ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ  ምስማዐ ራእየት መልእክቲ ንተቐማጦ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ኣርጀንቲና ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስማዐ ራእየት መልእክቲ ንተቐማጦ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ኣርጀንቲና 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስማዐ ራእየት መልእክቲ ንተቐማጦ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ኣርጀንቲና

ተሞክሮ ናይቶም ኣብ ደጋውዊ ክፍለ ከተማ ዘገልግሉ ካህናት ንኽርስቶስ ኣብ ዝሳቐይን ዝቖሰለን ኣካል ሰብኣዊ ፍጥረት ምርካብን ምድጋፍን ምግልጋልን ዝብል እዩ፡ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ኣብ ዝሳቐይ ሓው ኣብ እተቕርቦ ድጋፍ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቦኖስ ኣይረስ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ብኾሮና ተህዋስ ብኸቢድ ንዝተጠቕዑን ነቶም ኣብቲ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተስብ ኣብ ዝርከብሉ ክፍለ ከተማ ንዘገልግሉ ቆሞሳትን ካህናትን ኣባላት ገዳማትን ልኡካነ ወንጌልን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ከምዘረጋገጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጸሎትን ቅርበትን ስንዮታንን፥ ቅዱስነቶም ናብቶም ናይ ቦነስ ኣይረስ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ቆሞሳትን ሕዝብን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ንቆሞሳት ኩራስ ቪለሮስን ቪላስ ሚሰሪያስ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ድኻታትን ዝተነጸሉን ክፍሊ ህብረተሰብ ንዘገልግሉን ብፍላይ እዚ ከባቢ ቢኖስ ኣይረስ ብኾሮና ተህዋስ ኣዚዩ ዝተጠቕዔ እውን ብምዃኑ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዘገልግሉ ቆሞሳት ውሽጢ ሰለስተ ካህናት በቲ ተህዋስ ከምእተለፉ ቅድስነቶም ጠቒሶም ንኣኣቶም “ኣብ ጸሎተይ ዝኩራት ኢኻትኩም” ቢሎም “ብናይ ሓኻይም ድጋፍ ትስነዩን ኣብ ጸሎት እውን ከምእትረክቡን ኣብዚ እተሕልፍዎ ዘለኹም ጽንኩር እዋን ጸሎተይን ቅርበተይ ከረጋኣግጸልኩም እፈትው” ከምዝበሉ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፡ እቲ ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዕለት 9 ሓምለ 2020 ዓ.ም. እቶም ካህናት ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻታቶም ኣቢሎም ከምዝዘርግሕዎ ገሊጸን፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምእመናን፥ ምእንቲ ካህናት ጸልዩ

ቅድስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ኣብ ናይ ድኻታት መንበሪ ዞባ ቪላ ፓሊቶ ኣብዚ እዋን’ዚ ባሪዮ ኣልማፉወርት ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ፥ ኣዚዮም ብኸቢድ ኵነት ዝተጠቕዑን ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ ዜጋታት ዝቕመጡሉ ንዘገልግሉ ብፍላይ ንኣባ ባሲሊሲዮ ብሪተዝ ብባኽ መጸውዕ ስም ንዝፍለጡ ዘኪሮምን ንዅሎም ቆሞሳትን ምእመናንን ጸሎትም ኣረጋጊጾም ምእመናን ስለ ናይቶም ካህናቶም ምስክርነት ንጐይታ ከመስግኑን ክጽልዩን ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ኣባ ዲ ፓውላ ኣብ ኩራስ ቪለሮስ ኣብ ጎድኒ እቶም ኣብ ሓሳር ዝርከቡን ዝተናዕቑን

እቲ ኩራስ ቪለሮስ ጉጅለ ኣብ ስልሳታት ዝተመስረተን ኣብ ተስዓታት ኣብቲ እዋን ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ብዝነበሩ ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ብዝሕ ድጋፍን ስንዮታን ዝወሃቦም ዝነበረን ካብቶም ናይቲ ጉጅለ ኣባል ሓደ ኣባ ኾሰ ማሪያ ዲ ፓውላ ብኣባ ፐፐ ዝፍለጡን ካልኦት 22 ካህናት ዝርከብዎን ከምዝኾነ ፒሮ ሓቢረን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ምስ ናይ ሰበኻኦም ሮማ ካህናት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ንኣባ ኾሰ ማሪያ ዲ ፓውላ ከም ኣብነት ከምዝዝጠቐስዎምን ተሞክሮ ናይቶም ኣብ ደጋውዊ ክፍለ ከተማ ዘገልግሉ ካህናት ንኽርስቶስ ኣብ ዝሳቐይን ዝቖሰለን ኣካል ሰብኣዊ ፍጥረት ምርካብን ምድጋፍን ምግልጋልን ዝብል እዩ፡ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ኣብ ዝሳቐይ ሓው ኣብ እተቕርቦ ድጋፍ እዩ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም ከምዝነበሩ ፒሮ የዘኻኽራ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስማዐ ራእየት መልእክቲ ንተቐማጦ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ኣርጀንቲና
11 July 2020, 13:23