ሕጂ እውን እንትኾነ ንሃገረ በላሩስያ ዘተን ፍትሕን እዩ እቲ ፍታሕ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 16 ነሐሰ 2020 ዓም ጉባኤ ኣስተምህሮ ናይ ዕለቱ ኣቅሪቦም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ምስ ደገሙ ኣብ ዓለምና ህጹጽ ትኲረት ካብ ዘድልዮም ብዙሓት ሃገራት ነታ ብምኽንያት መረጻ መራሕ ሃገር ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሃገረ በላሩስያ ከምኡ እውን ንነትጒ ባርዓ ወደብ በይሩት ስዒቡ ኣብ ሃገረ ሊባኖስ ዘሎ ቅልውላው ዘኪሮም ዘተን ፍትሕን ክርከብ ብጸሎት ክንሕግዝ ብምዝኻኽር ንማሕበረሰብ ዓለምን ቀንዲ ተዋሳእቲ እቲ ጉዳያትን ንዘተን ፍትሕን ከቀድሙ ጻውዒት እውን ኣቀሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ወትሩ ምስ ምእመናን ኣብ ዝራኸቡሉ ግዜ ዝገብርዎ ስለብዙሕ ነገራት እኳ ዝዛረቡ እንትኾነ ኣብዚ ዕለታት እዚ ግን ደጋጊሞም ስለሰላም መላእ ዓለምን ክንጽሊ ካብ ምትሕስሳብ ሓሊፎም ብዛዕባ እተን ኣብዘን ግዝያት እዚአን ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ቅልውላው ዝርከባ ሃገረ ሊባኖስን በላሩስያን ዘተኰረ ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቅሪቦም።

“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ስለ ሃገረ ሊባኖስን ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለምና ንሕዝቢ ሥቃይ ዘስዕቡ ኩነታትን ጸሎተይ ቀጻሊ እዩ ዘሎ። ከምኡ እውን ሃመይን ቀልበይን ናብታ ፍቅርቲ ሃገር ሃገረ በላሩስያ ይጐዓዝ። መርጻ መራሕ ሃገር ስዒቡ ኣብታ ሃገር ንዝተኸስተ ቅልውላው እከታተሎ ኣሎኹ። ሎሚ እውን ደጊመ ጽውዒተይ ኣቅርብ። ንዝኾነ ዓመጽ ወጊድ ኢልካ ንዘተን ፍትሕን ክብርን ወዲሰብ ክሕሎ እምሕጸን። ንኩሎም ሕዝቢ በላሩስያ ናብታ ንግሥተ ሰላም ዝኾነት ድንግል ማርያም ኣማዕቊቦም።”

እንክብሉ ሻቅሎቶም ምስ ገለጹ ኣብዚ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ዓለምና ናይ ዕረፍቲ ግዜ ዘዘውትረሉ ካብቲ ንመላእ ዓለም ዘንቀጥቅጥ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ክጥንቀቁ ነቶም በዚ ሕማም እዚ ዝተኸስቱ ጸገማት ኣለሊኻ ንብዙሓት ብዘይ ሥራሕ ዝተረፉ እሞ ድራር ዕለት ዝሰኣኑ ሥድራቤታትን ካልኦት ጽጉማት ኣሕዋትን ኣሓትን ብምሕሳብ ነፍሲወከፍ ካብታ ዘላቶ ክሕግዝ ብምዝኽኻር ወትሩ ከምዝብሎ ስለ ምጽላይ ኣይትረስዑ እንክብሉ ብሰላምታን ሓዋርያዊ ቡራኬን ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

16 August 2020, 13:23