ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ዘተን ሰላምን ኣብ ምብራቓዊ ዞባ መዲትራኒያን

ናይቲ ከባቢ ሕዝብታት ሰላም ዓቢይ ስስግኣት ዝኾነ ውጥረት ብሓናጺ ዘተን ብምኽባር ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕግን መሰረት መዕለቢ ክረክብ ጻውዒት አቕርብ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ሞሪሸስ ዘጋጠመ ሓደጋ ብከላ ማያት ባሕሪ ጠቒሶም ምኽባር ተፈጥሮ ክህሉ ሓደራ ቢሎም ኣስዒቦም ናይ ዘይምርግጋእን ውጥረትን ሕመረት ንዝኸውን ዘሎ ዞባ እናሓሰቡ ዘተን ምኽብር ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕግን ክህሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤልቪራ ራጐስታ ሓቢረን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ ምብራቓዊ መዲትራኒን ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት እናሓሰቡ፥

ኣብ ዞባ ምብራቓዊ ዞባ መዲትራኒያን ዘሎ ውጥረትን ዘይምርግጋእን ብቐረባ እከታተሎን ኣዚዩ እውን የተሓሳስበኒ፥ ናይቲ ከባቢ ሕዝብታት ሰላም ዓቢይ ስስግኣት ዝኾነ ውጥረት ብሓናጺ ዘተን ብምኽባር ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕግን መሰረት መዕለቢ ክረክብ ጻውዒት አቕርብ!

ከምዝበሉ ዝሓበራ ራጐስታ ኣስዒበን፥

ናይቲ ከባቢ ውጥረት መንቀሊ

ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ቅንያት ኣብ ምብራቓዊ ዞባ  ሜድትራንያን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ኣቢሉ ብዝተረኽበ ነዳድን ጋዝን ሃብቲ ተፈጥሮ ምኽንያት ኣብ መንጐ ግሪኽን ቱርክን ዝፈጠሮ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ስዒቡ ዝተፈጥሮ ዘይምርድዳእ ኣዚዩ ክብ ኣበለ ናብ ውጥረት ገጹ የብል ምህላውን ክንገር እንከሎ ኣብ ቀረባ እዋን ግሪኽን ቱርክን ስዒቡ እውን ኣብ መንጐ ቱርክን ሊቢያን ኣብ መንጐ ግሪኽን ምስርን ኣብ ዙሪያ ሃብቲ ማያት ባሕሪ ኣጠቓቕማ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ከምእተበጽሔ የዘኻኽራ።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ምክንኻን ተፈጥሮ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ክብ ዕለት ሓደ መስከረም ክሳብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ዓመታዊ ክብሪ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝቕጽል ዓለም ሓቆ መዓልቲ ጸሎት ክንክን ተፈጥሮ እናሓሰቡ፥

ካብ ዕለት 1 መስከረም ክሳብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 4 ዕመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብሓባር ምስ መላእ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ምእመናን ምስ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ዓለም ሓቆ መዓልቲ መሬት ተተሓሒዙ ዝበዓለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ንምክንኻን ተፈጥሮ ብሓባር ክሳተፉ እላበው!

ከምዝበሉ ዝሓበራ ራጐስታ  ኣስዒበን፥ ንኹሎም ኣብቲ ጸሎተ መልኣከ  እግዚኣብሔር ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ኣፍሊጠን።

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ዘተን ሰላምን ኣብ ምብራቓዊ ዞባ መዲትራኒያን
31 August 2020, 17:38