ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጸጋ ኣምላኽ ንምልላይ ቅኑዓትን የዕንቲ ኣገደስት እያተን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጸጋ ኣምላኽ ንምልላይ ቅኑዓትን የዕንቲ ኣገደስት እያተን 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጸጋ ኣምላኽ ንምልላይ ቅኑዓትን የዕንቲ ኣገደስት እያተን

ኣብዚ ቅልጡፍ ምቅይያር ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ህሞትን ሕብረተሰብን እግዚኣብሔር ናይ ሕይወት ቀንደይና ተዋሳኢ ምዃኑን ንኣኡ ዝትክእ ኣብ ምንዳይን ሓደጋ ንኽይንወድቕ ዝድረኸና ናይ ዓለም ጠመተ ክህልወና ካብ ዝገብር ፈተና ምጠንቐቕ

ኣብ ብራዚል ዕለት 16 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ናብ ዝተበገሰ ቅነ ገዳማውያንን ገዳማውያንትን፥ ንኻልኦት ህያብን ብሓሴት ንድኻታት ኣገልጋሊ ንምዃን ጠመተና ኣብ ኢየሱስ ቅዉም ምግባር የድሊ እንተዘይኮነ ግና ራእይና ኣብ ዓለማዊ ነገራት ክኸውን ዝድርኽ ስግኣት የጓንፈና ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ገዳማዊ ሕይወት ናይ ራእይን ጠመተን ሕቶ እዩ፥ ገዳማውያትን ገዳማውያንን ናይ ጸዋዕታኦም ተልእኾ ዝነብርዎ ጠመተኦም ኣብ ክርስቶስ ኣቑይሞም ኣብ መንጐ ሕዝብን ምስ ሕዝብን ምስ ዝነብሩ ጥራሕ እዩ፡ ካብዚ ወጻኢ ናይ ዓለም ምዃን እዩ ዘጋጥም፡ ቀዳምነት ንጸሎት ሓደራ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥ እቲ ክሳብ ዕለት 22 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ዝቕጽል ኣብ ብራዚል ቅነ ገዳማውያንን ገዳማውያንትን ኣናስር ጸዋዕታ ብእግዚኣብሔር ከም እተፈቐርካ ኣብ ምስትዓውልን፡ ናይ ሓሴት ጸዋዕታ ዝኸውን ገዛእ ርእስኻ ንኻልኦት ህያብ ኣብ ምግባርን ምውፋይን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ንምንባር ምግልጋል

ኣብዚ ቅልጡፍ ምቅይያር ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ህሞትን ሕብረተሰብን እግዚኣብሔር ናይ ሕይወት ቀንደይና ተዋሳኢ ምዃኑን ንኣኡ ዝትክእ ኣብ ምንዳይን ሓደጋ ንኽይንወድቕ ዝድረኸና ናይ ዓለም ጠመተ ክህልወና ካብ ዝገብር ፈተና ምጠንቐቕን ካብዚ ፈተና’ዚ ገዛእ ርእስና ምሕላው፡ ካብዚ ፈተና እዚ ፍቱን ፈውሲ ድማ ኣብ ኩሉ ኣገልግሎትናን ትውሳኤናን ጸሎትን ጠመተና ኣብቲ ኣብ ምግልጋል ምንባር ኣብ ዘኽእለና ኢየሱስ ምግባር እዩ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ብናይ እግዚኣብሔር ልቢ

ቅዱስነቶም ኣብ 2014 ዓ.ም. ንገዳማውይንን ገዳማውያንትን - ውፉያን ሕይወትን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ዓቢይ መብጽዓ ንጸዋዕታ ገዳማዊ ሕይወት ኣብ ዝፈጸምናሉ እዋን ጠመተና ብሓቂ ኣብ ኢይሱስ ድዩ ነይሩ? እንክብሉ ዘስመሩሉ ሕቶ ጠቒሶም ጠመተና ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዝኸውን ንኹሎም ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ንዘጋጥሙና ምፍቃሮምን ምሕረት ምቕራብን ሓላፍነትና ከምዝኾነን ነስተውዕል ቢሎም ጠመተና እቲ ምፍቃር እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ዝመሓረና ኢየሱስ ቅዉም ምግባርን ልቡ ልብና ምግባሩን ኣፍቀርትን መሓርን ንኸውን የብቅዓና እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

20 August 2020, 18:09