ዝተፈላለዩ ሕዝብታት ብኸመይ ክቀራረቡን ክረዳድኡን ከምዘለዎም ኣስተንፍሶ የቕርቡ፡ ብሓቂ ዝንበር ሕውነት እቲ ሃይማኖት ካልእ ንምጥቓዕ ዒላማ ናይ ምግባር ድርኾት ይልወጥ፥

እምነት ናይ መመዝመዚ መጋበርያ ኣይኮነን

ቅዱስነቶ ብምኽንያት እቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝቖመ ብእምነቶምን ሃይማኖቶምን ምኽንያት ንዓመጽን ሓሳርን ኣሳዶን ዝቃልዑ ዝዝከርሉ ዓለም ሓቆፍ መዓልት ኣብ ዕለቱ እቲ ኣብቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ዘቃልሕዎ ኣቢሎምእግዚኣብሔር ዝከላኸለሉ ኣይድልዮን ስሙ መርዓዲ ሕዝቢ ክኸውን ኣይደልን፥ ምእንቲ እዚ ሃይማኖት መጋበሪያ ራዕድን ጽልእን ዓመጽን ነኽራርነትን ምጥቓም ክብቅዕ ኣላበው ዝብል ሓሳብ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዘመሓላለፉን ኣዚ ኸኣ ሃይማኖት ናይ መጋበርያ ምዝመዛ ክኸውን ከምዘይብሉ የተሓሳስቡ።

ኣብ ሕውነት ንቕድሚት ምስጓም

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ኣብ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ኣቡ ዳቢ እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ኣብ ዝተገበረሉ ዕለት ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንሰብኣዊ ፍጥረት ብሉጽ ናይ ሰብኣውነት መጻኢ እቲ ካብ ዓመጽን ጽልእን ቅርሕንትን ኣኽራርነትን ግብረ ሽበራን ናጻ ዝኾነን ሰላምን ፍቕርን ሕውነትን ሓላፋ ዝብል ብሉጽ ዓለም ንሱ እዩ እንክብሉ ህልውን መጻእን ሃይማኖታውን ባህላውን ፍልልያት ብዘየገድስ ንዝተወሰነ ሕዝቢ ዘይኮነ ምእንቲ ንናይ ኩሉ ረብሓ ብግብርን ብተወፋይነትን ፍቕሪ ንዘሰብኡ ኣብነታውያን ቦታ ዝወሃቦ ክኸውን ከምእተላበዉ ክዝከር እንከሎ፥ ከሃሌ ኵሉ እግዚኣብሔር - እንክብሉ ቅዱስነቶም መልእኽቶም እንክዛዝሙ - እቲ ኵሉ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ረብሓ ዝብል ህርኵት ጻዕሪ ክባርኽን ኣብ ሕወነት ንቕድሚት ክስጐም ይሓግዝ ከምዝበሉ ይዝከር።

ፍራንቸስኮ፥ ስም እግዚኣብሔር መጠቀሚ ኣይኮነን
26 August 2020, 16:05