ናይ ኣልቢኖ ሉቻኒ ጉባኤ ናይ ኣልቢኖ ሉቻኒ ጉባኤ 

ናይ ኣልቢኖ ሉቻኒ ጉባኤ

ከም ሎም ቅድሚ ኣርብዓን ክልተን ዓመት ብትኽክል ዕለት 26 ነሓሰ 1978 ዓ.ም. ብጹዕ ካርዲናል ኣልቢኖ ሉቻኒ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ተሓርዮምን ኣብ ሰገነት ባዚሊክ ቅዱስ ጴጥሮስ ደይቦም

 ቅልል ብዝበለ ቋንቋ ንምእመናኖም ዘረድእዎን ሎሚ ኣብ እዋንና ካብ ቀደም ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ንቤተ ክርስቲያን ተኣማንን እሙንን ናይ ምዃን ኣብነት እዮም እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የብርሁ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከም ሎም ቅድሚ ኣርብዓን ክልተን ዓመት ብትኽክል ዕለት 26 ነሓሰ 1978 ዓ.ም. ብጹዕ ካርዲናል ኣልቢኖ ሉቻኒ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ተሓርዮምን ኣብ ሰገነት ባዚሊክ ቅዱስ ጴጥሮስ ደይቦም ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ብዝብል ብዝመረጽዎ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መጽውዕ ስሞም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ማእለያ ዘይብሎም ምስ ዝተሓርየ ር.ሊ.ጳ. ንኽላለዩ ዝተኣከቡ ምእመናን ሰላምታ ዘቕረቡላን ዝባረኹላን ዕለት ትዝከር፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. መጸውዕ ስሞም ከኣ ናይ ሮንካሊ ናይ ር.ሊ.ጵጵስና መጸውዕ ስም ዮሓንስ መበል 23ን ዝብልን ድሕረኦም ናይ ዝተሓርዩ ሞንቲኒ ናይ ር.ሊ.ጵጵስና መጸውዕ ስሞም ጳውሎስ ሻድሻይ ዝብል ብሓደ ዝጠርነፈ እዩ፡ ሉቻኒ ብዮሓንስ መበል 23 ጳጳስ ተሸይሞም ናይ ቪቶሪዮ ቨነቶ ጳጳስ ኮዮምን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንኽሳተፉ ከምዝገበርዎምን ንናይ ሰበኻኦም ምእመና ካልእይ ጉባኤ ቫቲካን ብተራ ቋንቋ ኪደት እቲ ጉባኤ ዘረድኡን ከምዝነበሩን ጳውሎስ ሻድሻይ ከኣ ካርዲናል ቢሎም ከምዝሰመይዎምን ትሑትን ለዋህን ዝብላ ቃላት ናይ ተክለ ሰብነቶም መግለጺ እያተን።

ጸረ ናይቲ ዝሰፍሕ ዝነበረ ጸላማውነት

ኣብ ምስንዳው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሉቻኒ ኣብ’ቲ ንኽካየድ ዝተወሰነ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ካብቲ ኩሉ ተዛማዲ እዩ ዝብል ባህሊ ዝውለድ ጸላማውነት/ዘይትስፍውነት ንምብዳህ ናይ ትንሱእ ክርስቶስ ትምህርቲ ዝኾነ “ናይ ክርስትና ታሕጓስን ውዕዉዕ ስምዒትን” ከጉልሕ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣብ ናይ መዘክር ጽሑፎም ዘንበሩ እዮም። ነዚ ኸኣ እቲ ናይ እምነት ተራ ረቛሒ ዝኾነ ብዙሕ እዋን ዝዝንጋዕ ናይ ክርስትና ሕይወት እንታይን ከመይን ክኸውን ከምዘለዎ ዘዘኻኽር እዩ። ሊቻኒ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ክትዕ ቃሎም ዘየስምዑ እውን እንተነበሩ ሓሳቦም ግና ብጽሑፍ ይሕዙ ነበሩ። ናይ ኣንቶኒዮ ሮዝሚኒ ጽሑፋት የንብቡን ቲዮሎጊያ ብዕምቆት የንብቡን ንኣብነት ናይ ሀንሪ ደ ሉባክን ናይ ሃንስ ኡርስ ቫን ባልታሳርን ቲዮሎጊያ። ኣብቲ ጉባኤ  ኣብ ዝሳተፍሉ ዝነበሩሉ እዋን ካብ ሮማ ኮይኖም ንናይ ሰበኻኦም ምእመናን ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብመልእኽቶም ብናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ኣገባቢ ተጠቒሞም ይሕብሩን የብርሁን፣ መንፈስ ቅዱስ ዝመርሖ ጉብኤ ምዃኑ እውን ፈጺሞም ዘይሰሓቱን መንፈስ ቅዱስ ዝመርሖን “ብህላዌኡ ኣቢሉ ኣብ ጠመቓዊ ትምህርቲ ጌጋ ከይፍጠርን ምዝንባዕ ከይህሉን ዝከላኸል መንፈስ ቅዱስ” ምዃኑ ይሕብሩ። ብሓባር ከም ቤተ ክርስቲያን ንምዃን።

ተመክሮ ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን

ሉቻኒ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተመክሮ ኩላውነት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ናብ ሰበኻኦም ብዘመሓላልፍዎ ዝነበረ መልእኽቲ የብርሁ። ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ዝነበሩ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካብ መላእ ክፍለ ዓለም ዝመጹ መግለጺ ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን እንክብሉ ይገልጽዎን በዚ መንፈስ እዚ እውን ይነብርዎ። ቀዳማይ ክፋል ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ኣብቅዔ እውን ምስቶም ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ጎድኖም ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣብ ታንጋኒካ ናይ ካረማ ጳጳስ ቡጽዕ ኣቡነ ቻርለስ ምሳኪላ ኣብ ሰበኻኦም ንኸዕርፉ ምስኦም ሒዞሞም ይኸዱ፡ እዚ ድማ ሰበኻኦም እቲ ጉባኤ ዝነብሮ ዝነበረ ተመክሮ ኩላውነት ቤተ ክርስቲያን ከተንፍስ መታን እዩ። እቲ ዮሓንስ መበል 23 ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ብርሃን ኣሕዛብ ዝብል መንፈስ ወንጌላዊ ልኡክነት ከምዝማረኾም እውን ይገልጹን ቤተ ክርስቲያን ንካቶሊካውያን ጥራሕ ዘይኮነ ንኻልኦት እውን ክተነጽርን ቀረባ ክትከውንን ከምዘለዋ ዘመላኽት እዩ።

ሊጡርጊያዊ ሕዳሴ

ጳጳስ ሉቻኒ ደሓር ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ዝተሓርዩ፡ ገለ ገለ ካብቲ ንኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መስቀለይና ሕቶታት ዝነበሩ ብዛዕባ ሊጡርጊያ ዝምልከትን፡ ኣብቲ ጉባኤ ይብሉ እቲ ሓደ ዓቢይ ሕቶ ብዛዕባ ስርዓተ ቅዳሴ ዝምልከት ከምዝነበረን፡ እዚ ኸኣ ምእመናን ካብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓቢይ ጻማ ክረኽቡ መታን እዩ፡ ስለዚህ ሊጡርጊያ ኣብ ናይ ዕለታዊ ሕይወት ምእመናን እቲ ዝለዓለ ደረጃ ክሕዝ ከምዝግብኦን፡ እቲ ቀዳማይ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ - ካብ ቃል ኣምላኽ  . . . ውዕዉዕ ሕይወት ክርስትና ክህሉ መታን፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ቋንቋ እዩ፥ ቅዱስ መጽሓፍን ሊጡርጊያን ብቋንቋኻ ዝብል ሓሳብ፡እtiጉባኤ 81 ጳጳሳት ስርዓተ ሊጡርጊያ ናይ ሕዝቢ ቋንቋ ክጥቀም ይሓትቱ፡ ገሊኣቶም ጳጳሳት ከኣ ፍርሒ ነይርዎም እዩ፡ . . . ኢየሱስ ዝጸለየሉን ዝተጠቀመሉን ቋንቋ ኣራማይስጢ እቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ፍልስጥኤም ዝንገር ዝነበረ። ናይቲ ዝተወለደሉ እዋንን ከባቢን ቋንቋ። ነቲ ስርዓት ምርዳእ ዘይኮነ እቲ ስርዓት ኣብ ኣጠቓቕምማኡ ብገዛእ ርእሱ ንገዛእ ርእሱ ርዱእ ዝገብር ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ናይ ሊጡርጊያዊ ሕዳሴ እዩ። ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ሱታፌ ናይ ምእመናን ንምንቕቓሕን ቀሊል ክኸውን መታን እንክብሉ ኣብ መዘክሮም ብዛዕባ ሊጡርጊያ ዘስፈርዎ ሓሳብ ከምዝርክብ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ሓተታ የመላኽቱ።

ናይ ሃይማኖት ናጽነት

ካልእ ካብቶም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝመኸረሎም ጽንዕ ዝበሉ ጉዳያት ድማ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝብል ሓሳብ ንረክብ። “እታ ሓቀይና ሃይማኖት መን ምዃና ንሰማምዓላ ኢና፡ ይዅን ደኣ እምበር ካልኦት ቅኑዓት ዝኾኑ ነገራት ከምዘለዉ ኣብ ምፍላጡ ምስምማዕ እውን የድሊ፡ . . . እዚ ኸኣ ባህርያዊ ሕጊ ዘረጋግጾ ሰብኣዊ ፍጡር ሓቂ ናይ ምድላይ መሰሉ ስለ ዝኾነ። እቲ ሓቂ ብፍላይ ከኣ እቲ ናይ ሃይማኖት ሓቂ ኣብ ቤትካ ተዓጺኻን ገለ ገለ መጻሕፍቲ ካብ ምንባብ ዘይኮነ ምስ ካልኦት ብዝግባእ ብምምይያጥ እዩ። ንኻልእ ሃይማኖቱ ናይ ምኽባር መሰል ክህልዎ ሕራይ ንምባል ንሓቂ ምጽፋዕ ከፍርሓና የብሉን ይብሉ።

ናይ ካቶሊካውያን መሰል ክኽበር

ሓደ ሕልና እንተድኣ ኣለዎ ሃይማኖቱ ንሳ እያ፡ ክዕቅባን ክገልጻን ከስፍሓን፡ ናይ ገዛእ ርእኻ ሃይማኖት ቅኑዕ እዩ ቢልካ እትፈርድ እንተድኣ ኴይንካ ልክዕ ከምኡ እውን ንናይ ካልኦት ምሕሳብ፡ ምርጫ ሃይማኖት ናጻ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እቲ ምርጫ ብናጽነት እንተድኣ ኮይኑ እቲ ዝቕበሎ ሓንጎፋይ ቢሉ ናቱ ገይሩ ብእማኖ እዩ ዝነብሮ፡ ዘይካቶሊካውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ሃይማኖት ክናዘዙን ኣሜን ክብሉን መሰሎም እዩ። “ከም ውልቀ ሰብን ከም ካህንን ከም ጳጳስን ከም መንግስትን እዚ ከኽብረሎም ይግብኣኒ” እንክብሉ ይጽሕፉ።

ትምህርተ ክርስቶስ ዝበለጸ ግበርዎ

ኣብ መወዳእታ ኣብ ጽሑፋት ሊቻኒ ከም ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲቻን ኣበው፥ ብዛዕባ ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ ርክብ ዝምልከት እዋናዊ ዝኾነ ሓሳብ ንረክብ፡ ቅድሚ 56 ዓመት ዝተጻሕፈ ሓሳብ እውን እንተኾነ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ “ቤተ ክርስቲያን ብምሳድዕ ዘይኮነ ብምምራኽ እያ እትዓብይ” እንክብሉ ምስቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎን ደሓር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጠቐስዎን ዓሚይቕ ኣምር ዝሰማማዕ እዩ። . . .  ስለዚህ እምነት ክርስትና ዝሰፍሕ ክርስትና ብግብሪ ዝነብርዎን ዝናዘዝዎን ምስ ዝህልዉ እዩ፡ ኣልቢኖ ሉቻኒ ኣብ ጽሑፎም - ሎሚ ቡድሃውያን ጽብሕ ካልኦት ኣብ ሮማ እውን ኣርባዕተ ሺሕ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ይሃልዉ፡ ሃይማኖቶም ምንባር መሰሎም እዩ፡ ደቃትኵም ሰዓብት ካልኦት ሃይማኖት ከይኮኑ እትደልዩ እንተድኣ ኴንኵም ትምህርተ ክርስቶስ ብዝበለጸ ኣቕርብዎ፡ ብካቶሊክ እምነትኩም ብሓቂ ከም እትተኣማመኑ ምዃንኩም ብዘነጽር ኣገባብ ቅድም ቀዳም ብሕይወት ኣቕርብዎ ከምዝበሉ ቶርኒየሊ ሓቡሪን ዘቕረብዎ ሓታት ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

29 August 2020, 01:57