ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓገዝ ንዓለም ሓቆፍ መርሓ ግብሪ መግባውነት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓገዝ ንዓለም ሓቆፍ መርሓ ግብሪ መግባውነት 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓገዝ ንዓለም ሓቆፍ መርሓ ግብሪ መግባውነት

ነቶም ኣዚዮም ብድኽነት ዝተጠቕዑን ተኣፋፍያንን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልካል ብቕዓት ዓቕምን ንዘይብሎም ዜጋታት ዘለዎም ቅርበት ንምምስካር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ መርሓ ግብሪ መግባውነት ኣብዚ እዋን’ዚ ኮቪድ -19 ንዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላው ንምብዳህ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ንምትብባዕ ምልክታዊ ናይ 25 ሺሕ ኤውሮ ሓገዝ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ብናይ ሰብኣዊ ኵለንተናዊ ምሉእ ኣገልግሎት ምዕባለ ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ ምዕባለ መዋሊ ማሕበርን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ መግባውነት መርሓ ግብሪ ማሕበርን ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣቢሎም ንዓለም ሓቆፍ ሓልዮ መግባውነት መረሓ ግብሪ ማሕበር ምልክታዊ ዝኾነ ናይ 25 ሺሕ ኤውሮ ሓገዝ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

ብፍላይ እቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ሓገዝ ነቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበርን ንዘካይዶ ሰብኣዊ መደባትን ነቶም በዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር’ዚ ዝድገፉን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዚዮም ብድኽነት ዝተጠቕዑን ተኣፋፍያንን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልካል ብቕዓት ዓቕምን ንዘይብሎም ዜጋታት ዘለዎም ቅርበት ንምምስካር ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍል ማሕተምን መገለጺ ሓቢሩ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓገዝ ንዓለም ሓቆፍ መርሓ ግብሪ መግባውነት
04 July 2020, 19:05