ድለ

ፍልሠታ ለማርያም ዓቢ ዝላ ዘመደ ኣዳም ንቅድሚት! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 15 ነሓሰ 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንንጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተዘኪሩ ዝወዓለ በዓለ ፍልሠታ ለማርያም ኣመልኪቶም እኖና ድንግል ማርያም ብነፍሳን ብሥጋእን ንሰማይ ብምፍላስ ንዓና ነታ ሰማያዊት ዘለዓለማዊት ሃገርና ንምውራስ መንገዲ ብምሕባር እግራ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ኣንበረት እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!

ወድሰብ ንመጀመርያ ግዜ እግሩ ኣብ ወርሒ ምስ ረገጸ ሓንቲ ሓጻር ዘረባ ተባሂላ ነበረት ንሳ ኸኣ ኣብ ኩሉ ህቡብነት ረኸበት። ‘እዚ ፍጻሜ እዚ ወዲሰብ ክገብሮ ንዘለዎ ዓቢ ዝላ ንእሽቶ ስጉምቲ እያ’ ትብል ነበረት። ከም ሓቁ ከኣ ወዲሰብ ሓደ ዓቢ ታሪኻዊ ሾቶ ወቅዔ። ሎሚ ፍልሠተ ድንግል ማርያም ንሰማይ እንክነኽብር ግን ካብዚ ዓወት እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ዕብየት ኢና ነብዕል ዘሎና።  እኖና ድንግል ማርያም እግራ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ረገጸ ብመንፈስ ጥራይ ኣይኮነትን ከይዳ እንኮላይ ሥጋይ ብምልኣት እያ ንሰማይ ፈሊሳ። እዛ ብንእስት ፍጥረት ድንግል ናዝሬት ዝተገብረት ስጉምትኸስ ነቲ ዓብይ ዝላ ድሕነት ደቂሰባት ሓንቲ ስጉምቲ እያ። ኣብዚ ምድር እዚ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዘይንነብር እንተኾና ናብ ወርሒ ምብጻሕ ዝጠቅሞ ነገር የብሉን። እንተ ሓንቲ ከማና ኣብ ሰማይ ብነፍሳን ብሥጋኣን ምፍላስ ግን ዓቢ ተስፋ ይህበና። ክቡራት ፍጥረት ምዃና ንትንሣኤ ዝተመደብና ምዃና ይርዳኣና። እግዚአብሔር ኣካልና ሱቊ ኢሉ ክጠፍእ ኣይገድፎን። ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሔር ዝጠፍእ ምንም ነገር የለን። ብእኖና ድንግል ማርያም እታ ዕላማ ተበጺሓ እያ። ንሕና ከኣ እንጐዓዞ ናበይ ገጽና ምዃኑ ኣነጺርና ንምልከት። ናይዚ ዓለም እዚ ሓላፊ ነገራት ንምውናን ኣይኮነን ንጐዓዝ እንታይ ደኣ ነታ ዘለዓለማዊት ዝኾነት ሰማያዊት ዓድና ክንወርስ እዩ ጒዕዞና። እኖና ድንግል ማርያም እትመርሓና ኮኸብ እያ። ከመይ ንሳ ቀዲማትና ንሰማይ ዓሪጋ ኣላ። ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ ኸኣ ‘ማርያም ነቲ ኣብ ጒዕዞ ዘሎ ሕዝበ ሓቀኛ ምልክት ተስፋን ምጽንናዕን ኰይና ቀቅድሚኡ ተንጸባርቅ (ብርሃነ ኣህዛብ 68) ቢሉ ይምህር።  

እኖና ድንግል ማርያም እንታይ ኮን ትመኽረና! ኢልና ምስ እንሓትት ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል እታ ቀዳመይቲ ቃላ ‘ነፍሰይ ንእግዚኣአብሔር ተዕብዮ’ (ሉቃ 1,46) ትብል ንረክብ። ነዘን ቃላት እዚአን ብዙሕ ግዜ ስለእንደጋግመንን ስለእንሰምዔንን ብዛዕባ ትርጉሙ ንዝንግዕ። ኣዕበየ ማለት ንሓደ ነገር ክብ ክተብሎ ክተዕብዮ እንከሎኻ እዩ። ማርያም ከኣ ንእግዚኣአፍብሔር ተዕቢ ክብ ተብሎ። ኣብቲ ግዜቲ ጸገም ኣይነበራን ማለት ኣይኮነን ክንዲ ንጸገማት ምትዕብባይ ግን ንእግዚአብሔር ተዕቢ። ናባና ምልስ እንብል ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን ንጸገማትና ብምትዕብባይ ብፍርሂ ከምእንወሓጥ ዘይንገብር።  እኖና ድንግል ማርያም ግን ቀዳማይ ናይ ዕብየት ቦታ ሕይወታ ንእግዚአብሔር ስለዝሃበት ከምዚ ናትና ኣይተጸገመትን። እቲ ዓቢ ጸሎታ ካብዚ ይምንጩ ታሕጓሳ ካብዚ ይውለድ እምበር እቲ ቀዲሙ ወይ ድሒሩ ዘይተርፍ ጸገም ዘይነበራ ኰይኑ ኣይኮነን። ታሕጓስከስ ካብቲ ወትሩ ኣብ ጥቃና ኰይኑ ዝሕግዘና  ምስ እግዚኣአብሔር ምህላዋ ንኣኡ ቀዳምነት ሂባ ስለዝተጓዕዘት እዩ። ከመይ እግዚአብሔር ልዕሊ ኩሉ ዓቢይ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንትሑታትን ይሕልዎም። ናይ ፍቅሩ ድኻምነት ንሕና ኢና ከመይ ንናኣሽቱ ይሕሉ የፍቅሮም ከኣ።  

እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ጸሎታ ትሕትናኣ ትቅበል ነቲ እግዚአብሔር ዝገበረላ ዓበይቲ ነገራት ከኣ ተቃልሕ (ሉቃ 1.49)። እዘን እግዚአብሔር ዝገበረላ ዓበይቲ ነገራት ኣዮኖት ኮን ይኾና! እንተበልና   ቅድሚ ዝኣገረ እቲ ክንዮ ማንም ትጽቢት ዝኾነ ውህበት ሕይወት ማርያም ድንግል ነበረት እንተኾነ ትጸንስ ከምኡ እውን እታ ብሽምግልና ዕድሜኣ ዝሓለፈ ኤልሳበጥ ትጸንስ። ጐይታ ብናኣሽቱን ኣብ ናኣሽቱ ትሑታትን ዘደንቁ ዓበይቲ ነገራት ይገብር።  እዚኦም ዓይነት ሰባት እዚኦም ብምንም ተኣምር ዓበይቲ ኮይኖም ኣይስምዖምን እንተኾነ ኣብ ሕይወቶም ንእግዚኣአብሔር ዓቢ ቦታ ይህቡ። ንሱ ከኣ ብኣኡ ንዝተኣማመን ዘበለ ኩሉ ምሕረቱ ይዝርግሕ እሞ ንትሑታት ክብ የብሎም። እኖና ድንግል ማርያምከስ ንእግዚኣአብሔር ስለ እዘን ነገራት እዚአን እያ ንጐያታ ትውድሶ።   

ንሕናኸ! ንእግዚአብሔር ውዳሴዶ ነቅርብ! ስለቲ ዝገበርለና ዓበይቲ ነገራት ነመስግኖዶ ንኸውን! ሕስብ እሞ ኣብልዎ! ንዘወፍየልና ነፍሲወከፍ መዓልቲ! ስለፍቅረና ወትሩ ንዝምሕረና! ስለእቲ ርሕራሔኡ ነመስግኖዶ!  እንደገና ኣደኡ ኣደና ክትከውን ስለዝሃበና ከምኡ እውን ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ንዝህበና ኣሕዋትን ኣሓትን! ስለ ሰማይ ምኽፋቱ ነመስግኖዶ! ነቲ ዝተገብረልካ ሠናይ ነገር ምስ እትርስዕ ልቢ ይሽቊረር። እንተ ከም እኖና ድንግል ማርያም ነቲ እግዚኣአብሔር ዝገበረልና ዓበይቲ ነገራት እንተዘከርና እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ እንተወዲስናዮን እንተኣመስጊናዮን ዓቢ ስጒምቲ ንቅድሚ ከድና ማለት እዩ። እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ንእግዚኣአብሔር ብሩክ ኣንተ ኢለ እንክውድስ ንእሽቶ ጸሎት ትመስል ኰይኑ ንእግዚኣአብሔር ምውዳስ እዚ እዩ። በዛ ንእሽቶ ጸሎት እዚኣ ልብና ይሰፍሕ  ታሕጓስና ይዓቢ። ነታ ኆኅተ ሰማይ ዓንቀጽ ሰማይ ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ዕለት ዕለት ናብ ሰማይ ገጽና እናጠመትና ናብ እግዚአብሔር ቊሊሕ ኢልና ተመስገን የቀንየለይ ኣመስግነካ ኣሎኽ እውድሰካ ኣሎኹ ክንብሎ ጸጋ ክተውህበና ንለምና። ከምቲ ናኣሽቱ ንዓበይቲ የቀንየለይ እናበሉ ዘመስግንዎ እዩ ነገሩ።

ድሕሪ እዚ ኣስተምህሮ እዚ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም ስለ እታ ብዙሕ ትሳቀ ዘላ ሃገረ ናይጀርያ ጸሎት ኣዕረጉ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

15 August 2020, 21:39