ር.ሊ.ጳ. ንሃገረ ማላዊ ናይ መተንፈሲ መሳርዕ ሕክምና ለጊሶም ር.ሊ.ጳ. ንሃገረ ማላዊ ናይ መተንፈሲ መሳርዕ ሕክምና ለጊሶም 

ር.ሊ.ጳ. ንሃገረ ማላዊ ናይ መተንፈሲ መሳርዕ ሕክምና ለጊሶም

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማላዊ ርእሰ ከተማ ሊሉንግወ ማእከላዊ ዞባ ሊኩኒ ንዝርከብ ቤት ሕክምና ተልእኾ ንዘቕርቦ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መሳለጢ ዝውዕል ዝለገስው መሳርዕ ኣድሕን ሕይወት - ናይ መተንፈሲ መሳርዕ ነቲ ብልኡካነ ወንጌል ፍራንቸስካውያን ደናግል ማሕበር ንዝመሓደር

ኣብ ማላዊ ርእሰ ከተማ ሊሎንግወ ዞባ ማእከል ሊኩኒ ክፍለ ከተማ ኣብ ዝርከብ ተልእኾ ቤት ሕክምና ንዘቕርቦ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መሳለጢ ዝውዕል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍላይ ብኾሮና ተህዋስ ብኸቢድ ንዝተጠቕዓ ንዝወሃቦም ሕክምና መሳለጢ ዝውዕል ኣድሕን ሕይወት - ናይ መተንፈሲ መሳርዕ ከምዝለገሱ ክሕበር እንከሎ ናይቲ ቤት ሕክምና ዋና ኣመሓዳሪት እናቴ ኣኘዘ ሉንጉ ጸሎትን ሞሳን ንቕዱስቶም ነቕርብ ከምዝበላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቀረባብ ተሓባብርቶም ዘበርክትዎ ሓገዝ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ለብዒ ኮቪድ 19 ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘተኮረን ብኾረና ተህዋስ ብኸቢድ ንዝተለኽፉ ንዝቐርበሎም ኣግልግሎት ክንክን ጥዕና መሳለጢ ዝውዕል ዘቕርብዎ ሓገዝ ይብርክት ከምዘሎን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማላዊ ርእሰ ከተማ ሊሉንግወ ማእከላዊ ዞባ ሊኩኒ ንዝርከብ ቤት ሕክምና ተልእኾ ንዘቕርቦ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መሳለጢ ዝውዕል ዝለገስው መሳርዕ ኣድሕን ሕይወት - ናይ መተንፈሲ መሳርዕ ነቲ ብልኡካነ ወንጌል ፍራንቸስካውያን ደናግል ማሕበር ንዝመሓደር 231 መደቀሲ ህሙማን ዘለዎ መብዛሕቲኦም ሓረስቶትን ብትሑት እቶት ንዝመሓደሩ ኣገልግሎት ዘቕርብን፡ ኣብ ዓመት ንልዕሊ 45 ሺሕ ህሙማን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህብ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነቲ ቤት ሕክምና ዝለኣኸው ሓገዝ ዘረከቡ ኣብ ማላዊን ዛምቢያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ኣቡነ ጃንፍራንኮ ጋሎነ ከምዝኾኑ ዘንጋሪኒ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሃገራት ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ወግዓዊ ድረ ገጽ ናይ ሊሎንግወ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ታርቺሲዩስ ዚያየ ዝሃብዎ መግለጺ መሰረት ዝሓቦ ሓበሬታ ጠቒሰን እንከመልክታ፡ ብጹዕነቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣዚዩ ከምዘተሓሳስቦምን፥ ብጸሎትን ብንዋታዊ ድጋፍን ንዘቕርብዎ ሓገዝን ዘረጋግጽንዎ ቅርበቶምን ነመስግን፡ ምእታኦም ሓደራ ንጸልይ -  ቢሎም - እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ኣድሕን ሕይወት መሳርዕ መተንፍሶ ኣብ ግብእን ኣዚዩ ኣብ ዘድልየሉን እዋን በጺሑና” ከምዝበሉ ይሕብራ።

ማላዊ ኣብ ዓለም እታ ኣዚያ ድኻ ዝኾነት ሃገርን ብኾሮና ተሕዋስ 4,998 ከምእተለኽፉን 2.576 ከምዝሓወዩን 156 ከምዝዓረፉን ክሕበር እንከሎ፡ ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ብቑዕ ብዘይ ምዃኑ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማላዊ ካብ ወጻኢ ብእትረኽቦ ሓገዝን ብናይ ልኡካነ ወንጌል መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣቢላ ኣብ ክንክን ጥዕናን ህሙማን ምእላይ ዓቢይ ኣገልግሎት ከምእተቕርብ ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ንሃገረ ማላዊ ናይ መተንፈሲ መሳርዕ ሕክምና ለጊሶም
24 August 2020, 16:46