ድለ

ብርእሰን ተጣቢቀን ተወሊደን ብሕክምናዊ መጥባሕቲ ዝተፈላለያ! ብርእሰን ተጣቢቀን ተወሊደን ብሕክምናዊ መጥባሕቲ ዝተፈላለያ! 

ር.ሊ.ጳ ተላጊበን ዝተወልዳ ብሓገዝ ሕክምና ንዝተፈላለያ ማናቱ ኣጠሚቆም! ኣዲአን ተመስግን!

ብባንቢኖ ጀሱ ዝፍለጥ ኢየሱስ ሕጻን ሆስፒታል ተኣምራዊ ክትብሎ ብዘድፍር መንገዲ ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተጣቢቀን ተወሊደን ንዝመጻ ማናቱ ብዓወት ፈላልዩ ክልቲኤን ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ተጠሚቀን። ኣዲአን ሓጐሳን ምስጋናኣን ንምግላጽ ናብ ቅዱሰንቶም ኣብ ዝጸሓፈቶ መልእኽቲ ‘እታ ብ2015 ቅዱስነቶም ኣብ ባንጊ ዝኸፈትዋ ቅድስት ማዕጾ ዓመት ድሕነት ኢየቤል ኣብ ምድሪ እውን መንገዲ ከፊታትልና እነሆ ብኣኣ ሰጊረ ደቀይ ድሒነን ካልኦት ከምዚ ከማይ ንዝተጸገሙ እውን ክሰግርዋ እምነ’ ኢላ።

ዜና ቫቲካን!

እተን ብርእሰን ለጊበን ዝተወልዳ ማናቱ ኤርቪናን ፕረፊናን ይበሃላ። ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣጠሚቆመን። እዚ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ክልቲኤን ናይ ምፍላይ መጥባሕቲ ኣብ መዕቆብ ሕጻናት ኢየሱስ ሕጻን እዩ ተፈጺሙ።

ኣደ እዘን ቈልዑ ኔርሚን ንዞቶ ትበሃል ኰይና ካብ ከተማ ባንጊ 100 ኪሎ ሜትር ርሒቃ ኣብ እትርከብ ቦታ ዝተወልደት ኰይና ጓል ንእሽቶ ቊሸት ኣብ ዱር እየ ክትብል መልእኽታ ትጅምር እሞ ነታ ቅዱስነቶም ብ2015 ዓም ተጻይ ኩሉ መኸላእታ ደፊሮም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሩሉ ነቲ ዓመት ድሕነት ኢሎም ዝኣወጅዎ ምጅማር ከኣ ኣብ ከተማ ባንጊ ቅዱስ ማዕጾ ምሕረት ብምኽፋት ንምሉእ ዓለም ምሕረት እግዚኣአብሔር ንዚኣውጅዎ ዘኪራ ከምቲ ሽዑ ኣብቲ ማንም ዘይግምቶ ድሕሪ ኩሎም ካብ ትስራዕ ከተማ ነዚ ዓቢ ፍጻሜ ዝጀመሩ ሎሚ ከኣ እዘን ብተኣምራት ዳግም ዝተፈጥራ ደቀይ ብቅዱስነቶም ክጥመቃ ምርኣይ እግዚአብሔር ወትሩ ኣብ ጥቃ ትሑታትን ድኻታትን ከምዘሎ የረጋግጸለይ። እግዚአብሔር ፈቂድዎ ደቀይ ዓብየን ኣብ ትምህርቲ ክወፍራን ምስ ካልኦት ክማሃራን እሞ ፍልጠት ቀሲመን ቃል ኣምላኽ ከንብባለይ ክርኢ እህንጠ። ነዚ ኩሉ ዝገበረ ከኣ እቲ ሓንሳእ ተኸፊቱ ዝተዓጽወ ቅዱስ ማዕጾ ዘይኮነ ብኣኡ ገርኩም ዝሃነጽክምዎ መራኸቢ ድልድል ከምቲ ንዓይ ዝሓገዘ ንኩሎሞ ጽጉማት ክሕግዝ ከምኡ እውን ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾነ ወለንተኛታት ጉጅለ ሓካይም ነተን ክትፈላለይን ዘይከኣል ዝነበረ ደቀይ ዝሓከሙ ኩሎም በዛ ድልድል እዚኣ ኢና ክንራከብ ክኢልና። ከማይ ጸጉማት ገና በዚ ድልድል እዚ ክሰግሩ እምነ እንክትብል ምስጋናኣ ገሊጻ።

ኣብ መደምደምታ መልእኽታ እንደገና ነቲ ብ2015 ዓም ናብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ንምኻድ ዘርኣይዎ ትብዓት ብምዝካር ‘መንከስቲ ጣንጡን ዝነበረ ውግእ ሓድሕድን በዲህኩም ዝገበርክምዎ ምብጻሕ ነታ ረዳኢተ ክርስትያን ለሚንኩም ስለዘስምዓኩም ስለዝኾነ ሎሚ እውን እንተኾነ ዘድሊ ኣጸቢቅኩም ስለትፈልጥዎ ጸልዩልና ከመይ እዚ ተአምር ናይ ደቀይ ጸሎት ደጊፍዎ እዩ ናብ ዓወት ዝበጽሐ። ንሰባት ሓደ ክገብር ዝኽእል ጸሎት ስለዝኾነ ኣነ ምእንታኹም ምናዳ ንእኖና ድንግል ማርያም ክልምን እየ። ንዓለምና እንታይ ከምዘድልዮ ስለእትፈልጡ ምእንታና ጸልዩ ኢለ ሓደራ ኣይብለኩምን ወትሩ ትገብርዎ ስለዝኾነ ብማለት መልእኽታ ዛዘመት።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

11 August 2020, 11:00