ጳጳስ ሰበኻ ፐምባ ሃገረ ሞዛምቢክ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ሊስቦዋ ጳጳስ ሰበኻ ፐምባ ሃገረ ሞዛምቢክ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ሊስቦዋ  

ኣጆኹም ጽንዑ! ኣብ ጐድንኹም ኣሎና! ዝብል ሃንደበታዊ ጻውዒት ተለፎን ር.ሊ.ጳ ንጳጳስ ፐምባ ሞዛምቢክ!

ሃገረ ሞዛምቢክ ከም ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ደቡብ ኣመሪካን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ልዕሊ ምድርን ብዘሎ ባርህያዊ ሃብቲ ብልፅግቲ ክንሳ ነዚ ክግብቱ ብዝደልዩ ፈጠርቲ ራዕዲ ኣብ ጸገም ትርከብ። ነዚ ዓመጽ እዚ ዘውገዙ ናይ ፐምባ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ሊስቦዋ ከኣ ምፍርራህን ካልእ ጸገማትን ከቢብዎም ኣብ ዘለወሉ ግዜ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ኣጆኹም ንጉዳያት ንከታተሎ ኣሎና ሻቅሎትኩም ሻቅሎትና እዩ እንክብሉ ብሃንደበት ብተለፎን ከምዝረኸብዎም ንዜና ቫቲካን ገሊጾም።

 ዜና ቫቲካን!

ጳጳስ ሰበኻ ፐምባ ሃገረ ሞዛምቢክ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ሊስቦዋ ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ ‘ዝሓለፈ ሮቡዕ ንግሆ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሃንደበት ተለፎን ደዊሎምለይ’ ክብሉ ይገልጹ። እቲ መደወሊ ምኽንያት ንምርዳእ ሓቲትና ብዝተረዳእናዮ እዛ ሰበኻ እዚኣ ካቦ ደልጋዶ ኣብ ዝበሃል ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገረ ሞዛምቢክ ትርከብ ኰይና ብ2010 ዓም ኣብቲ ገማግም ባሕራ እዚ ዘይበሃል ዕቊር ሃብቲ ጋዝ ከምዘሎ ካብ ዝግለጽ ኣትሒዙ ሰብኣዊ ቅልውላው ከይተፈልያ ክሳብ ሕጂ ትሕመስ ኣላ።

መጥቃዕቲ ዳዕሽ ንወደባዊት ከተማ ሞቺምቦዋ!

ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ሊስቦዋ መግለጺኦም ብምቅጻል ድሕሪ ሰላምታን ምጽንናዕን ኩነታት ሃገሮም ከምዝገለጹሎም ምናዳ ከኣ ዝሓለፈ ሶሙን ምስ ዳዕሽ ምትእስሳር ኣሎና ዝብሉ ዕጡቃት ሓይልታት ንወደባዊት ከተማ ሞቺምቦዋ ዳ ፕራያ ከምዘጥቅዕዋን ንኣታቶም ከልቅቁ ክብሉ ናይ መንግሥቲ ሠራዊት ኣብቲ ከባቢ ዘካይድዎ ዘሎ ውግእን ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዘይምርግጋእ ናይቲ ከባብን እውን ገሊጸሎም። ሽሕ’ኳ ድሕሪ እዚ መጥቃዕቲ እዚ መን ኣሎ ዝብል ዓቢ ግድል ገና ዘይተፈትሐ እንተኾነ ክሳብ ካብ ሶማልያ ኣል ሸባብ ዝበሃሉ ኣለውዎ ከምኡ እውን ኢሲስ ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ጥርኑፍ እስላማዊ ምንቅስቃስ ዳዕሽ ኣሎና ይብሉ።

ልዕሊ ሓደ ሶሙን ደሃይ ኣጥፊኤን ዘለዋ ክልተ ደናግል!

ብፁዕነቶም ትረኻኦም ብምቅጻል ንቅዱስነቶም ጸገማትና እዚ ጥራይ ከምዘይኮነ እኳ ደኣ ዝገደደ ድሕሪ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መጥቃዕቲ ወደባዊት ከተማ ማቺምቦዋ ዳ ፕርያ ኣብታ ከተማ ዘገልግላ ዝነበራ ክልተ ደናግል ደሃይ የብለንን። እዘን ደናግል እዚአን ኣባላት ዓለም ለኸ ማሕበር ደናግል ቅዱስ ዮሴፍ ቻምበሪ ምዃነን እውን ሓቢረዮም። ቅዱስነቶም ብጣዕሚ ከምዝሓዘኑን ኣብ ጸሎቶም ክዝክሩና ምዃኖምን ብምርግጋጽ መጽናንዒ ቃላቶም ሂቦምኒ ኢሎም።

ኣደላንተ - ብጽንዓት ንቅድሚት ገስግሱ!

ብፁዕነቶም ኣብ ምዝዛም እዛ ሃንደባዊት ርክብ ተለፎን ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሓውጾተ ኖልዎ ክገብሩ ናብ ሃገረ ሞዛቢክ ዝመጽዎ ብዝምካር ኣብቲ ግዜቲ እቲ ኩነታት ካፖ ደልጋዶ ክሳብ ክንደይ ኣጸጋሚ ከምዝነበረ ኣጸቢቆም ከምዝዝክሩ ንዝኾነ ዘድልዮም ሓገዝ ናይ ቅድስት መንበር ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕብልና ሓላፊ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርኒ ከዘራርቡ እሞ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበር ምስ ኣተባብዑኒ ብወገኖም ብጸሎት ከምዝሓስቡናን ምስ ገለጹለይ ንሕና እውን ምእንታኦም ዕለት ዕለት ከምእንጽሊ ምስ ገለጽኩሎም ‘ኣደላንተ’ ኢሎምኒ እዚ ከኣ ብእስፓኒሽ ‘ሃየ እምበር ንቅድሚት ገስግሱ ንእምነትኩም ብጽንዓት ሓዙ’ ማለት እዩ ቅዱስነቶም ከኣ ብዛ ቃል እዚኣ ዘረባኦም ዛዘሙ ኢሎም።

ዕግርግር ዞባ ካቦ ደልጋዶ!

ካብ 2017 ዓም ጀሚሩ ሰሜናዊ ዞባ ሞዛምቢቅ ሞት ብዘስዕቡ መጥቃዕትታ ምስ ተሃወጸት ኰይኑ እዚ ከኣ ብዚ መጹ ዘይትብሎም ዕጡቃት እሞ ከኣ ዘመናዊ ኣዕናዊ ኣጽዋር ዝሓዙ ካብ በዓል ታንዛንያ ዚኣመሳሰሉ ጐረባብቲ ሃገራት ሰሊኾም ብምእታው የሸግርዋ ከምዘለው ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን እንክሕብር ኣብ ካቦ ደልጋዶ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ኣብ ምሉእ ዞባ ፍርህን ራዕድን ዘሪኡ ሕይወት ብዙሓት ቀዚፉ ንብዙሓት ካብ ቤትንብረቶም ከምዝፈናቀሉ ገሩ። ቅድሚ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽናዮ ምርካብ ጋዝ እቲ ዞባ ብድኽነትን ዝደሃኽ ብምንባሩን ድሕሪ እዚ ርኽበት እዚ ጂሃዳውያን ፈጠርቲ ራዕዲ ኣብቲ ቦታ ብዝገብርዎ ምንቅስቃስ ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ኰይና ኣብ ልዕሊ ጥሜትን ጭንቅን ስደትን ምፍንቃልን ተሓዊስዎ እቲ ዞባ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ከምዝርከብ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ናይ ሞት ምፍርራህ ጳጳስ ፐምባ!

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንከሎ እዩ እምበር ጳጳስ ፐምባ ክንዲ እቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ኰይኖም ሕጊ ጐደለ ድኻ ተበደለ ኢሎም ፍትሒ ንክወጽእ ቃሎም ዘስምዑ። ነዚ ስዒቡ ከኣ እዚ ዘይበሃል ጸለመን ክስን ከምኡ እውን ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዘላ ብዙሕ መፈራርሂ ከምዝተላእኮም ተመልኪቱ።   

ብድምጺ ንምክትታል!
21 August 2020, 11:08