ኮቪድ 19: ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ክንክን ጥዕና፥ ክትባት ካብ ኡማውነት ናጻ ይኹን ኮቪድ 19: ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ክንክን ጥዕና፥ ክትባት ካብ ኡማውነት ናጻ ይኹን 

ኮቪድ 19: ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ክንክን ጥዕና፥ ክትባት ካብ ኡማውነት ናጻ ይኹን

ንትካላት ክትሕግዝ ኣብ እትብገሰሉ ኣየኖት እየን ብዘይ ኣድልዎ ንዅሉ ዝሕግዛ ኣየኖትከ እየን ትሑት መነባብሮ ንዘለዎም ዝድግፋ ንሓባራዊ ሰናይ ነገርን ንምክንኻን ተፈጥሮን ኣበርክቶ ዘለወን ኢልካ በዘን ኣርባዕተ መምዘኒታት ምምልካት የድሊ

ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮ ክንክን ጥዕና ዋና ኣመሓዳሪ ገብረየሱስ ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ድልያን ሙከራን ጸረ ኮቪድ 19 ክትባት ንንግዳዊ መኽሰብ ካብ ዝብልን ካብ ምዝመዛዊ ሸቶ ናጻ ክኸውን ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ከምዘተሓሳሰቡን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት እውን “ኣብ ድልያ ክትባት ጸረ ኮቪድ 19 ድሮ እቲ ዝረአይ ዘሎ ዝምባለ ኡማውነት ነቲ ለብዒ የብእሶ ኣሎ” እንክብሉ ገሊጾም - ናይ ጸረ ኮቪድ 19 ፍወሳን ናይ ክትባት መድሃኒትን ብዘይ ኣድልዎ ብዅለን ሃገራት ተበጻሒ ክኸውን ኣለዎ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ክትባት ኮቪድ 19 ቀዳምነት ንሃብታማት ዝበሃሎ እንተድኣ ኰይኑ ዘሕዝን ምኾነ! ዝገደደ ከኣ ንገለ ሃገራት ቀዳምነት ክትባት ጸረ ኾረና ተህዋስ ይወሃብ እናበልካ ንዅሉ ዝጥርንፍ እንተድኣ ዘይኮነ ዘሕዝን ምስ ኮነ! ኣክንዲ ንትሑት ናብራ ዘለዎምን ንዝተሓረጉን ድኻታትን ንምርዳእን ንሓባራዊ ጥቅሚ ንምቕዳምን ንተፈጥሮ ምክንኻን ገለ ሓገዝ ንዘየበርክታ ቊጠባዊ ትካላት ናይ ሕዝቢ ገንዘብ ከም ሓገዝ ምሃብ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ዕንቅፋት ምዃኑ ምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ስለዚ ንትካላት ክትሕግዝ ኣብ እትብገሰሉ ኣየኖት እየን ብዘይ ኣድልዎ ንዅሉ ዝሕግዛ ኣየኖትከ እየን ትሑት መነባብሮ ንዘለዎም ዝድግፋ ንሓባራዊ ሰናይ ነገርን ንምክንኻን ተፈጥሮን ኣበርክቶ ዘለወን ኢልካ በዘን ኣርባዕተ መምዘኒታት ምምልካት የድሊ።” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ክርስቶስ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ድልያ ጸረ ኾረና ተህዋስ ክትባት ልክዕ ከምቲ ወንጌል ቀዳምነትን ሓለፋን ንድኻታት እንክብል ዘነቓቐሖ ፍሉይ ኣማራጺ ንዝተሓርጉ ሓቛፍን ንዝተንዕቁ ምንቕቓሕን ናይ ሓባር ረብሓን ተፈጥሮ ምክንኻን ዝብል መምዘኒ ግምት ዝህብ እንተድኣ ዘይኮነን ክንደይ ዘሕዝንን ዘጉህን እዩ ዝኸውን፡ ስለዚህ እቲ ርኽበት ክትባት ነዚ ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ሎሞናኮ ኣስዒቦም  

ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ክንክን  ጥዕና፥ ኣይፋል ንኡማውነት

ዓለም ሓቆፍ ክንክን ጥዕና ዘለዎ ሓላፍነትን መሰረታዊ ዕማም ቅዋሜኡ ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ሓሳብ ዝሰማማዕ እዩ፡ ዕለት 18 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ናይ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ክንክን ጥዕና ዋና ኣመሓዳሪ ተድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ኣባላት ሃገራት፥ “ኡማውነት ክትባት ጸረ ኮቪድ 19 ብዓንተውኡ ኣይፋል ክብላ” ጻውዒት ኣቕሪቦም  ገብረየሱስ ኣስዒቦም - እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ዓለም ሓቆፍ ወድብ ምስ መንግስታትን ምስ ናይ ግሊ ትካላትን ብምትሕብባር ሓደስቲ ተበጽሖታትን ርኽበትን ንኹሉ ብፍላይ ነቶም ኣብ ከቢድ ስግኣት ንዝርከቡ ድልው ክኸውን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሉ ንሕጹጽ ድልያ ክትባት ጸረ ኮቪድ 19 ብሓባር ይዓዩ ኣሎ - ብሓጺሩ - ኡማውነት ቀረብ ክትባት ነቲ ለብዒ ክሰፍሕን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ነቲ ለብዒ ንምብዳህ ዘኽእል ኵሉ ቀረብ ፍሽለት ዘስዕብ ይኸውን” እንክብሉ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ።

ክትባትን ዓለም ሓቆፍ ወፈራ ድልያን

ሩስያ እቲ ናይ ሃገራ ተቕዋም ጋማለያን ደሓር እውን ስዒባ ቻይና ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ረኺብና እንክብላ ከምዝሓበራን መንግስቲ ብራዚል እውን ብወገኑ ብሓደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ምርምርን ሙከራን ማእከል ዝተረኽበ ኣብ ሙከራ ዘሎ ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ኣብ ሃገሩ ነገልግሎት ክውዕል ከምዝወሰነን መንግስቲ ኣውስትራሊያ እውን ብወገኑ እቲ ኣብ ኦክስፎርድ መንበረ ጥበብ ተረኺቡ ኣብ ኪደት ምዕባለ ዝርከብ ዘሎ ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ምስ ኣንግሎ ሽወደናዊ ኣስትራዘነካ ትካል ብዘካይዶ ስምምዕ መሰረት ግድነታዊ  ክትባትን ዝብል ውሳኔ ከመሓላልፍ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርኽበት ክትባት ጸረ ኾረና ተህዋስ ይኹን ካልእ ጸረ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዘገልግል ርኽበት ክትባት ንመኽሰብ ዝኣመተ ክኸውን ከምዘይብሉን ኣብዚ ሓሳብ’ዚ እውን ኢጣሊያን ፈረንሳን ጀርመንን ሆላንድን እቲ ዝርከብ ክትባት ንኹሉ ዝቐርብ ናይ ሓባር ሃብትን ንናይ ኩሉ ረብሓን ብዝብል ሓሳብ ድሮ ናይ ሓባር ቃል ኪዳን ከምዘቖማን ሮማ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ክንክን ጥዕና ስነ ምርምር መምህር ናይ ኢጣሊያ ሚኒስትር ክንክን ጥዕናን ኣማኻሪ ፕሮፈሰር  ዋልተር ሪካርዲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከዘኻኽሩ እንከለዉ፡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ኣደ መንበር ኡርሱላ ቮን ደር ላየን ኣብ ቀረባ እዋን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ “ኾረና ተህዋስ ዓለም ለኻዊ ብድሆ እዩ፡ ስለዚህ ንምግጣሙን ንምብዳሁን ዓለም ሓቆፋዊ ምትሕብባርን መሻርኾን ኣገዳስን ወሳንን እዩ” ከምዝበላን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣውን ምስ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “እቲ ለብዒ ንመላእ ዓለም ናይ መጠንቀቕታ ደወል እዩ። ዓለም ሓቆፋዊ ስግኣተ ሞት፡ ሓድሽ ሓድነትን ምትሕብባርን ይጠልብ” ከምዝበሉ ይዝከር።

ክትባትን ዓለም ሓቆፍ ወፈራ ድልያን
20 August 2020, 18:18