ድለ

ር.ሊ.ጳ ምስ ስደተኛታት ር.ሊ.ጳ ምስ ስደተኛታት 

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ! ዝኽሪ 7ይ ዓመት ቀዳማይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ናብ ላምፐዱሳ

ናይ ሎሚ ሸውዓተ ዓመት ይገብር ኣብ ምጅማር ወርሒ ሓምለ 2013 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብታ ምልክት ሥቃይን ጥፍኣትን ናይ ብዙሓት ስደተኛታት ዝኾነ ደሴት ላምፐዱሳ ቀዳማይ ሓዋርያዊ ጒዕዞኦም ዝገበሩሉን ቅዳሴ ዘዕረጉሉን ሓውኻ ኣበይ ኣሎ እንክብሉ ዓው ኢሎም ዝጸውዑሉን ዝኽሪ ጽባሕ ሮቡዕ ዕለት 8 ሓምለ 2020 ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም።

ዜና ቫቲካን!

ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ዚሓሊ ማሕበርን ንኩለንትናዊ ምዕባለ ደቂሰባት ዝከታተል ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ኣባላት ዝሳተፍዎ ንዝኽሪ ሻብዓይ ዓመት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ላምፐዱሳ ቅዱስነቶም ዝሠርዕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ ከምዝዓርግ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ሽሕ'ኳ ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ከም ልብኻ ምትእኽኻብን ሰፊሕ ሓባራዊ ጉዳያት ንከይትገብር ገድብ እንተገበረ ከምቲ መምርሒ ዝእዝዞ ገሮም ርሕቀቶም ምስ ዚሓለው ወከልቲ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ዚሓልዩሎም ትካላትን ሰባትን ኣብ ዝርከብዎ ቅዱስነቶም ነታ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ፈላሚት ሓዋርያዊ ጒዕዞኦም ዝፈጸሙላ ኣብ መንጎ ቱኒዝያን ሃገር ጣልያንን እትርከብ ደቃቅ ደሴት ከምቲ ሽዑ ዝገለጽዋ 'ክንዲ መንገዲ ተስፋን ድሕነትን መንገዲ ሞት' ንኣሽሓት ስደተኛታት ዝኾነት ኣብ ወሽመጥ ሲቺልያ ናይ እትርከብ ዝኽሪ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። ከም ልማድ ዕለተ ሮቡዕ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ዘቅርቡሉ ዕለት እኳ እንተኾነ ብምኽንያት ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ኣብዘን ክልተ ወርሓት ተቋሪጹ ስለዘሎ እቲ ቅዳሴ ካብ ሰዓት 11 ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ኪዓርግ ምዃኑ ሓላፊ ክፍሊ ሕትመት ቫቲካን ማተዮ ብሩኒ ገሊጾም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ኣብ ክፍሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ዘገልግሉ ወከልቲ ከምኡ እውን ኣብ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ ዘገልግሉ ክሳተፉ ምዃኖም ገሊጾም። ቅድሚ ዓመት ኣብ መንበረ ታቦት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ 250 ዝኾኑ ስደተናታትን ሓተቲ ዑቊባን ሕይወቶም ንክደሕኑ ምስ ዝቃለሱ ገበርቲ ሠናይን ቀዲሶም ከምዝነብሩ ይዝከር።

 ዓውለማውነት ሸለልትነት ጠንቂ ሕልቂት ዘመንና!

ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝተረከቡሉ ጽባሕ ጀሚሮም ንዓለምና ዝሸምም ዝነበረ ቀንዲ ክፍኣተ ግብሪ እንታይ ገደሰኒ ንኣይ ይጥዓመኒ እምበር ብማለት እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ እናሰማዕካ ከምዘይሰማዕካ ንኩሉ ሸለል ምባል ምናዳ ኸኣ ንዓመጽን ድኽነትን ውጽዓት ዘይምግዳስ ከምዝኾነ ንከብርሁ ብዙሕ እኳ እንተገዓሩ ቀንዲ ግን ባዕሎም ብኣካል ነቲ ቤተክርስትያንስ ይኹን ካልኦት ተቊዋማት ካብ ገዛእ ርእሶም ውጽእ ኢሎም ከም ሕያዋይ ሳምራዊ ኰይኖም ኣብ ሻውላት ረድኤት ስኢኖም ዝሳቀዩ ድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ንምርዳእ ነቶም ገጽታ ክርስቶስ ዝኾኑ ጽጉማት ስደተኛታት ረዳኢ ዘይብሎም ኣብ ፈቀዶኡ ዝርከቡ ደቂሰባት ንርዳእ ክብሉ ከም ተበግሶ ዝወሰድዋ እዛ ኣይ ምስ ኤውሮጳ ኣይ ምስ ኣፍሪቃ ዝኾነት ንእሽቶ ደሴት እዚኣ ናይ ብዙሕ ድራማ ዘመደ ኣዳም ሓቊፋ ዘላ ደሴት ክበጽሑ ደልዩ። ልብኻ ብዝትንክፍ ኣገባብ ንብሕቶም ኣብቲ ደንደስ ባሕሪ ክጽልዩን ነቶም ማንም ዘይዘክሮም ተስፋ ሰኒቆም ክንደይ ተጓዒዞም ሕጅስ እባ ቀሪብና ክብሉ ሕይወቶም ዝሰኣኑ ተስፋ ክደልዩ ሞት ዝረኸቡ ንምዝካር ሕቋፍ ዕንባባ ኣንቢሮም። ትሪ ናይቲ ሽዑ ዝቀረበ ቃላትን ጻውዒትን ንልቢ ብዙሓት ተንኪፉ። መን በኽይሎም ኢሎም ይሓቱ እሞ ኣነ ክበኽየሎም ኢሎም ንታሪኽ ኣቤልን ቃኤልን ብምዝኽኻር እግዚአብሔር ኣበይ ኣሎ ሓውኻ ይብለና ኣሎ እንክብሉ ጸዊዖም። ብሓቂ ሕልና ንዘለዎ ልቢ ዝትንክፍ ጻውዒት ኰይኑ ናይ ነፍሲወከፍ ኣብቲ ባሕሪ እትን ካልእ ቦታታትን ዝጠፍአት ሕይወት ስደተኛ ኩልና ተሓተታ ምዃና ብዘዘኻኽር ቃና ከም ዘመደ ኣዳም ሓላፍነትና ክንፈልጥ ግደና ክነበርክት ጸዊዖም። ከም ኣጋጣሚ ኰይኑ ካብ ብሱል ጥረ ኰይኖም ዝተረፉ ኣብቲ መዓስከራት ስደት ብብዝሒ ዝነበሩ ደቂ ሃገርና እውን ብመዝሙራት ሃገርና ተቀቢሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ እውን ብቋንቋና ቀሪቡ ነበረ። ቅዱስነቶም ንኩሉ ኣጸናኒዖም ስለ እቶም ግዳያት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ተመልሱ ብኡ ንብኡ ካብቲ ዝፈርህዎ ኣየምለጡን ብዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ዓም ዓለም ዘንቀጥቀጠ ብኣልማማ ደቂ ሃገርና ዝኾነ 366 ሰባት ኣብ ሓንቲ ጊሓት ሕይወቶም ስኢኖም።

ድራማ 3 ጥቅምቲ 2013!

እዚ ህልቂት እዚ ምስ ተነግሮም ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መንበሮም ዝገብርዎ ዝነበሩ ብምቊራጽ 'ዘሕፍር' ክብሉ እዚ ፍጻሜ እዚ ንምሉእ ዘመደ ኣዳም ዘሕፍር ገጽታ ኰይኑ ክውገድ ዝነበሮ ብሓቂ ልብኻ ዘቊስል ምዃኑ ገሊጾም ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነቲ ዓፊኑ ሒዙ ዘሎ መንፈስ ሸለልትነት ሰጊሮም ዝከኣሎም ክገብሩ ተሪር ጻውዒት ኣመሓላለፉ። ከም ኩሉ ፍጻሜታት ንዓመት ምሉእ ብኽያትን ቁዘማን ላዕልን ታሕትን ምቅባር ግዳያትን ካልእ ምጽራያትን እናተገብረ ዓመት ምስ ሓለፈ ነቶም ውጻእ መዓት ዝኾኑ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ካብ መላእ ዓለም ኣኪቦም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ረኺቦም ኣጸናኒዖም ብሓባር ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ነቲ ጻውዒት እንደገና ከምዘጋሑን ኣብቲ ግዜቲ እቲ ዝተመሓላለፈ መደባት የዘኻኽር። ድሕሪ ቅዳሴ ናብቲ ቦታ ብምኻድ እቶም ውጻእ መዓት ግዝያዊ መቃብር ኣሕዋቶም ብምብጻሕን ጸሎትን ፍትሓትን ብምዕራግን ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባርን ዝጀመርዎ ዓመት መጸ ዕለት 3 ጥቅምቲ ኣብዘን ዝሓለፋ 6 ዓመታት ተዘኪሩ። ንሎምዘመን ምስዚ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ከመይ ከምዝኸውን እንምልከቶ እንክኸውን እንተ ቅዱስነቶም ጽባሕ ሮቡዕ ነቶም ዝቀደሙን ዝደሓሩን ግዳያት ንምዝካርን ፍትሒ ነቶም ጥሜትን ኩናትን ስደትን መሪርዎም ገና ነዚ መንገዲ ሞት ክመርጹ ንዝግደዱን ይምህለሉ። ከምቲ ቅድሚ 7 ዓመት ዝበልዎ ከኣ እዚ ኩሉ ሳዕቤን ናይ ዓውለማዊ ሸለልትነት ወይ እውን እንታይ ገደሰኒ በሃልነት ናይ ኩልና ከምዝኾነ ንጹር እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 July 2020, 18:24