ንዓለምና ካብ ለበዳ ክነሕዊ ንሕና ካብ ሕማም ግላዊ ጥቅሚ ምድላይን ሸለልትነትን ንሕወ! ር.ሊ.ጳ

‘ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ስማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም ኣምላኽ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም፡. . . እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦ’ (ዘፍ 1.27-29, 2.15)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ለበዳ ሕማም ኩልና ክሳብ ክንደይ ተኣፈፍትን ኣብ ነንሕድሕድና ዝተኣሳሰርናን ምዃንና ኣብሪሁልና። ካብቶም ዝደኸሙ ጀሚርና ማለት በዚ ለበዳ ሕማም እዚ ካብ ዝተጠቅዑ ጀሚርካ ንተፈጥሮ ደሚርካ እንተዘይተኻናኺንና ንዓለምና ክነሕውዮ ኣይንኽእልን።

ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ምስክርነት ፍቅሪ ደቂሰብን ክርስትያናዊ ፍቅሪ ፍቅሪ ብጻይን ንዘርኣዩ ንጥዕና ገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ እናኣውደቁ ኣብ ሓገዝ ሕሙማት ንዝነጠፉ ብጣዕሚ ንንእዶም ነመስግኖም። ብሓቂ ጀጋኑ ዘመንና እዮም። ዝኾነ ኰይኑ ክንቃለሶ ዘሎና ሕማም ኮሮና ቫይረስ ጥራይ ኣይኮነን ከም ሓቁ እንተኾኑ እዚ ለበዳ ሕማም እዚ ካልእ ተሓቢኡ ዝነበረ ሕማማት ማሕበረሰብ ከግህድ ጀሚሩ። ሓንቲ ካብዚኤን ኣብ ደቂሰባት ዘሎና ቄናን ኣረኣእያ ክብሪ ወዲሰብን ምስ ካልኦት ክህልዎ ንዘለዎ ግድነታዊ ሰብኣዊ ርክብን ዕሽሽ ዝብል ኣመላኽታ እዩ። ሓንሳእ ሓንሳእ ንካልኦት ከም ነገራት ክንፈርዶምን ተጠቂምካ እትድርብዮም ዓይነት ነገራት ገርካ ክትምልከቶምን ይርኤ። ከም ሓቁ እንተዀይኑ እዚ ኣመለኻኽታ እዚ ጠመተና ኣዕዊሩ ንኣይ ይጥዓመኒ ጥራይ ትብለሉ ግላዊ ጥቅሚ ብምቅዳም ንካልኦት ተጠቂምካ ደርቢ ዝዓይነቱ ዘፍርህ ኣተሓሳስባ ማለት ንነፍሲወከፍና ክትጥቀመሉ ዘሎካ ነገር ገርካ ኣብ ናይ ምርዳእ ሓደጋ የወድቀና። (ሓሴተ ወንጌል 53, ስብሕ ወውዱስ 22 ተመልከት)።

  ብብርሃን እምነት ከም እንርድኦ ግን እግዚኣአብሔር ንሰብኣይን ሰበይትን ብካልእ መንገዲ ከምዝምልከቶም እዩ። ንሱ ከም ናይ ጥቅሚ ነገራት ገሩ ኣይፈጠረናን እንታይ ደኣ ክነፍቅርን ክንፍቀርን እንኽእል ሰባት ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ፈጢሩና (ዘፍ 1,27)። በዚ ከምዚኸስ ፍሉይ ክብሪ ኣልበሰና ምስኡ ብውህደት ክነብር ከምኡ እውን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሕብረት ንተፈጥሮ እናሓሎና ክነብር ፈጠረና።  ብሓድነትን ብውህደትን ክንብል ንኽእል። ፍጥረት ኩሉ በዚ ውህደት እዝን ሓድነት እዝን እዩ ተፈጢሩ። እዚ ውህደትን ሓድነትን እዚ ሱታፌ እዩ። እግዚኣአብሔር ንፍጥረት ክንቅጽልን ንሕወይት ክንዕቅብን ክእለት ሂቡና (ዘፍ 1.28-29) ንመሬት ከኣ ክንሰርሓን ክንከናኸናን ሂቡና (ዘፍ 2.15, ስቡሕ ወውዱስ 67)። ብዘይ እዚ ሱታፌ እዚ ንሕይወት ክነቀጽላን ክንሕልዋን ከምዘይንኽእል እኳ ደኣ ንዕንወት ከምዝኾነ ብሩህ

እንተ እቲ ንግላዊ ጥቅሚ ጥራይ ዝደፋፍእ ዝንባሌ ናይ ሱታፌ ኣይኮነን። ነዚ ኣብነት ዝኸውን ኣብ ወንጌል ኣሎና። ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ንኢየሱስ እዞም ደቀይ ሓደ ብየማንካ ሓደ ብጸጋምካ (ማቴ 20.20) ምምልካት ይከኣል። ንሳ ድቃ ያዕቆብን ዮሓንስን ኣብ የማንን ጸጋምን እዚ ሓዲስ ንጉስ እዚ ክቅመጡ ደልያ። ኢየሱስ ግን ካልእ መንገዲ ይሕብር። እዛ መንገዲ እዚኣ መንገዲ ኣገልግሎትን ሕይወትካ ንካልኦት መሥዋዕቲ ምቅራብን ይነግራ። ብኡ ንብኡ ከኣ ንክልተ ዕውራት ፈውሲ ተኸተልቱ ብምግባር ነዚ የረጋግጸላ (ማቴ 20.29)። ኣብ ሕይወትካ ንሥልጣን ኢልካ ምቅላስ ካብ ካልኦት ዝለዓልካ ኰይንካ ክትርኤ ሒዅ ምባል ነዛ ሱታፌ ዝበልናይ ውህደት የዕኑ። ናይ ምግዛእ ምዕብላል ንካልኦት ናይ ምጭቋን መንፈስ ይዕብልል። እንተ ውህደት ካልእ ጉዳይ እዩ። ኣገልግሎት እዩ።

ናብ ኣሕዋትናን ኣሓትንን ብሕልፊ ከኣ ናብቶም ዝሳቀዩ ዘቅንዓ ኣዕይንቲ ክህበና ንጐይታ ንለምኖ። ከም ተኸተልቲ ክርስቶስ ግላዊ ጥቅምና እንደሊ ወይውን ሸለልተኛታት ክንከውን ኣይግባእን። እዘን ክልተ ጉዳያት እዚአን ማለት ጥቅሚ ገዛእ ርእስኻ ምድላይን ሸለልተኝነትን ተጻይ ውህደት ተጻይ ሱታፌ እየን። ሸለልትነት ክንብል እንከልና ጸገም ብጾተይ ከይርኢ ናብ ካልእ ገጸይ እጥምት ግላዊ ጥቅሚ ምድላይ ከኣ ንዓይ ጥራይ ዝብል ጥቅሚ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ምድላይ እዩ። እቲ ብእግዚኣአብሔር ዝተፈጥረ ውህደት ሱታፊ ናብ ብጾትና ቁሊሕ ክብንል ንጽጉማት ክንምልከት ግድላት ካልኦት ብሕብረት ክትፈትሕ ምግዳል እዩ ዝሓተና። ጐይታ ነፍስወከፍና ኣብ ዝኾነ ወዲሰብ ዓሌትን ኩነቱን ባህሉን ቋንቋኡን ብዘየገደስ ክብሪ ወዲሰብ ርኢና ክንክእል ይሓተና። እዚ ዝበልናዮ ውህደት ወይውን ሱታፌኸስ ኣብ ነፍሲወከፍ ወዲሰብ ብእግዚኣአብሔር ዝተፈጥረ ክብሪ ወዲሰብ ክትርኢ የኽእለካ። ማእከል ኩሉ ወዲሰብ እዩ።  ክብሪ ዝለበሰ ክቡር ወዲሰብ ማእከል ፍጥረት እዩ።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዚ ክብሪ እዚ ካብ ሰብ ዘይፍለ ምዃኑ ንክገልጽ ‘ከመይ ብመልክዕ እግዚኣአብሔር ስለዝተፈጥረ’ እንክብል ኣብ ደስታን ተስፋን 12 ይገልጾ። እዛ ክብሪ እዚኣ ከኣ መሠረት ናይ ኩሉ ማሕበራዊ ሕይወት ኰይና ንኩሉ ወዲሰብ ዝምርሓሉ ዕላማታት ትውስን። ኣብ ዘመናዊ ባህሊ ናብዛ ብምንም ተኣምር ካብ ሰብ ዘይትፍለ ክብሪ ወዲሰብ እትቀራረብ ኣዋጅ ኩለንትናዊ መሰላት ወዲሰብ ዝብል ኰይኑ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ነዚ እንክገልጽዎ ‘እምኒ ኲርናዕ ኰይና ኣብቲ ነዊሕን ጽንኩርን ዝኾነ ጒዕዞ ወዲሰብ ዝተቀመጠት’ ይብልዋ።  ከምኡ ኣውን ‘ካብ መግለጺታት ሕልና ወዲሰብ እታ ዝለዓለት መግለጺት’ ይብልዋ። እዚ መሰላት እዚ ንግለሰብ ጥራይ ኣይኮኑን ንማሕበረሰብ ኣውን እዮም ንሓፋሽ ሕዝብን ንሃገራትን ዝወሃብ መሰል እዮም። ወዲሰብ ክንብል እንከሎናኸስ ብክብረቱ ብኣምሳል ሓደን ሥላሴን ዝኾነ ኣግዚኣአብሔር ዝተፈጥረ ማሕበራዊ ፍጡር እዩ።  ንሕና ማሕበራውያን ፍጡራት ኢና በዚ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ውህደት ሱታፌ ክንነብር ኣሎና እንተኾነ ኣነነት ሳዕሪሩ ብዛዕባ ካልኦትን ማሕበርና ከይተገደስና ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ነተኲር እንተኾና እዚ ብጣዕሚ ክፉኣት ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብሃልትን ይገብረና ነታ ውህደት ወይውን ሱታፌ ዝበልናያ ከኣ የዕኑ።

እዛ ዝተሓደሰት ጠመተ ክብሪ ወዲሰብ ብዙሕ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖሎቲካውን ጽልዋታት ኣለዋ። ንኣሕዋትካን ኣሓትካን ምስ መላእ ፍጥረት ከም ውህበት ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ኣቦ ገርካ ምቅባሉን ፍሉይ ኣቃልቦ ዘድልዮን ብጥንቃቄ ክትንከባኸቦ ዘሎካ ምዃኑን ክስቈረካ የድሊ። ከምዚ ብምግባር ኣማኒ ዘበለ ኩሉ ንኩሉ ከም ሓው/ሓውቲ እምበር ከም ጓና ዘይኮነ ብምምልካት ብርሕራሔን ለውሃቱን እምበር ብምቊንጻብን ብጽልእን ክቀርቦ የብሉን።  ንዓለም እውን ብብርሃን እምነት እናኣስተንተና ንምዕባሌኣ ክሰርሕ ብረድኤት ጸጋ እግዚኣብሔር ተደጊፉ ብዝተዓደሎ ናይ ፈጠራ ተውህቦን ወንን ከኣ ንድራማታት ታሪኽ መፍትሒ ክረኽበሉ ይቃለስ። ንኩለን ትዕድልትታኡ ካብ እምነት ዝምንጩ ሓላፍነት ገሩ ብምምልካትን ብምርዳእን ኣብ ኣገልግሎት ዘመደ ኣዳምን ተፈጥሮን ንከውዕሎ እግዚኣአብሔር ዝዓደሎ ምዃኑ ይገንዘብ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ኩልና ንኩልና ብኣልማማ ንዘጥቅዕ ዘሎ ቫይረስ ንምፍዋስ ብሕብረት ኣብ እንቃለሰሉ እዋን እምነትና ንዝኾነ ክብሪ ወዲሰብ ዝትንክፍ ነገር ምናዳ ኸኣ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ሸለልትነት ኣበርቲዕናን ብቀጻልን ክንጻብኦ ይምሕጸነና። እዛ ከቢባትና ዘላ ናይ ምጉሓፍ ባህሊ ማለት ተጠቂምካ ጐሓፍ ዝጠቅሙኻ ጥራይ ሓዝ ካልእ ኣየገድስን እትብል ናይ ሸለልትነት ባህሊ እያ። እምነት ኩሉ ግዜ ንክትሓዊ ፍቃደኛ ምዃን ትደሊ ከምኡ እውን ካብቲ ከቢቡና ዘሎ ግላዊ ጥቅሚ ክንሓዊ ትዕድመና እዚ ከኣ ናይ ግልናን ናይ ጉጅለታትናን ክኸውን ይኸውን ናይ ግልኻ ፓርቲ ጥራይ ምባል ከም ኣብነት ከቀርብ ይኽእል።  

ጐይታ ነታ ዓሚማ ሒዛትና ዘላ ዑረት ኣልዩ ኣባላት ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ዳግም ንክንርዳእ ኣዕይንቲ ልቦናና ይኽፈተልና። እዚ ሓዲስ ብርሃን እዚ ከኣ ኣብ ጭቡጥ ተግባራት ርሕራሔን ክብርን ናይ ነፍሲወከፍ ሰብን ክንክንን ዕቃቤን ናይ ሓባር ቤትናን ዝሰጋገር ይግበረልና። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

12 August 2020, 13:40